ዕጡቓት ጣሊባን ብኸመይ ኣብ ሓጺር እዋን ሰፊሕ ከባቢታት ክቆጻጸሩ ክኢሎም?

ዕጡቕ ጣሊባን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ጣሊባን 60 ሽሕ ዕጡቓት ከም ዘለውዎ ይግመት

ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰፊሕ ከባቢታት ዝተቖጻጸሩሉ ቅልጣፈ ንብዙሓት አገሪሙ እዩ።

ጸወታ ገበጣ ብዝመስል ፍጥነት ብርክት ዝበላ ርእሰ ከተማታት ዝተፈላለያ ግዝኣታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን ኣትየን ኣለዋ።

ሕጂ እቲ ሓይሊ ሚዛን ናብቶም ዕጡቓት ከም ዘዘምበለ ርግጽ ኮይኑ፤ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ድማ ስልጣኑ ከውሕስ ይቃለስ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን ካብ ድሕነት ኣመሪካ ሰሊኹ ዝወጽአ ሓደ ሰነድ፡ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ዝኾነት ካቡል ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ክትከውን ከም እትኽእልን መንግስቲ እውን ኣብ ውሽጢ 90 መዓልቲታት ክፈርስ ከም ዝኽእልን የመልክት፡፡

እዚ ኹሉ ብኸመይ ኣብ ሓጺር እዋን ክለዋወጥ ክኢሉ?

ንዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ኣመሪካን መሻርኽታ ኔቶን ዓባይ ብሪጣንያ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ምስልጣንን ምዕጣቕን እዮም ኣሕሊፎምዎ።

ብዙሓት ጀነራላት ኣመሪካን ብሪጣንያን ሓያልን ብቑዕን ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ፈጢርና ኣለና ኢሎም ክምክሑ ጸኒሖም።

ሕጂ ግን እዚ ኹሉ ማይ ዝዓኾተ ይመስል።

ጥንካረ ዕጡቓት ጣሊባን

ከምቲ የመሓድሮ እየ ዝብሎ ብዝሒ ሰራዊት ብደረጃ ክልሰ ሓሳብ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣብቲ ኲናት ጸብለል ክብል ይግበኦ ነይሩ፡፡

ብውሑድ ኣብ ወረቐት ዝተመዝገቡ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን 300 ሽሕ ይኾኑ።

እዚ ቁጽሪ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን፣ ሓይሊ ኣየርን ፖሊስን ዘጠቓለለ እዩ፡፡

እቲ ሓቂ ግና ወትሩ እታ ሃገር ዘድልያ ብዝሒ ሰራዊት ንምምልማል ምስ ተጸገመት እያ፡፡

ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ሓያሎ ታሪኽ ግዳያት፣ ጥልመትን ብልሽውናን ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ሓያሎ ታሪኽ ግዳያት፣ ጥልመትን ብልሽውናን ኣለዎ

ሰራዊትን ፖሊስን ኣፍጋኒስታን ብዙሕ መጉዳእቲ ብምትእንጋድ፣ ብክድዓትን ብልሽውናን ጽቡቕ ዘይኮነ ሽም ኣለዎም።

ገለ ኣስሓኮ ዘይብሎም ኣዘዝቲ ከኣ ኣብ ወረቐት እምበር ብኣካል ናይ ዘየለዉ ወታሃደራት ሽም እናጸሓፉ ንባዕሎም መሃያ ከም ዝወስዱ ይግለጽ፡፡

ንኣፍጋኒስታን ዝቖመ ፍሉይ ተቖጻጻሪ ኣካል (SIGAR) ኣብ ቀረባ እዋን ንኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሳዕቤናት ብልሽውናን ንጥንካረ ሓይልታት እታ ሃገር ኣመልኪቶም ዝወጽኡ ጸብጻባትን ስክፍታታት ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ፡፡

ኣብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት ዝሰርሕ ጃክ ዋትሊንግ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን እውን እንተኾነ ክንደይ ዝኣክል ኣባላት ከም ዘለዎ ርግጸኛ ኮይኑ ኣይፈልጥን ይብል፡፡

ብተወሳኺ ኣጽዋርን ሞራልን ኣብ ምቃዕብ ጸገም ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ብዙሕ ግዜ ወተሃደራት ናይ ቤተሰብ ወይ ዓሌት ምትእስሳር ናብ ዘይብሉ ከባቢ ይለኣኹ፤ እዚ ድማ ገሊኦም ኣብ ሓንቲ ኲናት እኳ ከይተሳተፉ ስርሖም ክገድፉ ካብ ዝገብሩ ምኽንያታት ሓደ ክኸውን ይኽእል፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ጥንካረ ጣሊባን ንምምዛን እውን ይኸብድ እዩ፡፡

