ሓይልታት ጣሊባን ንካልአይቲ ዓባይ ከተማ ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሮም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ወሃቢ ቃል ምክልኻል ሃገር ኣፍጋኒስታን ግን፡ ሓይልታት መንግስቲ ሕዚ’ውን ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ከምዝርከቡን ኣብ ቀረባ ‘ከምዝድምስዎምን’ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቶም ዕጡቓት፡ ዛራናጂ ዝተብሃለት ናይ ካልእ ግዝኣት ርእሰ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተቖጻጸሩ ኾይኖም፡ ርእሰ ከተማ ሓደ ክልል ኣብ ቁጽጽሮም ከውዕሉ ንካልኣይ ግዜኦም እዩ።
ኣብታ ሃገር ውግእ ይቕጽል ዘሎ ኾይኑ፡ እዚ ናይ ሕዚ ግስጋሰ ናይቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ንመንግስቲ ዓቢይ ጽፍዒት እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ሰሜንን [ኩንዱዝ] ኣብ ደቡብን [ጋሕ] ኣብ ገለ ከባብታት ድማ ሓያል ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓይልታት ጣሊባን ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ስዒቡ፡ ሰፋሕቲ ገጠራት እታ ሃገር ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮም’ዮም።
ሐዚ ድማ ዓበይቲ ከተማታት ንምቁጽጻር ዓሊሞም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ተባሂሉ።
እታ ሕዚ ኣብ ቁጽጽሮም ኣውዒሎምዋ ዘለዉ ርእሰ ከተማ ናይ ሓንቲ ክልል [ሸበርጋን] ምክትል ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን፡ ዓብዱል ራሺኡድ ዶስቱም ዝተወለደላ ከተማ ኮይና፡ ደገፍቱ ኣዝዮም ተዋጊኦም ተባሂሉ።
ሓይልታት ጣሊባን መጀመርታ ናይቲ ኣመሓዳሪ መንበሪ ገዛ እዮም ተቖጻጺሮም ነይሮም፡ እንተኾነ፡ ሓይልታት መንግስቲ መሊሶም ተቐጻጻጺሮምዎ ተባሂሉ።
እንተኾነ፡ ሓላፊ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ፡ሕዚ እቶም ዕጡቓት መላእ እታ ከተማ ተቖጻጺሮምዋ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ። ኣብ ገለ ወተሃደራዊ መዓስክራት ድማ፡ ሕዚ’ውን ሓያል ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ምክልኻል እታ ሃገር፡ ፋዋድ ኣማን ግን፡ ኣብዝሓ ከባባታት እታ ከተማ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ምዃኑ ንቢቢሲ ኒውስኣዎር ተዛሪቡ።
‘ነታ ከተማ ካብቶም ሓይልታት ራዕዲ ነጻ ክንገብራ ኢና” ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ገለ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ኢዶም ዝወደቐ፡ ሞት ሰላማውያን ሰባት ንምንካይ ሓይልታት መንግስቲ ስለዘንሳሓቡ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ገለ ምንጭታት ካብቲ ምክልኻል እታ ሃገር ከምዝብልዎ፡ቢ-52 ተባሂለን ዝፍለጣ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጣሊባን መጥቃዕቲ ፈጺመን።
ሓደ፡ ሓይልታት ጣሊባን ኣብታ ከተማ ካብ ዝተቖጻጸርዎ ፡ ቤት ማእሰርቲ ክኸውን እንከሎ፡ ገለ እሱራት ነጻ እንተውጽእዎም ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ተራእዩ።
ሓይልታት መንግስቲ፡ ብዙሓት ሓልታት ጣሊባን ምስ መራሕቶም ከምዝተቐትሉ ይገልጹ።
ጣላቢን ነዚ ጸብጻብ፡ ሓሶት እዩ ክብል ይነጽጎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር [ካቡል] ድማ፡ ንወሃቢ ቃል ነበር፡ ፕረዚደነት ኣሽራፊ ጋኒ፡ ኣጥቂዖም ቀቲሎምዎ።
ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ነቲ ተጠባባቒ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር’ውን ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ዕጡቓት ጣሊባን ገለ ኣዋሰንቲ ዶባት ውን ዝተቖጻጸሩ ኾይኖም፡ ብፍላይ ምስ ፓኪስታን ዘራኽብ ዶብ ዓጽዮምዎ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ሓደ ነባሪ ካንዳሃር ፡ “ናብ ፓኪስታን ንቐብሪ ኢና ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ መጺእና። ሕዚ ግን እቲ ዶብ ዕጽው እዩ። ኣብዚ ተቐሚጥና ኣላና። ገንዘብ ኮነ እንበልዖ መግቢ የብልናን” ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ኣመሪካን እንግሊዝን ዜጋታቶም ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጽኡ ኣጠንቂቐን ኣለዋ።
ወታሃደራት ኣመሪካ ድሕሪ 20 ዓመት ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጸኦም ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ብናህሪ ንብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ምቁጽጻር ይርከቡ።
ግስጋሰ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዓለም ለኻዊ ጸጥታ ‘‘ዕንወት’’ ከውርድ ከምዝኽእል ድማ ሓደ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ገሊጹ፡፡
ሓይልታት መንግስቲ ግስጋሰ ጣሊባን ንምዕጋት ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ ኣብዚ እዋን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሽራፍ ጋኒ፡ ምኽንያት ምውሳኽ እቲ ኲናት፡ ሃንደበታዊ ምስሓብ ወታሃደራት ኣመሪካ እዩ ክብል ነቒፉ።
ንሱ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ ነቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታትና ምኽንያቱ፡ እቲ ውሳነ ሃንደበታዊ ምዃኑ እዩ’’ ኢሉ፡፡
ምስሓብ እቲ ሰራዊት ‘‘ሳዕቤን’’ ከምዘለዎ ንመንግስቲ ኣመሪካ ገሊጹ ምንባሩ እውን ፕረዚደንት ጋኒ ተዛሪቡ።
ኣመሪካ ዋላ‘ኳ ዳርጋ ኩሎም ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን እንተውጸአት፡ ንመንግስቲ ብምሕጋዝ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣየር ተካይድ እያ ዘላ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጎንጺ እንዳወሰኸ ብምኻዱ፡ ምስ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተወሰኽቲ ኣፍጋናውያን ናብ ኣመሪካ ከምዝግዕዙ ገሊጹ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







