ዘቤታዊ ዓመጽ፡ 'ሰብኣየይ ንህይወተይ የስግኣኒ'ዩ'

ዛርካ ብመጥባሕቲ ዝተቖረጸ ኣፍንጭኣ ክሕከም ክኢሉ

ምንጪ ስእሊ, BBC

መግለጺ ስእሊ, ዛርካ ብመጥባሕቲ ዝተቖረጸ ኣፍንጭኣ ክሕከም ክኢሉ

ዛርካ፡ ንልዕሊ 10 ሳምንታት ድሕሪ ዘሕለፈቶ መሪር ቓንዛ ጭላንጭል ተስፋ ክትርኢ ጀሚራ ኣላ።

ነቲ ዝተበላሸወ ገጻ ንምሕዋይ ድሕሪ ዝተኻየደ ከቢድ መጥባሕቲ "ሕጉስቲ'የ፤ ኣፍንጫይ ተተኪኡለይ ኣሎ . . . ጽቡቕ'ዩ" ኢላቶም ነቶም ኣፍንጭኣ ዳግም ዝተኸሉላ ሓካይም።

ሕጂ፡ ኣፍንጭኣ ተሰፍዩ እያ ብመስትያት ትርእዮ ዘላ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘቤታዊ ዓመጽ ልሙድ እዩ።

ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ 87 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋን ካብ ኣካላዊ፣ ጾታውን ስነ ልቦናውን መጥቃዕታት ሓዲኦም ይበጽሐን ይብል።

እቲ ዝኸፍአ፡ ብሰብ ሓዳረን ወይ'ውን ደቂ ተባዕትዮ ኣዝማደን ዝበጽሕ ናይ ኣሲድ ወይ'ውን ካራ መጥቃዕቲ እዩ።

ዛርካ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ብበዓል ቤታ ዝበጽሓ ጾታዊ መጥቃዕቲ ካራ ገይሩ ኣፍንጭኣ ምቑራጹ እዩ።

ዛርካ ብመጥባሕቲ ዝተቖረጸ ኣፍንጭኣ ክሕከም ክኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Dr Zalmai Khan Ahmadzai

"በዓል ቤተይ ምስ ኹሉ ሰብ እዩ ዝጥርጥረኒ" ትብል። ካብዚ ብዝብገስ ዳርጋ መዓልታዊ ብዘይወዓለቶ ይሃርማ፤ ጭካነ ዝተመልኦ ማህረምቲ የብጽሓላ።

"ዘይትሓንኪ ሰብ ኢኺ ይብለኒ ነይሩ፤ ኣነ ግን ኩሉ ዝብሃል ሓቂ ኣይኮነን ይብሎ ነይረ"።

ዛርካ ኣብ ሓዳር 10 ዓመት ክትገብር እንከላ ወዲ 6 ዓመት ቖልዓ ኣፍርዮም'ዮም።

እዛ ጓል 28 ዓመት መንእሰይ ማህረምቲ ሰብኣያ ለሚዳቶ ይኹን ድሓን ኢላ ናብርኣ ክቕጽል እንተኣፍቀደት'ውን ክሳብ ክንድዚ ክጭክን እዩ ኢላ ግን ኣይገመተትን።

"ሎሚ መዓልቲ ኣፍንጫይ ብመስትያት ምስርኣኹዎ፡ ብዙሕ ለውጢ እየ ርእየሉ" ክትብል ድማ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ዶክተር ዛልማኒ፡ እቲ መትባሕቲ ብናጻ እዩ ኣካይዱዎ
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ዛልማኒ፡ እቲ መትባሕቲ ብናጻ እዩ ኣካይዱዎ

ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ ክግበረላ እንከሎ ነብሳ ኣይትፈልጥን ነይራ።

ኣብታ ብኲናት እትዓኑ ዘላ ኣፍጋኒስታን ካብ ዘለው ውሑዳት ክኢላታት መጥባሕቲ ገጽ ሓደ ዝኾነ ዶክተር ዛልማኒ ክሃን ኣህማድዚ፡ ዛራክ ብዘርኣየቶ ምምሕያሽ ከም ዝድነቕ እዩ ዝዛረብ።

