ኤርትራ ምስ ሩስያ ወታሃደራዊ መዓስከር ናይ ምህናጽ ስምምዕ ከምዘይገበረት ኣፍሊጣ

ኣጽዋር ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ዘኽእል ናይ ውዕል መብጽዓ ከምዘይኣተወት፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ብትዊተር ገሊጹ።

ንሱ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሓደ ፍሉጥ ናይ ጀርመን ጋዜጣ ዝወጸ ጸብጻብ ግብረመልሲ ኣብ ዝሃበሉ’ዩ፡ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

“እቲ ግምታዊ ጸብጻብ፡ ቅሉዕ ሓሶትን መቐጸልታ ናይቲ ሕቡእን ዘሰልቹን ናይ ምጽላም ወፍሪ’ዩ” ክብል ነጺጉዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቢልድ ዝተባህለ ጋዜጣ ጀርመን፡ ብዛዕባ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ተማዕብሎ ዘላ ወተሃደራዊ ህላወ ዝትንትን ጽሑፍ ሒዙ ወጺኡ ነይሩ።

እቲ፡ ንሓደ ምስጢራዊ ሰነድ መንግስቲ ጀርመን ብምጥቃስ ዝሰፈረ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ 6 ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ መዓስከራት ክትሃንጽ መደብ ከምዘለዋን፡ ካብተን ሃገራት ናይ ውዕል መብጽዓ ከምዝተኣትወላን ዝሕብር’ዩ።

እተን ዝተጠቕሳ 6 ሃገራት፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክን ሱዳንን እየን።

ዝምድና ኤርትራ ምስ ሩስያ ካብ 1993 ጀሚሩ እናማዕበለ ክኸይድ ዝጸንሐ’ዩ። ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክበጻጽሑ ምርኣይ’ውን ልሙድ’ዩ።

ኣብ መስከረም 2018፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ኣብ ከተማ ሶቺ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን፡ ሩስያ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ “ሎጀስቲካዊ ማእከል” ክትከፍት መደብ ከምዘለዋ ላቭሮቭ ተዛሪቡ ከምዝነበረ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ሓቢሩ ነይሩ።

“ንክልተኣዊ ንግዲ ንምምዕባል ኣበርክቶ ዝገብር፡ ሓደ ናይ ሎጂስቲክስ ማእከል ኣብ ሓደ ካብ ወደባት ኤርትራ ንምትካል መስርሕ ዘተ ይካይድ ኣሎ” ክብል ላቭሮቭ ከምዝተዛረበ፡ ኣር-ኣይ-ኤ ጠቒሱ።

“ልኡኽ ኤርትራ ብወገኑ፡ ምድልዳል ምስ ሩስያ ዘሎ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንኤርትራ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሓድሽ ፖለቲካውን ጸጥታውን ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድናታት ሩስያ ምስ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሃገራት’ቲ ዞባ ብሓፈሻ ንምድንፋዕ ትስፉውን ምቹእን ባይታ ዝፈጥር ምዃኑ ገሊጹ” ክብል መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሽዑ ጸብጺበን ነይረን።

ኤርትራ ዛጊት፡ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወታሃደራዊ መዓስከር ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ኣአንጊዳ ትርከብ።

ግብጺ’ውን ኣብታ ሃገር ናይ ሓይሊ ባሕሪ መዓስከር ክትሃንጽ ውጥን ከምዘለዋ’ኳ ክግለጽ እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ሓሶት’ዩ ብምባል ክነጽጎ’ዩ ጸኒሑ።

ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ ልዕሊ 29 ዓመታት፡ ፈለማ ናይ እስራኤል ደሓር ከኣ ናይ ኢራን ወታሃደራዊ መዓስከራት ከምዘአንገደት ክግለጽ’ኳ እንተጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጻሊ ክነጽጎ ዝጸንሐን፡ ኣብ ባይታውን ዘይተራእየ እዩ።

ኣብቲ ዞባ፡ ብፍላይ ኣብ ጂቡቲ ናይ ዝተፈላለያ ከምበዓል ኣመሪካን ፈረንሳን ዝበላ ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ከም ብዓል ቻይና ዝበላ ምብራቓውያን ሃገራትን ወታሃደራዊ መዓስከራት ከምዘሎ ይፍለጥ።

ወደባዊት ከተማ ባጽዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወታሃደራዊ ርክብ ሩስያን ኣፍሪቃን

ብመሰረት ጋዜጣ ቢልድ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ ሩስያ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጥሙሕ ንምርዋይ ምስ “ምልካዊ ስርዓታት” እታ ኣህጉር ከይተረፈ ጸጥታዊ ምትሕግጋዛት ትገብር ኣላ።

ነዚ ንምግባር፡ ብዘይካ ወታሃደራታ ብቐጥታ ምውፋር፡ ብሕታውያን ትካላት ጸጥታ’ውን ትጥቀም’ያ ተባሂላ ክትክሰስ ጸኒሓ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ዝለሓዄ ሓደ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጉጅለ ዋገነር (Wagner Group) ዝተባህለ ሩስያዊ ናይ ጸጥታ ትካል፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕሱባት ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሊብያ የሳትፍ ከምዘሎ ጠቒሱ ነይሩ።

እቶም ዕጡቓት ዕሱባት፡ ነቶም ብጀነራል ካሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ምብራውያን ሓይልታት ዝድግፉ ምዃኖም ይግለጽ።

እታ ወታሃደራዊ ኣጽዋራት ብምሻጥ እትፍለጥ ሩስያ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 16 ሚእታዊት ካብ ዝሸጠቶ ኣጽዋር ናብ ኣፍሪቃ (ንግብጺ ከይሓወሰ) ከምዝኸደ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣስታት 80 ሚእታዊ ናይቲ ንኣፍሪቃ ዝተሸጠ ኣጽዋር ድማ፡ ኣልጀርያ ዝዓደገቶ ምዃኑ ሓደ ስዊድናዊ ናይ መጽናዕቲ ትካል ይጠቅስ።

ኣብ 2015፡ ሩስያ ምስ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ምፍራማ ይፍለጥ።

ካብ 2017 ክሳብ 2018 ድማ፡ ምስ ኣንጎላ፡ ናይጀርያ፡ ሱዳን፡ ማሊ፡ ቡርኲናፋሶ፡ ኢኳቶሪያል ጒኒን

ናይ ኣጽዋር መሸጣ ስምምዕ ፈሪማ።

ገለ ካብቶም ናብ ኣፍሪቃ ዝስደዱ ኣጽዋራት፡ ናይ ወግእ ነፈርቲ፡ ናይ ወግእን መጓዓዝያን ሄለኮፕተራት፡ ናይ ነፈርቲ ሞተረታትን፡ ጸረ-ታንክ ሚሳይላትን ይርከብዎም።

ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት፡ ሩስያ እትርከቦ ሕብረትሶቬት ነበር፡ ምስ ሓያሎ መንግስታት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዛት ትገብር ምንባራ ይዝከር። ናይ ኢትዮጵያ ስርዓት ደርግን፡ ቅድሚኡ’ውን ስርዓት ሰያድ ባረህ ናይ ሶማልያን ካብቶእ ሰፊሕ ወታሃደራዊ ደገፋት ዝረኸቡ ስርዓታት ኣፍሪቃ’ዮም