ሕጊ ሸሪዓ እንታይ እዩ? ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝነብራ ደቀንስትዮኸ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

ሸሪዓ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጣሊባን፡ ንኣፍጋኒስታን ብመሰረት እስላማዊ 'ሕጊ ሸሪዓ’ ከምዘመሓድሩዋ ይገልጹ ኣለው።

ኣፈኛ ጣሊባን ንካቡል ድሕሪ ምቍጽጻሮም ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንከም መራኸቢ ብዙሃንን መሰል ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰለ ዛዕባታት "ኣብ ውሽጢ እስላማዊ ሕጊ" ክኽበር ምዃኑ ገሊጹ። ኪኖኡ ግን እቲ ጕጅለ ዝኾነ ይኹን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ይኹን እምበር ጣሊባን ቅድም ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ቅትለትን ዝሙትን ንዝተረኽቡ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሞት ይቐጽዕ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሕጊ ሸሪዓ እንታይ እዩ?

ሕጊ ሸሪዓ ናይ እስልምና ወግዓዊ ሕጊ እዩ። እቲ ቃል፡ ካብ ቍርኣንን እስላማዊ ጽሑፍን ዝመንጨወ ወግዓዊ መምርሒ ኣመንቲ ምስልምና እዩ። ኣብ ኣተረጓጕማ ናይ ሕጊ ከኣ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ምስልምና ይሳተፉዎ።

ሸሪዓ ቃል ብቓሉ ክትርጐም ከሎ፡ "ናብ ጽሩይ ማይ ዝወስድ ንጹርን ርጉጽን መገዲ" ማለት እዩ።

ኣብ ሓደ ጉዳይ 'ፈትዋ' ተዋሂቡ ክበሃል ከሎ፡ ኣብ ቀንዲ ዛዕባ ናይቲ ጉዳይ፡ ብዓበይቲ ሊቃውንቲ እቲ ሃይማኖት ናይ ኣተረጓግማ ትርጉም ተዋሂቡ ማለት እዩ።

ሕጊ ሸሪዓ ኩሎም ኣስላም ከኽብርዎ ዘለዎም ናይ ኣናብራ መምርሒ ኮይኑ ከገልግል እንከሎ፤ ጸሎት፡ ጾምን ንድኻታት ምምጽዋትን የጠቓልል።

ከምኡ ዝግበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣመንቲ ምስልምና ንዅሉ መዳያት ህይወቶም ብኸመይ ምስ ድሌት ኣምላኽ ከም ዝሰማማዕ ክገብሩዎ ከምዘለዎም ምእንቲ ኽርድኦም እዩ ።

ሸሪዓ ወዲ ኮነ ጓል ከመይ ክኽደኑ ከም ዘለዎም ይነግር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሸሪዓ: ወዲ ኮነ ጓል ከመይ ክኽደኑ ከም ዘለዎም ይነግር

ሕጊ ሸሪዓ፡ ኣብ ግብሪ እንታይ ማለት እዩ ?

ሕጊ ሸሪዓ፡ ንእስላም ኩሉ መዳያዊ መዓልታዊ ህይወት ዝሕብር መምርሒ እዩ።

ንኣብነት፡ ሓደ ኣስላማይ መሳርሕቶም ድሕሪ ስራሕ ናብ ምዝንጋዕ ወይ ባር ንኪኽዱ እንተዓዲሙዎም ንሓደ ናይ ሸሪዓ ምሁር ከይዶም ምኽሪ ይሓትት።

ኣብ ሸሪዓ ኣልኮል ምስታይ ኣይፍቀድን እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣልኮል ዝሽየጦ ዱኳናት ኮነ መስተ ኣብ ዝስረሓሉ ትካላት ምስራሕ ኣይፍቀድን’ዩ። ኣልኮላዊ መስተ ምሻጥ ምክፍፋል ወይ መወዓውዒ ምክያድ ክልኩል እዩ።

ኣመንቲ ምስልምና፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ንዘገድሶም ኩለ መዳያዊ ሕጊ ናይ ስድራቤት ፋይናንስን ንግድን ዘጠቓልል ምኽርን ሓበሬታን ኣልያን ይረኽቡ።

ኣብ ሸሪዓ እቲ ዝኸበደ መቕጻዕቲ እንታይ እዩ ?

