ኣፍጋኒስታን፡ ምእንቲ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጣሊባን ክትሰርሕ ተስፋ እትገብር ተሓላቒት መሰላት

ቡርቃ ዝተባህለ ክዳን ዝተኸደነት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጣሊባን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሕግታት ክነብራ ይግደዳ ነይረን

ጣሊባን ናብ ካቡል እንትኣቱ ፕሬዝደንት ኣሽራፍ ጋኒ ካብታ ሃገር ሃዲሙ።

ብምምጻእ እቲ ጉጅለ ዝተሻቐሉ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር'ውን ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክጸቓቐጡ ተራእዮም።

ማሕቡባ ሲራጅ ግን ሓንቲ ካብኣቶም ኣይኮነትን።

ንነዊሕ ዓመታት ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክትጉስጉስ ጸኒሓ። ሓላፊት ማእከል ህንጸት ክእለት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን እያ።

እዚ፡ ዘቤታዊ ዓመጽን መሃይምነትን ኣብ ዝበዝሖም ከባቢታት ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንምትብባዕን ግንዛበ ንምዕባይን ዝሰርሕ ትካል'ዩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ጥራሕ'ያ ማሕቡባ ኣብ ኣመሪካ ነይራ፤ ግን ድማ ናብ ኣፍጋኒስታን ክትምለስ ወሲና።

"ንድሕነት ኩለን ሓላፍነት ዝወሰድኩለን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክብል ኣብ ጥቅአን ክኸውን ይግባእ። ስቕ ኢለ ገዲፈየን ክኸይድን ካብታ ሃገር ክወጽእን ኣይክእልን" ትብል።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ዙርያ ኣተኣላልያ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጣሊባን'ውን እንተኾነ ተሓባቢራ ክትሰርሕ ትደሊ።

"እንተውሓደ ከነዘራርቦም ተስፋ ይገብር፤ ብውሑድ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ከፍ ክንብል እንተክኢልናን እንተኣዘራሪብናዮምን . . . በላሕቲ ሰባት ክንረክብ ንኽእል ኢና . . . ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ዘለወን ዓቕሚ ክፈልጡ ይኽእሉ'ዮም" ኢላ።

'ሕልምታትና ተሰይሮም'

ጣሊባን፡ ካብ 1996 ክሳብ 2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ኣብ ስልጣን ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ሕጊታት ክነብራ ይግደዳ ነይረን።

ትምህርትን ስራሕን ተነፊገን፣ ብዘይ ሓለዋ ወዲ ተባዕታይ ካብ ገዛ ከይወጽኣ ተኸልኪለን፣ ካብ ጸጉሪ ርእሰን ክሳብ ጽፍሪ እግረን ክሽፈና ተገዲደን፣ ኣብ ኣደባባይን ስታድየማትን ይግረፋን ብእምኒ ተቐጥቂጠን ይቕተላን ነይረን።

ብርግጽ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ኣለወን'ዩ።

ኣባላት ጣሊባን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጣሊባን ብ15 ነሓሰ ንካቡል ተቖጻጺሩ

ኣባል ባይቶ ኣፍጋኒስታን ፋርዛና ኮቻይ ነበርቲ ካቡል ብምምላስ ምምሕዳር ጣሊባን ተሻቒሉ'ዩ ትብል።

"እቲ ዘሎ ስግኣት ብምንታይ ከም ዝዕቅኖ ኣይፈልጥ . . . እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፍርሒ፣ ኩሎም ዝስምዖም ዘሎ ስምዒት ክገልጾ ኣይክእልን። ስቕ ኢሎም ክኸውን እዩ ኢሎም ዘይተጸበዩዎን ዘይሓሰቡዎን'ዩ ገጢሙዎም፤ 'ናበይ ንኸይድ? እንታይ ንግበር? ዝብል ኣብ ገጾም ይንበብ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ካልእ ጸሓፊት ኮይና እትሰርሕ ሽማ ክርቋሕ ዘይደለየት ጓል ኣንስተይቲ ብምምላስ ጣሊባን "ተሰይረ'የ" ኢላ።

