ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ኣባላቱ ብዙሓት ኣንስቲ ከይምርዓው ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊ ጣሊባን ሚስተር ሙላህ "ካብ ጸላእትና ከቢድ ወቐሳ ይወርደና ኣሎ" ብምባል ኩሎም መራሕቲ ሰራዊት ጣሊባን ከቢድ ገዝሚ ካብ ዝሓትት ክልተ ሰለስተ ኣንስቲ ምምርዓው ንክቑጠቡ ጻውዒት ኣመሓላለሊፉ።
ኣብ እምነት ምስልምና፡ ኣወዳት ክሳብ ኣርባዕተ ኣንስቲ ክምርዓው ሕጋዊ ፍቓድ ኣለዎም። ስለዝኾነ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ከኣ ልሙድ እዩ ጸኒሑ።
እቶም ብዙሓት ኣንስቲ ክምርዓው ዝደልዩ መራሕቲ ሰራዊት ንገዝሚ ዝኸውን ገንዘብ ክእክቡ ክብሉ ኣብ ዘይግባእ ብልሽውና ክኣትው ስለዝኽእሉ ነቲ ሽግር እቲ ንምቅላል እቲ ኣዋጅ ከምዝተመሓላለፈ ቢቢሲ ካብ ምንጭታት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን እቲ መርዓ መታን ክጸንዕ ተባሂሉ፡ ከም ገዝሚ ንስድራ ጓል ርብሕ ዝበለ ገንዘብ እዩ ዝወሃብ።
ኣብዚ እዋን እዚ መራሕቲ ጣሊባን ንመጻኢ ኩነታት እታ ሃገር ብዝምልከት ምስ ፖለቲካውያን መራሕቲ እታ ሃገር ቀጻሊ ዝርርብ የካይዱ ኣለው።
ኣባላት ጣሊባን ንገዝሚ ዝኾኖም ገንዘብ ክእክቡ ኣብ ዝተፈላለየ ብልሽውና ይሳተፉ ኣለው ዝብል ክሲ ስለዝበዝሐ እዮም መራሕቲ ጣሊባን ነቲ ክልተ ሰለስተ ኣንስቲ ምምርዓው ዝብል ነገር ብኣዋጅ ከልኪሎምዎ ዘለው።
እቲ ፌርማ መራሒ ጣሊባን ሙላህ ሂባቱላህ ዘለዎ ክልተ ገጽ ኣዋጅ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓው ኣይክልክልን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu
ይኹን እምበር፡ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ሰራዊት ንገዝሚ ዝኸውን ገንዘብ ክኣኻኽቡ ኣብ ብልሽውና ይሳተፉ ምህላዎም ዝሕብር ወቐሳ ስለዝበዝሐ ሙላህ ሂቡላህ ሓደ ሰብ ንሓንቲ ሰበይቲ ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
እቲ ኣዋጅ "እቶም ሓለፍቲ ሰራዊት ኣብ ሓንቲ ሰበይቲ እንተደኣ ጸኒዖም፡ ንገዝሚ ካልኦት ኣንስቲ ዝኸውን ገንዘብ ክእክቡ ኣብ ብልሽውና ንኸይቆማጥዑ ሓገዝ እዩ" ዝብል መልእኽቲ ይርከቦ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ኣዋጅ፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ክምርዓው ከምዝኽእሉ ዘፍቅድ ጽሑፍ እውን ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ውላድ ዘይብሎም፡ ወይ ወዲ ዘይወለዱን ሰብኣያ ንዝሞታ ዘእተውን ከምኡ እውን እኹል ሃብቲ ዘለዎም ሰባት ብዙሓት ኣንስቲ ንክምርዓው እቲ ኣዋጅ ኣይክልክልን እዩ።
ይኹን እምበር በቲ ረቛሒ ዝጽለው ወይ ነቲ ረቛሒ ዘማልኡ ሰባት ካልእ ክምርዓው ምስ ዝደልዩ ኣቐዲሞም ምስ ሓላፊኦም ክረዳድኡን ፍቓድ ክረኽቡ ከምዘለዎምን እቲ ኣዋጅ ይእዝዝ።
እቲ ኣዋጅ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ንዝርከቡ ሓለፍቲ ጣሊባን ከምዝበጽሖም ቢቢሲ ሓበሬታ ረኺቡ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







