ኣመሪካ ኣብ ኲናት ኣፍጋኒስታን ክንደይ ህይወትን ገንዘብን ከፊላ?

ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ኣፍጋኒስታን ይዋግኡ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ኣፍጋኒስታን ይዋግኡ ነይሮም።

ድሕሪ 20 ዓመታት ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ሓይልታት ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን፡ ነታ ሃገር ለቒቖም እንትወጽኡ፡ ሓይልታት ጣሊባን ነታ ሃገር ንምቁጽጻር ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን።

ፕሬዝዳንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም፡ ወተሃደራት ኣመሪካ መሊኦም ከምዝወጽኡ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ኣመሪካን ካልኦት ኣባል ሃገራት ኔቶን ክንደይ ዝኣክል ወጻኢ ከምዝሓተተን ክንምልከት ኢና።

ክንደይ ወተሃደራት ተላኢኾም?

ኣመሪካ፡ ምስ መጥቃዕቲ 9/11 ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም፡ ንኦሳማ ቢን ላንደንን ካልኦት መራሕቲ ኣልቃዒዳን ኣዕቊቦም ዝበለቶም፡ ሓይልታት ጣሊባን ካብ ስልጣን ንምእላይ ጥቅምቲ 2001 እያ ናብ ኣፍጋኒስታን ኣምሪሓ።

ኣመሪካ፡ ሓይልታት ጣሊባን ንምውጋእ ብዙሕ ቢልዮን ዶላራት ዘውጸት ኮይና፡ ብዝሒ እቲ ናብታ ሃገር ዝወፈረ ወተሃደር’ውን ካብቲ ቀዲሙ ዝኣተወ እናወሰኸ እዩ መጺኡ ነይሩ።

ኣብ 2011 ብዝሒ ናብታ ሃገር ዝወፈረ ወተሃደር ኣመሪካ፡ 110,000 በጺሑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 4 ሽሕ ወተሃደራት ጥራይ እዮም ነይሮም።

እዚኦም ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ንምሕላው እዮም ኣብቲ ከባቢ ነይሮም።

ሕዚ፡ ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸረ፡ ኣመሪካ ዜጋታታ ንምውጻእ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራታ ተመሊሶም ናብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር፡ ካቡል፡ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ሓዊሱ፡ ናይ ካልኦት ሃገራት ሰራዊት’ውን ኣብታ ሃገር ነይሮም እዮም።

ኔቶ፡ እቲ ስሩዕ ውግእ ኣብ 2014 እዩ ዛዚሙ።

ሓይልታት ኔቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ኔቶ ኣብ ምስልጣን ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ሓጊዞም

እንተኾነ፡ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ንምስልጣንን ኣንጻር-ግብረ ሽበራ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ንምድጋፍን 13 ሽሕ ሰራዊት ዝሓዘ ሓይሊ ኣብታ ሃገር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ናይ ብሕቲ ሓይልታት ጸጥታ ኣለዉ።

ኮንግረስ ኣመሪካ ከምዘጽነዖ እንተኾይኑ፡ ክሳብ መወዳእታ 2020፡ ልዕሊ 7,800 ኣብዚ ዝምደቡ ዜጋታት ኣመሪካ ነይሮም።

ክንደይ ዝኣክልከ ወጻኢ ተገይሩ?

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተገብረ ገንዘባዊ ወጻኢ ብኣብዝሓ ብኣመሪካ ዝተሸፈነ ምዃኑ ይዝረብ።

ካብ 2010 ክሳብ 2012፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ወተሃደራት ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ነቲ ኲናት ወጻኢ ዝተገብረ ዓመታዊ፡ ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝጽጋዕ መረዳእታት የመልክቱ።

ሰራዊት ኣመሪካ፡ ትኹረቱ ናብ ስልጠና ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ምስ ኣዞረ፡ ብዙሕ ወጻኢ ከምዝነከየ እዩ ዝዝረብ።

ብ2018፡ ዓመታዊ ወጻኢኡ 45 ቢልዮን ዶላር ከምዝነበረ ሓደ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ንኮንግረስ ገሊጹ ነይሩ።

ብመሰረት መምርሒ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ብሓፈሻ ካብ 2001 ክሳብ 2019 ዝነበረ ወጻኢታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ 778 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ነይሩ።

