ኣፍጋኒስታን፡ ስድራቤታ ስድራቤታ ክትከላኸል ብረት ዘልዓለት ጎርዞ

ምንጪ ስእሊ, Ghor district government
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንበሪ ገዝኣ ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ክፍጸመሉ እንከሎ፡ ጓል 15 ዓመት ኑርያ ብረት (AK-47) ወላዲኣ ብምልዓል ነቶም ስድርኣ ንዝቀተሉላ ክልተ ኣባላት ጣሊባን ብምቕታል ሕኒኣ ብምፍዳያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት 'ጅግና' ዝብል ቅጽል እናተዋሃባ ኣዛራራቢት ኮይና ነይራ።
ኣብታ ለይቲ እቲኣ ዘጋጠመ ፍጻመ ግና ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ።
ኑርያ ድያ ነቶም ዕጡቓት ቀቲላቶም ወይስ በዓል ቤታ? ወይ ድማ ክልቲኦም?
እቲ ዛንታ ከምዚ ዝስዕብ'ዩ፤ ድሕነቶም ንምሕላው ድማ ኩሎም ዝተጠቐሱ ኣሽማት ተቐይሮም እዮም።

እቶም ዕጡቃት ጸልማት ጉልባብ ገይሮም'ዮም መጺኦም።
ኑርያ ከም እትዝንትዎ፡ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ማዕጾ ወለዳ ዝድቅስሉ ክፍሊ ክኩሕኳሕ ሰሚዓ። በዚ ካብ ድቃሳ ዝነቕሐት ኑርያ ኩሉ ነገር ብጽሞና ትከታተሎ ነይራ።
ኣብ ናይ ባዕሉ መደቀሲ ክፍሊ ብዛዕባ ዘሎ ወዲ 12 ዓመት ሓዋ'ውን ትሓስብ ነይራ።
እቶም ሰባት፡ ንወለዳ ናብ ደገ ምስ ኣውጽኡዎም ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድምጺ ተኹሲ እያ ሰሚዓ።
“ቀቲሎምዎም” ትብል ኑራ።
ኑርያ፡ ተኣፋፊ ኣብ ዝኾነ ገጠር ኣፍጋኒስታን እያ ዓብያ።
ኣጠቓቕማ ብረትን ዒላማኣ ምውቓዕን ብዝግባእ እትፈልጥ ሓፋርን ዓው ኢላ ዘይትዛረብን መንእሰይ እያ።
ኣቡኣ፡ ገና ቖልዓ እናሃለወት ኣትሒዙ ነብሳ ካብ ጸላኢ ብኸመይ ክተከላኸል ከምዘለዋ ምሂሩዋ ነይሩ።
ኣብታ ወለዳ ዝተቐተሉላ ለይቲ፡ ድምጺ ተኹሲ ምስ ሰምዐት ተሓቢኣ ንብረት ኣቡኣ ዝኾነት ጠበንጃ ኣውጺኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ፈኒያ።
ጥይት ክሳብ እትውድእ ከም ዝተኲሰትሎም ትዛረብ።
እቶም ዕጡቓት ካብ ዝመጽኡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣንሳሒቦም። ኣብ ደገ ኣፍ መንበሪ ገዛ ኑርያ ግን ኣስክሬን ሓሙሽተ ሰባት ወዲቑ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ናይ ኣቡኣን ኣዲኣን፣ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ቤተሰባን ክልተ ካብቶም ዕጡቓትን እዮም።
"ዜሰንብድ'ዩ ነይሩ፤ ጨካናት'ዮም። ኣቦይ ኣካለ ስነኩል፤ ኣደ'ውን ንጽህቲ'ያ ነይራ። ግን ቀቲሎሞም" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከም ኑርያ ዝበሉ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝዓብዩ ኰተቴ ካብ ኲናት ወጻኢ ዝፈልጡዎ ካልእ ነገር የለን።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ደገፍቲ መንግስትን ጣሊባንን ዘሎ 25 ዓመታት ዝገበረ ኲናት ቐጺሉ'ሎ።
እቶም ሓይልታት መንግስቲ ንወሰንትን ዓበይትን ከተማታት ክቆጻጸሩ እንከለው፡ ጣሊባን ድማ ብርክት ዝበሉ ገጠራት ሒዞም ኣለው።
እተን ከም በዓል ኑርያ ዝነብሩለን ዓድታት ወትሩ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተቐርቀራ እየን።
ግሆር፡ ኑርያ እትነብረሉ ዓዲ ኮይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ጣሊባን ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ልሙድ እዩ።
ኑርያን ፖሊስ ዓብዪ ሓዋን፡ ኣቡኦም፡ መራሒ ሓደ ዓሌትን፡ ደጋፊ መንግስቲ ከምኡ'ውን መራሒ ጉጅለ ዓበይቲ ዓድን ብምዃኑ ግዳይ እቶም ዕጡቓት ከም ዝኾነ ይዛረቡ።