ካብ ማእከል ምክልኻል ግብረ ሽበራ ኣመሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ጣሊባን ኣስታት 60 ሽሕ ዝሰልጠኑ ተዋጋእቲ ኣለዉዎ፡፡

ካልኦት ሚልሻታትን ደገፍትን ተደሚሩ ግን ዘለዎ ሓይሊ ካብ 200 ሽሕ ክዛይድ ይኽእል፡፡

ወታሃደራዊ መኮነን ሰራዊት ብሪጣንያ ዝነበረን ‘ኢንቲሜት ዋር’ ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፈን ዶክተር ማይክ ማርቲን ጣሊባን ከም ሓደ ዓይነት ጉጅለ ጌርካ ምውሳድ ሓደገኛ ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡

ንሱ፡ ጣሊባን ዳርጋ ናይ ዝተፈላለዩ ዓርሶም ዝኸኣሉ ግን ድማ ጊዝያዊ ምሕዝነት ዘለዎም ጉጅለታት ጥምረት እዩ ይብል፡፡

ብ10 ነሓሰ 2021 ዝተወስደ ምስሊ ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ተመዛበልቲ

ኣጽዋር ኲናት ናይ ምርካብ ዕድል

መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ ብዝረኽቦ ድጎማን ኣጽዋርን ሕዚ እውን ላዕለዋይ ኢድ ክሕዝ ይግበኦ ነይሩ፡፡

ንወተሃደራቱ ዝኽፈል ደሞዝ ብቢልዮን ዶላር ዝቑጸር ገንዘብን ኣጽዋር ኲናትን ብፍሉይ ካብ ኣመሪካ ተቐቢሉ እዩ፡፡

እቲ ፍሉይ ተቖጻጻሪ ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ድሕነት ኣፍጋኒስታን ንምህናጽ 88 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ተገይሩ እዩ ኢሉ፡፡

‘‘እቲ ገንዘብ ብትኽክል ኣብ መዓልኡ ውዒሉ እንተኾይኑ ብውጽኢት ናይቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝምለስ እዩ’’ ብምባል ይውስኽ፡፡

ሓይሊ ኣየር ኣፍጋኒስታን እውን እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ውጽኢት ከመዝግብ ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብቶም ኣብ ቀረባ ዝተኻየዱ ውግኣት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ክወፍር ግድን ኮይኑ እዩ፤ እንተኾነ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ክሳብ መዓዝ ከም ዝሳተፍ ኣይተፈለጠን፡፡

ፍልፍል ቁጠባ ጣሊባን ኣብቲ ካብ ንግዲ ዕጸ ፋርስ ዝርከቡዎ ኣታዊ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከም ፓኪስታን ካብ ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ሓገዝ ይረኽቡ እዮም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ዕጡቓት ጣሊባን ካብ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን እናማረኹ ብዙሓት ኣጽዋራት ኲናት ተዓጢቖም እዮም፡፡

ፍሉይ ሓይሊ ኣፍጋኒስታን ብቑጽሪ ውሑዳት እዮም፤ ኣስታት 10 ሽሕ ኮይኖም ክንሶም ብኹሉ ኣንፈት ተወጢሮም ኣለዉ፡፡

ዕጡቓት ጣሊባን ድማ ነቲ ናይ ፕሮፖጋንዳን ተረኽን ኲናት ክዕወቱሉ ይረኣዩ ኣለዉ፡፡ ዘርእይዎ ዘለዉ ብቕዓት ድማ ሞራል ይህቦምን ስምዒት ስምረት ይፈጥረሎምን ኣሎ፡፡

ብኣንጻሩ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነንርእሱ ይናቖትን ጀነራላት ይሰጉግን ኣሎ፡፡

መወዳእትኡ እንታይ እዩ?

እቲ ኩነታት ንመስንግስቲ ኣፍጋኒስታን ተስፋ ዘቑርጽ እዩ ዝመስል፡፡

ጃክ ዋትሊንግ ግና፡ እቲ ኲናት ንሰራዊት ኣፍጋኒስታን ተስፋ ዘይህብ'ኳ እንተኾነ "እቲ ኩነታት ግን ብፖለቲካ ምድሓን ይከኣል እዩ’’ ይብል፡፡

ንሱ፡ መንግስቲ ንመራሕቲ ዓሌታት ከእምን እንተኽኢሉ ሐዚ እውን ነቲ ኩነታት ክጻወር ይኽእል እዩ ይብል፡፡

ውዒሉ ሓዲሩ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ተመሊሱ ንዕጡቓት ጣሊባን ዝደፍኣሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ፡፡

ሐዚ ግና ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላም፣ ድሕነትን ምርግጋእን ንምፍጣር ዝገበሩዎ ጻዕሪ፡ ከምቲ ቅድሚኦም ሩስያውያን ዝደኸምዎ ብላሽ ተሪፉ እዩ፡፡