ከምኡ’ውን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ምስ ትካል ተራድኦ ኣመሪካ (ዩኤስኤአይዲ) ብሓባር፡ ንመደብ- ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር ዝውዕል፡ 44 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበሩ ይዝረብ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ዕላዊ ዝተገብሩ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ብድምር፡ ኣብቲ ዝተርቑሓ እዋን፡ 822 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።

እዚ፡ ኣመሪካ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ፓኪስታን ዝገበረቶ ወጻኢ ኣየካትትን።

ዩኒቨርሲቲ ብራውን፡ ኣብ 2019 ብዘካየዶ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኣሜሪካ ምስ ኲናት ኣፍጋኒስታን ብዝተኣሳሰር፡ 978 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢ ገይራ እያ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ኲናት ጠቕላላ ወጻኢ ዝተገብረ ብልክዕ ንምግምጋም ከምዝኸብድ እዩ ዝጠቅስ።

ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዳግመ ህንጸት ኣፍጋኒስታን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዳግመ ህንጸት ኣፍጋኒስታን

ዩናይትድ ኪንግደም 30 ቢልዮን፡ ጀርመን ድማ 19 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበራ ይግመት።

ሕዚ ኣመሪካን ካልኦት ኣባላት ኔቶን፡ ወተሃደራተን ካብቲ ከባቢ እንተውጻኣ’ኳ፡ ክሳብ 2024 ንሰራዊት ኣፍጋኒስታን ብድምር 4 ቢልዮን ዶላር ንምኽፋል ተመጻቢዐን ይርከባ።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ፡ ኔቶ ንኣፍጋኒስታን ናይ 72 ሚልዮን ዶላር ዋጋ ዝግመት ድጋፍ ኣጽዋር ከምዝገበረ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ውዒሉ?

ኣብዝሓ እቲ ገንዘብ ንኣንጻር ግብረ ሽበራ ተግባራት፡ ንምግቢ፣ ክዳውንትን ሕክምና ከምኡ’ውን ንካልኦት ወተሃደራዊ ጥቕማ-ጥቕሚታት እዩ ውዒሉ።

መረዳእታታት ከምዘርእዩዎ፡ ካብ 2002 ጀሚሩ፡ ኣመሪካ ንዳግመ ህንጸት ኣፍጋኒስታን 143.27 ቢልዮን ዶላር ዝኣክል ወጻኢ ገይራ እያ።

ከምኡ’ውን ንሃገራዊ ሰራዊት እታ ሃገርን ንፖሊስን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታን፡ 88.32 ዶላር ወጻኢ ተገይሩ እዩ።

ንምምሕዳራውን ስራሕቲ ልምዓትን ድማ፡ 36 ቢልዮን ዶላር ፤ ዝተረፈ ውሑድ ገንዘብ ድማ ንኣንጻር ዕጸ-ፋርስ ወጺኡ ተባሂሉ።

ዝተረፈ ድማ፡ ብምትላልን ግዕዝይናን ከምዝባኸነ ይዝረብ።

ክንደይ ዝኣክል ሰብ ሞይቱ ?

ምስ ጣሊባን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ካብቲ ጥሙር ሓይሊ፡ ብሓፈሻ ካብ 2001 ጀሚሩ ልዕሊ 3,500 ኣባላት ምምዋቶም ይግለጽ።

ካብ መንጎኦም፡ እቶም 2,300 ወተሃደራት ኣመሪካ እዮም።

ልዕሊ 450 ወተሃደራት እንግሊዝ እንትሞቱ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ቆሲሎም ተባሂሉ።

እዚ ምስቲ ብዝሒ ዝሞቱ ኣፍጋኒስታውያን ወተሃደራት እንትነጻጸር፡ ውሑድ እዩ።

ኣብ 2019 ፕረዚደንት ጋኒ መንበረ-ስልጣን እንትቆጻጸር፡ ሓሙሽተ ዓመታት ቅድም ኢሉ ጀሚሩ፡ ልዕሊ 45 ሽሕ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ሞይቶም ተባሂሉ።

መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ከምዘርእዮ ድማ፡ ብሓፈሻ እቲ ኲናት ብ2001 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ህይወቶም ዝሳአኑ ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን’ታ ሃገር፡ ብድምር ልዕሊ 64 ሽሕ ከምዝኾነ እዩ ዝግመት።