ኲናት ኣፍጋኒስታን፡ ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ 26 ሽሕ ህጻናት ተቐቲሎምን ሰንኪሎምን

ኣብ ኲናት ኣብ እትርከብ ኣፍጋኒስታን፡ ንዝሓለፉ 14 ዓመታት መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም ሓሙሽተ ህጻናት ይቕተሉ ምንባሮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ካብቲ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመክቶ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2019 ዓ.ም ኣብ ዘለው ዓመታት፡ 26,025 ህጻናት ተቐቲሎም ወይ ኣካለ ስንኩላን ኮይኖም ኣለው።
ስለ ዝኾነ ድማ ለገስቲ ሃገራት፡ መጻኢ ህጻናት ኣፍጋኒስታን ኣብ ምውሓስ ክሰርሓ እቲ ትካል ጸዊዑ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ዝርርብ ሰላም ደው ካብ ዝብልን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብታ ሃገር ብምውጽኦምን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ወሲኹ ይርከብ።
ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ዓለም ንድሕነት ህጻናት ሓደገኛታት እየን ካብ ዝበሃላ 11 ሃገራት ሓንቲ ከም ዝኾነት ትካል መድሕን ህጻናት ይሕብር።
ኣብ 2019፡ ትካል መድሕን ህጻናት፡ ጎንጺ ኣብ ዘለወን ሃገራት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣፍጋኒስታን እታ ዝለዓለ ቅትለትን መልመስትን ህጻናት ዝተርኣየላ ሃገር ኮይና ተረኺባ።
ብዓርቢ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 874 ህጻናት ክቕተሉ እንከለው፤ 2275 ድማ ኣካላዊ መልመስቲ ኣጋጢሙዎም።
ልዕሊ ክልተ ሲሶ ካብቶም ዝተቐትሉን ዝለመሱን ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ "ኣብ ሞንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ሓይልታት መንግስቲ ብዘሎ ጎንጺ፣ ብኣጥፊእካ ምጥፋእን መጥቃዕቲ ንምፍጻምን ብዝግበሩ መጥቃዕታት ተባራዕቲ ነገራት" ዘጋጠመ ምዃኑ እቲ ትካል ጠቒሱ።
በቲ ኣብ ሞንጎ ብወተሃደራት ኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ጣሊባንን ካልኦት ሓይልታትን ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ብተደጋጋሚ ዒላማ እቶም መጥቃዕታት ከም ዝኾና እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ትካል መድሕን ህጻናት ከም ዝብሎ፡ ካብ 2017 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ 300 መጥቃዕታት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተፈጺሙ።
"መዓልታዊ ብደብዳብ ነፈርቲ ወይ መጥቃዕቲ ቦምባ ደቀይ ይሞቱ ይኾኑ ዝብል ስግኣት ሕሰቡዎ። እዚ፡ መሪር ሓቂ ደቆም ዝሞቱዎም ወይ ዝቖሰሉዎም ስድራቤታት ኣፍጋኒስታን እዩ" ኢሉ ዳይሬክተር ትካል መድሕን ህጻናት ኣብ ኣፍጋኒስታን ክሪስ ኒያማንዲ።
ጉባኤ ዓምለኻዊ ወሃብቲ ሓገዝ ኣፍጋኒስታን 2020 ኣብ ጀኔቫ ዝካየድ ኮይኑ፡ ትካል መድሕን ህጻናት ወሃብቲ ሓገዝ ሃገራት ውሕስና ህጻናት ኣፍጋኒስታን ንምውሓስ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓፍ ከብልዎ ሓቲቱ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ብሪጣንያን መላፍንቱን ሰብ ኣብ ዝበዝሖም ከባቢታት ተባራዕቲ ኣጽዋራት ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ጸዊዑ።
ኣፍጋኒስታን ንዓሰርታት ዓመታት ብዝቐጸለ መጥቃዕትታት ዝተሃሰየት ኮይና፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ሞይቶም እዮም።
ካብ 2001 ጀሚሩ፡ ድሕሪ ኣብ ኒውዮርክ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 9/11 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣንጻር ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ስጉምቲ ክወስዱ ጀሚሮም።
ጣሊባን፡ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ንዓርሱ ዳግም ብምጥያስ ቦታታት ክቆጻጸር ጀሚሩ እዩ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣመሪካ ወተሃደራታ ምስ ስሓበት ግን ኣብታ ሃገር ዝፍጸም መጥቃዕትን ዓመጽን ከም ዝወሰኸ ይግለጽ።
ብዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ ኣብ ካቡል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም፤ ካልኦት 30 ድማ ቖሲሎም።
ብዝሓለፈ ዓመት ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገር ዝፍጸም ዘይዛሪ መጥቃዕቲ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ እዩ።
ንዝሓለፉ 13 ዓመታት፡ ብሪጣኒንያ ኣብቲ ኣንጻር ጣሊባንን ኣልቃዒዳን ኣብ ዝካየድ ጎንጺ ክትሳተፍ ጸኒሓ።
ብ2014 ግን ናይ መወዳእታ ወተሃደራታ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ገይራ።
ኣመሪካ ብወገና፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2021 ክልተ ሽሕ ወተሃደራታ ከም እተውጽእን፡ 2500 ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝጸንሑን ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጻ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