"እቲ መጥባሕቲ ብሰላም እዩ ተዛዚሙ። ዝተፈጥረ ረኽሲ ኣይነበረን . . . ቁሩብ ቁጥዐ ነይሩዎ ግን ብዙሕ ጸገም ዘምጽእ ኣይኮነን" ኢሉ።

ንዝሓለፈ 10 ዓመት ዶክተር ዛልማኒ ብሰብኡተን፣ ኣቡአንን ወዲ ተባዕታይ ሓወንን ኣብ ኣካላተን ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ሓኪሙ'ዩ።

ብሕጊ እስላም፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ ምውራድ ፍቑድ'ኳ እንተዘይኮነ እዚ ኣረመናዊ ተግባር ግን ብሰፊሑ እዩ ዝርኣይ።

ነዊሕ ጉዕዞ

ዶክተር ዛልማን ምስ ዛርካ ቅድሚ መጥባሕቲ

ምንጪ ስእሊ, Dr Zalmai Khan Ahmadzai

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ዛልማኒ ንዛርካ ክሕክማ እንከሎ ዋላ ሓደ ክፍሊት ኣይሓተታን

ዛርካ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ከባቢ ካብ ዝነብር ድኻ ስድራ ቤት እያ መጺኣ። ምንባብን ምጽሓፍን ኣይትኽእልን።

እታ ኬርኮት ዝተባህለት ዓዲ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትሕቲ ጣሊባን እያ ዘላ።

ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት እቲ ከባብን እቶም ዕጡቓትን ዝተገብረ ልዝብ ናብ ካቡል መጺኣ ሕክምና ክትረክብ ኣኽኢሉዋ።

ኣብቲ እዋን ዶክተር ዛልማኒ በዓልቲ ቤቱ ብኮሮናቫይረስ ሞይታቶ ተጎዲኡ እዩ ነይሩ።

እዚ ወዲ 49 ዓመት ዶክተር ግን ንበዓልቲ ቤቱ ቀቢሩ ናብ ስራሕ ክምለስ እንከሎ ዛርካ'ውን ኣብኡ በጺሓ ነይራ።

"መጀመርታ ክትመጽኣ እንከላ ዝነበረ ኩነታት ኣዝዩ ሕማቕ'ዩ፤ ኣፍንጭኣ ተጎዲኡ'ዩ ነይሩ"።

ብ15 ሰነ ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽአት ዛርካ ዳርጋ ንሰለስተ ሰሙን ዝተፈላለየ ቫይታሚናት ዘለዎም ከኒናታት ክትወስድ ብምጽናሕ ብ21 ሓምለ መጥባሕቲ ገጽ ተገይሩላ።

ተጠራጣርን ዓመጸኛን

ዛርካ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሓ ዘሰንብድ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ንክነዘንትዎ ፍቓድ ሂባትና እያ።

ዛርካ ኣብ እዋን መጥባሕቲ

ምንጪ ስእሊ, Dr Zalmai Khan Ahmadzai

በዓል ቤታ ብዕድመ መሓዝኣ ከም ዝኾነ ትዛረብ። ናይ ካልኦት ሰባት ጥሪት ብምጉሳይ እቶት ከም ዝረክብ'ውን ገሊጻ።

"ብቖልዓይ ኣኮይ ኣሕጺዩኒ። ኣብቲ ዕድመ ንሱ ብዛዕባ ህይወት ይኹን ሓዳር ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ቖልዓ ክንደይ ዓመት ከም ዝነበርኹ ግን ኣይዝክሮን" ትብል።

ንክትምርዖ ናታ ፍቓድ ዝሓተታ ከም ዘይነበረ'ውን ትዛረብ።

መርዓ ብላውጣ

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት'ያ ኣኮኣ ብላውጣ ሓንቲ ካብ ኣርባዕተ ኣሕዋት በዓል ቤታ ከም ዝተመርዓዋ ፈሊጣ።