"ክሰርሖ ዝደሊ ከም ዝሰርሕ ክፍቀደለይ ድዩ ብዛዕባ ዝብል ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ከማይ ሕልምታተን ዝተሰብረ ብዙሓት መናእሰይ ኣለዋ። ንዝሓሸ መጻኢ ዘመዓዱ ዝነበረ ተስፋና ብቕልጡፍ ይሃስስ ኣሎ" ትብል።

ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ማሕቡባ ሲራጅ ግን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ምስራሕ ይክኣል'ዩ ኢላ ትኣምን።

"ቅድሚ ሕጂ . . . ቅድሚ ጣሊባን ዓለም ኮነ ህዝብና ጥንካረ ጓል ኣንስተይቲ ኣፍጋን ኣይርኣዩዎን። ዓቕምታትና ብዝግባእ ኣይተጠቐሙሉን፤ ክንድቲ ከሳትፉና ዝግባእ ኣየሳተፉናን፤ ተስፋ ይገብር እዞም ሰባት እዚ ዕድል ክህቡና" ትብል።

ወሲኻ፡ "ከምኡ እንተገይሮም ጸገም የብልናን፤ እንተዘይኮይኑ'ውን እተን ደቂ ኣንስትዮን ካልእን ውሑስ እንተኾይኑ፡ ጸገም የብሉን" ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ተዛሪባ።

ማሕቡባ ሲራጅ

ምንጪ ስእሊ, Mahbouba Seraj/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ማሕቡባ ሲራጅ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ትቃለስ ነይራ
1px transparent line

ማሕቡባ ሲራጅ፡ ንጣሊባን ከም ዘይትፈርሖምን ከም ዘይትሰናበድን ትዛረብ።

"ንስንባደ ግዜ የብልናን" ዝበለት ማሕቡባ፡ "ከንፈር ንምርምጣጥ ኮነ ንድራማ ግዜ የብልናን" ኢላ።

እንተኾነ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ንኣፍጋናውያን ንጣሊባን ራሕሪሖምዎም ብምኻዶም ዝተሰምዓ ሕርቃን ቁጥዐን ኣይሓብአትን።

"በዚ ክንደየናይ ከም ዝተቖጣዕኹ ክገልጾ ኣይክእልን። እቲ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ጻዕርን ኣብ ውዱእ ደቓይቕ ራሕሪሖምና ብምኻዶም ዝተሰምዐኒ ሕርቃን ክገልጾ ኣይክእልን" ኢላ።

መግለጺ ቪድዮ, ጣሊባን ተመሊሱ ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጡ ዘሻቐላ ኣፍጋኒስታናዊት ጋዜጠኛ

ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ምስ ዓለምለኻዊ ለገስቲ ትካላት ብምስርሓን ኣብ ዓለምለኻዊ ኣኼባታት ብእትገብሮ ዝነበረት ተሳትፎን፡ 'ከይትቕተሊ ትሰግኢ'ዶ?' ዝብል ሕቶ ቐሪቡላ "ፈጺሙ" ዝብል ምላሽ እያ ሂባ።

"ወትሩ ነቲ ትኽክለኛ ኣፍጋኒስታናዊ'የ ዝውክል፤ ንሱ'የ ገይረ። ገሊኦም ኣባላት ጣሊባን ካ እዚ ይፈልጡ'ዮም እየ ዝብል"።

ካብዚ ብምብጋስ እቲ ሕጂ ተርእዮ ዘላ ጽንዓት ገሊኦም ብጅግንነት ክርእዩዎ ይኽእሉ፤ ንሳ ግን ኣይትሰማምዐሉን።

"ሰማእት ኣይኮንኩን፤ ሓቦኛ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ኣይኮንኩን። እኳ ድኣ ብሓላፍነት እየ ዝኣምን። ኣፍጋኒስታናዊት ጓል ኣንስተይቲ'የ። ስለዚ ኣብ ሃገረይ ክኸውን ይደሊ" ኢላ።