እስራኤል፡ ነዳዲ እተመላልስ መርከብ ኣጥቂዓ ክትብል ንኢራን ከሲሳ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እስራኤል፡ ኢራን ነዳዲ ኣብ እተመላልስ መርከብ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ዝኸሰሰት ኮይና ብሰንኪ እቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ድማ ክልተ ኢንግሊዝያውያንን ሓደ ሮማንያውን ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
ኣብ ለንደን ብዝመደበሩ ዞድያክ ማሪታይም እትምራሕ እታ መርከብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦማን እንዳተንቀሳቐሰት እንከላ ነይሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ።
በዓል ዋና ናይቲ ትካል እስራኤላዊ ኦይል ኦፈር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል መርከብ ኮይኑ እቲ ኣብታ መርከብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ይምርምሮ ከምዘሎ’ኳ ኣፍሊጡ እንተነበረ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ግን እቲ መጥቃዕቲ ኢራን’ያ ፈጺማቶ ክብል ከሲሱ’ሎ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ያይር ላፒድ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ራዕዳዊ ተግባር ኢራን’ዩ” ኢልዎ። ኣስዒቡ’ውን “ኢራን ናይ እስራኤል ጸገም ጥራይ ስለዘይኮነት ዓለም ሱቕ ኢሉ ክርእያ የብሉን” ኢሉ።
ብዛዕባ ኣብታ መርከብ ዘጋጠመ ዝርዝር ሓበሬታ ዛጊድ ኣይወጸአን’ሎ። ኢራን’ውን እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ብእስራኤል ዝቐረበላ ክሲ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ምላሽ የለን።
እዚ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ምትፍናን ከጋድዶ ከምዝኽእል ይስጋእ። እቲ መጥቃዕቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ[ድሮን] ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ሓበሬታታት ይወጽኡ ኣለዉ።
ወሃቢ ቃል ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ቅልጡፍ ምርመራ ንገብር ኣለና። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ መቕርቦም ንዝስኣኑ ሰባት ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ’ሎ።
ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕግታት መርከባት ብናጽነት ናይ ምንቅስቓስ መሰለን ክሕሎ ከምዘለዎ’ውን ተገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ናይታ መርከብ ትካል ዞድያክ ማሪታይም ካብቶም ዝተቐተሉ ሰለስተ ሰባት ወጻኢ ካልእ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለን እታ መርከብ ጉዕዝኣ ከምዝቐጸለትን በቲ ተታሒዙላ ዘሎ ግዜ ሰደቓ መሰረት ናብ ኣመሪካ ከምእትበጽሕ ኣፍሊጡ።
ብወግዒ “ኵናት” ተባሂሉ ዘይተጸውዐ ሓዞ ትሰዶ እስራኤልን ኢራንን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተጋደደ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብእስራኤል ኮነ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዝውነና መራኽብ መጥቃዕትታት ክፍጸም’ኳ እንተጸነሐ፡ ክልትኤን ሃገራት ነንርእሰን ካብ ምክሳስ ሓሊፈን ነቲ ዝቐርበለን ክስታት ኣይተቐበልኦን።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል እቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት ሃገራት ክንወስዶ ኢና ክብል ተሓንዩ’ሎ። ሓደ ኣብ ኢራን ዝመደበሩ ቴሌቭዥን ምንጪ ሓበሬትኡ እንከይጠቐሰ ኣብ ዝፈነዎ ዜና፡ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነቲ እስራኤል ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሶርያ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ከምዝኾነ ኣቃሊሑ’ሎ።
ሓደ ሽሙ ዘይተጠቐሰ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን እስራኤል ነዚ መጥቃዕቲ ብቐሊሉ ከምዘይትሓልፎ ተዛሪቡ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ “በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሻቒልና ኢና፤ ብቐረባ ንከታተሎ ድማ ኣለና” ኢሉ።
እታ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፡ ኣብ ህንዲ-ውቅያኖስ ብመገዲ ታንዛንያ ዳሬሰላም ኣቢላ ናብ ዓረብ ኢማሬት ትጉዓዝ ከምዝነበረት ተፈሊጡ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