"ኣኮይ ገዝሚ ክህብ ስለ ዘይክኣለ፡ ንስድራ እቶም ጓል ዝሃቡዎ [ንናይ ሕጂ በዓል ቤታ] ኣመርዒውኒ" ትብል።

ገለ ስድራቤታት ኣፍጋኒስታን ካብ መርዓዊ ገንዘብ ይቕበሉ'ዮም። ሕጋዊ ኣይኮነን ግን ድማ እቲ ልምዲ ሰፊሕ እዩ።

ድሕሪ መርዓ፡ ዛርካ በዓልቤታ ምኽንያቱ እንተዘይፈለጠት'ውን ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣሕዋቱ መጥቃዕቲ ከብጽሕ ትዕዘቦ ነይራ።

"ውሉፍ ኣይኮነ ጸገም ጥዕና ኣይእምሮ ኣይብሉ፤ ጥዑይ ሰብ እዩ" ትብል።

'ንህይወተይ ይሰግእ'

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ካብ ሓደ ንላዕሊ ምምርዓው ዘይፍቀድ ኮይኑ፡ ሓዳር ምስ መስረቱ ኣብ ሓደ ዓመቶም በዓል ቤት ዛርካ ካልእ ሰበይቲ ክምርዖ ይደሊ።

ዛርክ፡ "ንዓይ ከም ዘይፈተወኒ ብምግላጽ ምስ ካልእ ክምርዖ እየ ኢሉኒ፤ ገይሩዎ ከኣ" ትብል።

በዓል ቤት ዛርካ ግን እኹል ገንዘብ ኣዋህሊሉ ንስድራቤት እታ ሓዳሽ ዝተመርዓዋ ሰበይቲ ክኸፍል ስለ ዘይክኣለ፡ ሕርቃኑን ስግኣቱን ኣብ ልዕሊኣ ከንፍሶ ከም ዝጀመረ ትዛረብ።

"ስለ ዝሃርመኒ ኣዝየ ይፈርሕ"።

ባህርያት በዓል ቤታ እናተቐየረ ብምምጽኡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተመሊሳ ናብ ገዛ ወለዳ ትኣቱ፤ ወላዲ ኣቡኣ ድማ ብሰላም ካብዚ ሰብ ንከፋትሓ ትምሕጸኖ።

ናብ ገዛ ወለዳ ክትከይድ እንከላ ፍቓድ ዘይሓተተቶ ሰብኣያ ድማ ኣለሻ ጀሚሩ።

"ንሓደ ለይቲ ምስ ጠፋእኩዎ፡ ምስ ወግሐ ካራ ሒዙ ናብ ገዛ ወለደይ መጺኡ። ንኣቦይ ሰበይተይ መልሰለይ እናበለ ይጭቕጭቖ። ምስክር ክሳብ ዘምጽእ ግን ኣይንህበካን ኢሉዎ" ትብል።

ከምቲ ዝተባህሎ ድሕነታ ከም ዝሕልው ቃል ዝኣትው ሰባት ሒዙ ብምምጻእ'ኳ መሊሱ እንተወሰዳ ዝመሓየሽ ኩነታት ግን ኣይነበረን።

"ምስተመለስኩ ደጊሙ ሃሪሙኒ፤ ብካራ ኣፈራሪሑኒ። ኣፍንጫይ ክቐርጸኒ የፈራርሐኒ ስለ ዝነበረ ሃዲመ ናብ ጎረቤት ተዓቊበ"።

ንግዝኡ ጎረባብቲ ኣትዮም ነገራት ክሃድኡ እንተገበሩ'ውን ዘላቒ ኣይነበረን።

ኣብቲ ግዜ ናብ ወለዳ ከም ዝመልሳ ሚሒሉ ጥሒሉ ክወስዳ እንከሎ፡ ንሱ ግን ናብ ካልእ ገዛ ወሲዱዋ።

"ናበይ ኢኺ ትሃድሚ ዘለኺ ኢሉ ይጎተኒ፤ ናብ ድሕሪ እቲ ዝወሰደኒ ዘሎ ገደና ጎቲቱ ብምውሳድ ካብ ጁባኡ ንኡሽቶ ካራ ኣውጺኡ ኣፍንጫይ ቖሪጹዎ"።

ካብ ፍቓደይ ወጻኢ ኸይድኪ ኣሕፊርክኒ ኢኺ ብምባል ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዘብጽሓላ ትዛረብ። ኣፍንጭኣ ቖሪጹ እናደመየት ገዲፉዋ ከም ዝኸደ ገሊጻ።

