ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 11 ህጻናት ተቐቲሎም

ኣብ ሰሜናዊ ኣፍጋኒስታን: ግዝኣት ታክሃር: ኣብ ሃይማታዊ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 12 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም፡፡
በቲ ኣብ ሃዛራ ቁርሉቅ ዝተባህለት ቁሸት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ህጻናትን ናይ ጸሎት መራሒኦምን ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ግን ኣብታ ገጸር 12 ዕጡቓት ጣሊባን ከምዝቐተለ እዩ ዝሕብር፡፡
እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብታ ግዝኣት 30 ሓይሊታት ጸጥታ ድሕሪ ምቕታሎም እዩ ተፈጺሙ፡፡
ብተወሳኺ በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት 14 ሰባት ከምዝቖሰሉ እቶም ኣመሓደርቲ ገሊጾም፡፡
በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝቖሰሉ ሓደ ኢማም ናይታ ኣብቲ ሃይማታዊ ቤት ትምህርቲ እትርከብ መስጊድ ዓብዱል ኣዋል፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ንሱን ደቁን ጥራሕ ኣብቲ መስጊድ ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ካብ ቀረባ እዋናት እናሓየለ ዝመጸ ጎንጺ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ዕጡቓት ጣሊባንን፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ከየተዓናቕፎ ተሰጊኡ ኣሎ፡፡
ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ግዝኣት ዘላ ሆስፒታል ዝርከቡ ሓካይም፡ መብዛሕትኦም ዝመጹዎም ግዳያት ህጻናት ከምዝኾኑ ገሊጾም፡፡
ነቲ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ሰላማውያን ሰባት ሓቂ ከምዘይኮነ ዝገለጸ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ እንተኾነ ዘጻሪ ጉጅለ ከምዘጣየሰ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
ዕጡቓት ጠሊባን፡ ስምምዕ ሰላም ንምስላጥ ጎንጺ ከቋርጹ ንኣመሪካ ዝኣተዉዎ መብጽዓ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ነቲ ጎንጺ ከምዝጀመርዎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ፡፡

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ግዝኣት ደቡባዊ ሄልማንድ ብዝተወለዐ ጎንጺ ኣስታት 40 ሽሕ ሰላማውያን ካብ መበረቶም ከምዝተመዛበሉ ይግመት፡፡
ኣብዚ ዓመት ብዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ 220 ሽሕ ኣፍጋናውያን ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ ካብ 2012 (ኣውሮጳ) ንድሓር ቁጽሪ ጠቕላላ ዝተዘናበሉ ኣፍጋናውያን ኣስታት 4.1 ሚልዮን ከምዝበጸሐ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ይገልጽ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







