ግብጺ ኣብ ኤርትራ መዓስከር ንምህናጽ ትቀራረብ ኣላ ንዝብል ጸብጻብ ኤረትራ ነጺጋቶ

መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ቻይናን ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣለወን

ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ከተአንግድ ትቀራረብ ኣላ ዝብል ክሲ "መሰረት ዘይብሉ'ዩ" ክትብል ኤርትራ ነጺጋቶ።

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ብሓደ ኣራብ ዊክሊ ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ዝወጸኣ ጸብጻብ "ዝተደጋገመ ዘሰልቹ ናይ ሓሶት ሓበሬታ'ዩ" ኢሉዎ።

እቲ ብሓደ ሳባሓት ክሃን ዝተባህለ ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ፡ ግብጺ ኣብታ ካብ ደሴታት ዳህላክ ሓንቲ ዝኾነ ኖራ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ምስ ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ቀሪባ ከምዘላ'ዩ ዝሕብር።

ይኹን እምበር፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ንተመሳሳሊ ክስታት ክነጽግዎ'ዮም ጸኒሖም።