መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነቶም ናይ መወዳእታ 400 እሱራት ጣሊባን ክፈትሕ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, WAKIL KOHSAR
መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣቋሪጾምዎ ዝጸንሑ ዘተ ሰላም ዳግማይ ንምጅማር መንገዲ የጣጥሕ’ዩ ብምባል መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነቶም ናይ መወዳእታ 400 እሱራት ጣሊባን ክፈትሕ ጀሚሩ።
ትማሊ ሰሉስ 8 ካብቶም 400 እሱራት ብናጻ ፈቲሑ ኣሎ። ካብዞም ዝተፈትሑ እሱራት ኣብ ልዕሊ ኣፍጋናውያንን ወጻእተኛታትን መጥቓዕቲ ፈጺሞም ዝተባህሉ ይርከቡዎም።
እዚ ምፍታሕ እሱራት ነቲ ኣብታ ሃገር ን19 ዓመት ዝቐጸለ ኵናት ደው ከብሎ ትጽቢት ይግበር።
እቶም 400 እሱራት ኩሎም ምስ ተፈትሑ፡ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሞንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ኣብ ቐጠር ዘተ ሰላም ክጅመር ምዃኑ’ዩ ትጽቢት ተገይሩ ዘሎ።
ባይቶ ሃገራዊ ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ብትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ መልእኽቲ “ምፍታሕ እዞም እሱራት ነቲ ቀጥታዊ ዘተ ከቀላጥፎ’ዩ፤ ብደረጃ ሃገር’ውን ምቁራጽ ቶኵሲ ንክኽተም ክሕግዝ እዩ” ኢሉ።
ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ምፍታሕ እዞም እሱራት ክቃወምዎ’ኳ እንተጸንሑ ላዕለዋይ ባይቶ ኣፍጋኒስታን ግን እቶም እሱራት ንኽፍትሑ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣጽዱቑ።
ካብዞም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት ጣሊባን እቶም 44 ዕሉላት ግብረሽበራውያን ኮይኖም ኣሜሪካ’ውን እትደልዮም እያ።
ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋህኒ ንኤኤፍፒ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ምፍታሕ እዞም እሱራት ንዓለም ሓደጋ’ዩ” ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ ብምስዓብ “ሰላም ብድሌት እምብር ብዋጋ እዚ ክኸውን ኣይነበሮን" ኢሉ።
ሰራዊት ጣሊባን፡ ብሓገዝ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ሰራዊት ኣብ 2011 እዮም ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝነበሮም ስልጣን ተኣልዮም።
ሰራዊት ጣሊባን ድሕሪ 2011 ዓቅምታቱ በብቁሩብ እናኣጎልበተ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሓያሎ ቦታ ተቆጻጺሩ ይርከብ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት’ውን ዕጡቓት ጣሊባን ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ውዕል ሰላም ብምኽታም ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ን19 ዓመታት ዝቀጸለ ኵናት ሓድሕድ ደው ንኽብል እጃሞም ከምዘበርክቱ ቃል ኣትዮም ነይሮም።
ቅድም ኢሉ ኣብ ሞንጎ ጣሊባንን ኣሜሪካን ኣብ ዝተገብረ ዘተ፡ ጣሊባን ቅድሚ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘተ ምጅማሮም 5000 እሱራት ጣሊባን ክገፍትሑ ዝጠልብ ይርከቦ።
ካብቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ዕጡቓት ጣሊባን ኣሽሓት ተፈቲሖም 400 ጥራይ እዮም ተሪፎም ነይሮም፤ ካብዞም 400 እቶም 150 ንሞት ተፈሪዶም፡ ፍርዶም ዝጽበዩ ዝነበሩ ምንባሮም ኤኤፍፒ ጠቂሱ።
እዚ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን ዝግብር ዘሎ ምድላዋት ንዘተ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ሰራዊታ ክሳብ ወርሒ ሕዳር ናብ 5000 ከተውርዶ ምዃና ድሕሪ ምሕባራ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







