ዕጡቓት ጣሊባን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ናይ ከተማ ውግእ ቀጺሉ

ኣፍጋኒስታን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ጣሊባንን፡ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣሎ፤ እታ ከተማ ድማ ኣብ ኢድ ጣሊባን ዝኣተወት ፈላሚት ዋና ከተማ ሓደ ግዝኣት ከይትኸውን ተሰጊኡ ኣሎ፡፡

ዋላ‘ኳ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካን ኣፍጋኒስታንን ቀጻሊ ደብዳብ የካይዳ እንተሃለዋ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ግና ኣብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ሄልማንድ ዝኾነት ላሽካር ጋህ ከቢድ መጥቃዕቲ የካይዱ ኣለዉ፡፡

እቶም ዕጡቓት ንሓደ ጣብያ ቴሌቪዥን ከምዝተቖጻጸሩ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ገጠራት ዝሃደሙ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ህንጻታት ተዓቒቦም ኣለዉ፡፡

ካብታ ከተማ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሓደ ዶክተር ‘‘ ብኹሉ ኣንፈት ኲናት ኣሎ’’ ኢሉ፡፡

መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነቶም ዕጡቓት ንምውጋእ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓይልታት ኣዋፊሩ ኣሎ።

ወታሃደራት ኣመሪካ ድሕሪ 20 ዓመት ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጸኦም ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ብፍጥነት ንብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ምቁጽጻር ይርከቡ፡፡

ቀንዲ መዋፈሪ ማእከል ሓይልታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝነበረት ግዝኣት ሄልማድ ኣብ ቁጽጽር እቶም ዕጡቓት እንተወዲቓ፡ ንመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዓብዪ ኪሳራ እዩ፡፡

ከተማ ላሽካር ጋህ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን እንተኣትያ ድማ ድሕሪ 2016 ኣብ ቁጽጽር እቶም ዕጡቓት ዝኣተወት ፈላመይቲ ርእሰ ከተማ ሓደ ግዝኣት ክትከውን እያ፡፡ እታ ከተማ ካብተን መጥቃዕቲ ተኸፊቱወን ዘሎ ርእሰ ከተማታት ሰለስተ ግዝኣታት ሓንቲ እያ፡፡

ግስጋሰ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዓለም ለኻዊ ጸጥታ ‘‘ዕንወት’’ ከውርድ ከምዝኽእል ድማ ሓደ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ገሊጹ፡፡

ኣብ ግዝኣት ሄልማድ ዝርከባ 11 ጣብያታት ሬድዮን ቴሌቪዝንን ብምኽንያት ‘‘መጥቃዕትን ምፍርራሕን’’ ጣሊባን ኣገልግሎት ደው ከምዘበላ፡ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ኣፍጋኒስታን ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ፡፡

ዕቓት ጣሊባን ካልኣይቲ ዓባይ ከተማ ኣፍጋኒስታን፡ ካንዳሃር፡ ንምቁጽጻር ዝጀመርዎ መጥቃዕቲ እውን ቀጺሎም ኣለዉ፡፡ ነታ ከተማ እንተሒዞምዋ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር ዘኽእሎም ወሳናይ ዓወት ክኸውን እዩ፡፡

ኣብታ በቶም ጡዕቓት ተኸቢባ ዘላ ምዕራባዊት ከተማ ሄራት እውን፡ ኣብ መንጎ ኮማንዶታት መንግስትን ዕጡቓትን ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ውግእ ሓይልታት መንግስቲ ተታሒዙ ንዝነበረ ገለ ካባቢ ዘምለሱ ኮይኖም፡ በዚ ዝተሓጎሱ ነበርቲ ድጋፎም እንትገልጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ተራእዮም፡፡

ሓይልታት መንግስቲ ግስጋሰ ጣሊባን ንምዕጋት ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ ኣብዚ እዋን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሽራፍ ጋኒ፡ ምኽንያት ምውሳኽ እቲ ኲናት፡ ሃንደበታዊ ምስሓብ ወታሃደራት ኣመሪካ እዩ ክብል ወቒሱ፡፡

ንሱ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ ነቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታትና ምኽንያቱ፡ እቲ ውሳነ ሃንደበታዊ ምዃኑ እዩ’’ ኢሉ፡፡

ምስሓብ እቲ ሰራዊት ‘‘ሳዕቤን’’ ከምዘለዎ ንመንግስቲ ኣመሪካ ገሊጹ ምንባሩ እውን ፕረዚደንት ጋኒ ተዛሪቡ፡፡

ኣመሪካ ዋላ‘ኳ ዳርጋ ኩሎም ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን እንተውጸአት፡ ንመንግስቲ ብምሕጋዝ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣየር ተካይድ እያ ዘላ፡፡

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጎንጺ እናወሰኸ ብምኻዱ፡ ምስ ወታሃደራት ኣመሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተወሰኽቲ ኣፍጋናውያን ናብ ኣመሪካ ከምዝግዕዙ ገሊጹ፡፡

ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ዝቖጻጸሩዋ ኣብ ጥቓ ፓኪስታን እትርከብ ከተማ ‘‘ሰላማውያን ብምጭፍጫፍ’’ ገበን ኲናት ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣመሪካን ብሪጣንያን ይኸሳ፡፡

ኣነቶኒ ብሊንከን እውን ‘‘ኣዝዮም ዝርብሹን ተቐባልነት ዘይብሎምን ጸብጻባት’’ እቶም ብጣሊባን ተፈጺሞም ዝተባህሉ ግፍዒታት ከምዝበጸሖም ገሊጹ፡፡

ካብ ከተማ ስፒን ቦልዳክ ዝወጹ ቪድዮታት፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ቅትለታት ከምዝተፈጸሙ ዘመላኽቱ እዮም፡፡

ጣሊባን ግና ነቶም ክሲታት ነጺግም ኣሎ፡፡