ሕጊ ሸሪዓ ኣብ ክልተ ሓፈሻዊ ክፋላት ይምቀል። እቲ ሓደ ክብድ ዝበለ ገበን ኮይኑ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ የኸትል። እቲ ካልኣይ ቅልል ዝበለ ከኣ እቲ ዳኛ ብናቱ ገምጋምን ርድኢትን ዝመሰሎ መቕጻዕቲ ብምብያን ይእርሞ።

እቲ ክብድ ዝበለ መቕጻዕቲ ዘስዕብ ከም ስርቅን ዝሙትን ኮይኑ፡ ዝሰረቐ እታ ዝሰረቐት ኢዱ ትቑረጽ፡ እታ ዝዘመወት ከኣ ብዳርባ እምኒ ትቕተል።

ሸሪዓ ሰበይትን ሰብኣይን ዝኽደኑዎ ክዳን ብዝርዝር ይድንግግ። ደቀንስትዮ ሰብነተን ዘርኢ ክዳን ክኽደና ኣይፍቀድን።

ምስ ዓርካ ዝተረኽበት ኢንዶነዥያዊት ሰበይቲ እናተቐጽዐት መጋቢት 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምስ ዓርካ ዝተረኽበት ኢንዶነዥያዊት ሰበይቲ እናተቐጽዐት

ሓደ ሓደ እስላማውያን ውድባት፡ ኣብቲ ንከቢድ ገበን ዝምልከት መቕጻዕቲ ሸሪዓ ብዕምቆት ምርኣይን ምምርማርን ከምዘድሊ ይምጒቱ እዮም።

ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብዳርባ እምኒ ዝፍጸም ናይ ሞት መቕጻዕቲ "ጭካነ ዝመልኦ ኢሰብኣውን ውርደት ዝመልኦ ኣሰቃቒ መቕጻዕቲ እዩ” ብምባል ኣጥቢቑ እዩ ዝኹንኖ።

ነቲ ከቢድ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኵሎም ኣመንቲ ምስልምና ኣይኮኑን ዝፍጽምዎ። ገሊአን ነቲ መቕጻዕቲ ኣየተግብረኦን እየን። ክሳብ ሕጂ እተገብረ መጽናዕትታት ከኣ፡ ኣመንቲ ምስልምና ንከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር መቕጻዕቲ ዘለዎም ኣረኣእያ እተፈላለየ ምዃኑ እዩ ዘመልክት።

ኣመንቲ ምስልምና ናብ ክርስትና እንተቐይሮም ክቕተሉ ይኽእሉ ድዮም?

እምነትካ ምሕዳግ ወይ ምቕያር ኣብ ናይ ሙስሊም ዓለም ኣዝዩ ኣካታዒ ጕዳይ እዩ። መብዛሕትኦም ምሁራት ከኣ ከምኡ ዓይነት ተግባር ብሞት ከም ዘቕጽዕ ይኣምኑ።

እንተዀነ ግን፡ ሒደት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና: ብፍላይ ከኣ እቶም ምስ ሕብረተሰብ ምዕራብ እተወሃሃዱ፡ ኣብዛ ምድራዊት ዓለም "መቕጻዕቲ" ንረቢ/ፈጣሪ ክሕደግ ከም ዘለዎን ሃይማኖት ምቕያር ኣብ ሓደጋ ከም ዘየእቱን ይምጕቱ ።

ቁርኣን ንባዕሉ ኣብ ሃይማኖት ምግዳድ ከምዘየሎ እዩ ዝእውጅ።

እቲ ምሕደራ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም?

ልክእ ከም ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ ስርዓት፡ ሸሪዓ እውን እተሓላለኸ ስለ ዝዀነ፡ ኣፈጻጽምኡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዓይነትን ስልጠናን ክኢላታት እተመርኰሰ እዩ ።

እስላማውያን ክኢላታት ሕጊ፡ መምርሒታትን ሕግታትን ይህቡ። እቲ ከም ወግዓዊ ሕጋዊ ብይን ዝውሰድ መምርሒ ከኣ “ፋጥዋ” ይበሃል ።

ኣብ ሕጊ ሸሪዓ ሓሙሽተ እተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣሎ። ኣርባዕተ ሰረተ እምነት ሱኒ ከኣ ኣሎ፣ ንሱ ከኣ ሃንባሊ፡ ማሊኪ፡ ሻፊን ሓናፊን፡ ከምኡ እውን ኣብ ሰረተ እምነት ሺዓ ጃፋሪ ኣሎ ።

እተን ሓሙሽተ ሰረተ-እምነት ፡ ነቲ ሕጊ ሸሪዓ ሒዝዎ ዘሎ ጽሑፋት ኣብ ምትርጓም ይፈላለያ እየን ።