ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካ ሰራሕተኛታታ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ንመዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ተቖጻጺራ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ዓቕሎም ዝጸበቦም ነበርቲ ካብታ ከተማ ኣብ ዝሃድሙሉ ኩነታት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ይቆጻጸር ምህላው ተገሊጹ።
ነቲ ከባቢ ኣውሒሱ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ንበረራ ነፈርቲ ብምቁጽጻር ኣመሪካውያንን መሻርኽቲ ሰራሕተኛታትን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ይሰርሕ ኣሎ።
ዝበዝሐ ንግዳዊ በረራታት ክድስክል እንከሎ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣፍጋናውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ሓዲግ ተሪፎም ኣለው።
መንግስቲ እታ ሃገር ብሰንበት ድሕሪ ምውዳቑ፡ ጣሊባን ከም ዝተዓወተ ገሊጹ እዩ። ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ናብ ወጻኢ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ።
እቶም ዕጡቓት ናብ መሪሕነት ምምጽኦም፡ ነቲ ንከባቢ 20 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኪዳን መኸተምታ ገይሩሉ ኣሎ።
ጣሊባን ንመላእ እታ ሃገር ንምቁጽጻር ቅድሚ ኣዋርሕ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ናህሩ ክውስኽ እንከሎ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ንብዙሕ ከባቢታት ተቖጻጺሮም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ እስላማዊ ጉጅላ፡ ናይ ወጻኢ ሃገር ወተሃደራት ካብታ ሃገር ድሕሪ ምስሓቦም እዩ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክቆጻጸር ክኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ንምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ኲናት ሓድሕድ ካልእ ሃገር መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ኩነት ኣመሪካ ክትጸንሕ ኣይትኽእልን" ኢሉ።
ጣሊባን ንካቡል ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣምሪሖም።
ኣመሪካ ንብምልኦም ሰራሕተኛታት ኤምባሲኣ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዘብጽሐቶም ክትገልጽ እንከላ፡ ነቲ ስርሒት ንምሕጋዝ ኣስታት 6,000 ወተሃደራት ናብቲ ስፋራ ተላኢኾም ኣለው።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመሪካውያን፡ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ዝነበሩ ኣፍጋናውያንን ኣባላት ስድራቤቶምን ከምኡ'ውን ካልኦት "ተቓላዕቲ ኣፍጋናውያን" ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት ብኣየር ካብታ ሃገር ክወጽኡ ምዃኖም ሓደ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ብዙሓት ንግዳውያን በረራታት መገዶም ናብ ከባቢ ካቡል ዝርከባ ካልኦት ከተማታት ክቕይሩ እንከለው ካልኦት በረራታት ድማ ተወንዚፎም ኣለው።
ሰንበት ምሸት ዝተሳእለ ሓደ ቪድዮ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ነታ ካብታ ከተማ ትብገስ ዝነበረት ናይ መወዳእታ በረራ ከርክቡ ክጎዩ የርእይ።
ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብወን ልዕሊ 60 ሃገራት ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን "ብውሕስነት፡ ኣብ ድሕነትን ብኽብርን ክነብር ከም ዝግብኦ" ብምሕባር፤ ጸጥታን ምርግጋእን ብቕልጡፍ ክምለስ ከም ዝግባእ ገሊጸን።
ጣሊባን ካብታ ሃገር ክወጽእ ንዝደልይ ዘበለ ኩሉ ከፍቅድ፡ ጽርግያታት፡ መዓርፎ ነፈርትታትን ዶባትን ክፉት ክገብር'ውን ጸዊዐን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