"ከቢድ ስቓይ ነይሩዎ፤ ብብዝሒ ድማ መድመይቲ ነይሩዎ። ምትንፋስ ይጽገም ነይረ"

'በዓል ቤተይ ካብ ጁባኡ ካራ ኣውጺኡ ኣፍንጫይ ቖሪጹዎ . . . '

ምንጪ ስእሊ, Dr Zalmai Khan Ahmadzai

ዛርካ ኣፍንጭኣ ምስ ተቖረጸ ልባ ተሰይሩ 'ግናይ' ኮይነ እየ ዝብል ስምዒት ከም ዝሓደራ ትዛረብ።

ወላዲ ኣቡኣን ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ኣዝማዳን ሕነ ክፈድዩ ደልዮም ንሰብኣያ ደልዮም ክረኽቡዎ ኣይክኣሉን።

"ኣቦይን ኣኮታተይን ገዛ ናይቶም ዋሕስ ዝኾኑዎ ሰባት ኣቃጺሎም'ዮም" ትብል ዛርካ።

ስድራ ቤት ዛርካ ንበዓል ቤታ ረኺቦም ሕነ ቅድሚ ምፍዳዮም ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ብምእታው ኣሲሮምዎ።

ዝደሚ ገጽ

ዛርካ ስድራቤታ ሕነ ክፈድዩ ብምድላይ ይሕነዩ ምንባሮም ትገልጽ
መግለጺ ስእሊ, ዛርካ ስድራቤታ ሕነ ክፈድዩ ብምድላይ ይሕነዩ ምንባሮም ትገልጽ

ዛርካ ድሕሪ እቲ ዝበጽሓ ሓደጋ እምበርከ ክድሕን ድየ ዝብል ፍርሒ ነይሩዋ።

"ብመጥባሕቲ ዝጽግኑለይ ኣፍንጫ ዝሃለወ ቅርጺ ይሃልዮ ከምዘይጸልኦ ይሓስብ ነይረ። ኣነ ዝደልዮ ኣፍንጫ እዩ ነይሩ ካልእ ኣይኮነን" ኢላ።

ስእሊ ብደም ዝጠልቀየ ገጽ ዛርካ ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይዝርጋሕ ስለ ዝነበረ'ዩ ዶክተር ዛልማይ እቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ ክፈልጥ ክኢሉ።

ንሱ ብወገኑ ነዛ ግዳይ ብናጻ ክሕክማ ከም ዝኽእል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽሒፉ። ብሓገዝ ኣመራርሓ እቲ እትነብረሉ ከባቢ ድማ ኣብ ካቡል ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ክትመጽእ ክኢላ።

መግለጺ ቪድዮ, "ጓል ኣነስተይቲ ካብ ፍርሒ ንኽትገላገል 10 ዓመት ይወስደላ"

ዶክተር ዛልማይ ከምዚ ዓይነት መጥባሕቲ "2 ሽሕ ዶላር እዩ ዝሓትት። 500 ዶላር ዋግኡ መድሓኒት'ውን ዓዲገዳ። ክንገብሮ ኣይክኣልና ካብቲ ዝኣተወቶ ፍርሒ ከናግፋ ዝኽእል ስነ ልቦናዊ ሓገዝ እዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ስድራ በዓል ቤታ ብዛዕባ ዘሎ ውላዳ እያ እትጭነቕ።

"ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ወደይ ኣይርኣኹዎን። ይፈትዎ'የ፤ ምሳይ ክኸውን እየ ዝደሊ። ወለደይ ከም ዝወሰዱዎ ፈሊጡ ተመሊሱ መጺኡ ንከየጥቅዐኒ ስለ ዝፈርሑ እቲ ቖልዓ ግደፍዮ ብዛዕብኡ ኣይትጨነቐኒ እዯም ዝብሉኒ. ኣነ ግን ኣይክኣልኩን"።

ወሲኻ፡ "ኣነ ምስኡ ክነብር ዘይኮነ ካብኡ ናጻ ክኸውን እየ ዝደሊ። ክንፋታሕ ከለና ግን ወደይ ኣይህበንን። እዚ እዩ ድማ እቲ ዘጨንቐኒ" ኢላ።