እቲ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ግን ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ዝነበረ ኩነታትን፡ ካብ ኑርያ፣ ዓቢ ሓዋ፣ ስድራ እቶም ዝተቐተሉ ዕጡቓት፣ ፖሊስ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ወከልቲ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ዝቐረቡ ዘለው ሓሳባት ዝተፈላለዩ እዮም።
ንቢቢሲ ዝቐረቡ መብዛሕትኦም ሓበሬታት፡ ካብቶም ወለዲ ኑርያ ክቕተሉ ከለው ዝመጽኡ ዕጡቓት ሓደ በዓል-ቤታ ከም ዝኾነን፡ እቲ 'ዕጡቓት ጣሊባን ዝመከተት ጅግና' ክትበሃለሉ ዝቐነየት ፍጻመ ኣብ መንጎ ቤተሰብ ዝተፈጠረ ጎንጺ ከም ዝኾነን ይገልጹ።
እዞም ነንሕድሕዶም ዝጋጨው ርኢይቶታት ኑርያ፡ ብዛዕባ ዘጋጠማ ሓቂ ብምቕባር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ገጠራት ኣፍጋኒስታን ዘሎ ዘሰክፍ ህይወት ሕቡእ ሓቂ ዘቃልዑ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።
ናኣሽቱ ደቂ ኣንሰትዮ ኣፍጋኒስታን ግዳያት ቀቢላዊ፣ ባህላውን ልማዳውን ግብርታትን ተባዕታዊ ኣተሓሳስባን ኮይነን ዘይተመሃራ እየን።
እተን ከም ኑርያ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ትምህርቲ ኣይረኽባን፣ ሓይሊ የብለንን፣ ኣብ ዝኾነ ነገር ድማ ውሳነ ክህባ ዘይክእላን፡ ናብ ጎንጺ መዓስን ብኸመይን ተሳሒበን ይኣትዋ ኣይፈልጣን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ንብዙሓት እተካትዕ ዘላ ለይቲ እቶም ናብ ገዛ ኑርያ ዝመጽኡ ዕጡቓት መን'ዮም? እንታይ ክገብሩ'ኸ መጺኦም? ዝብል ግሁድ መልሲ የለን።
ኹሎም በዚ ጉዳይ ክረዳድኡ ዘይክኣሉ ሰባት ግን ኣብታ ዓዲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ብዝብል ሓደ ነገር ጥራሕ ይሰማምዑ።
ኑርያ ከም እትብሎ ድማ እቶም መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ንርእሶም ተቓለስቲ "ሙጃሂደን' ኢሎም ይጽውዑ ነይሮም።
እዚ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ዝጥቀምሉ ቃል እዩ። ጣሊባን ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብሉ እኳ እንተገለጹ፡ ኣብቲ ዕለት ግን ተኹሲ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጾም።
ኣብታ ለይቲ ንናይ ፖሊስ ማእከል ፈተሻ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ክልተ ኣባላቶም ጉድኣት ከም ዝበጸሖምን ዝሞተ ሰብ ከም ዘይነበረን ይዛረቡ።
ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ድማ "ኑርያ ናይ ብሓቂ ጅግና እያ፤ ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ዓወት ኣመዝጊባ'ያ" ኢሎም ንኢዶምዋ።
ኑርያን ክልቲኦም ኣሕዋታን ብወተሃደራዊ ሄሊኮፕተር ካብታ ዝነብሩላ ዓዲ ኣብ ካቡል ናብ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ክውሰዱ እንከለው፤ ዛንታ እታ ዓርሳ ንምክልኻል ብረት ዘልዐለት ኰተቴ ማሕበራዊ ሜዲያ ኣዕለቕሊቑ ቀንዩ።

ምንጪ ስእሊ, Local Afghan authorities
ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ጣሊባን ንዝመከቱ ሰላማውያን ሰባት ክንእድ ልሙድ እዩ። ንኑርያ ናብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ካቡል ምዕዳሙ ግን ዝተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩ እዩ።
ገለ ሰባት ጅግና እያ ይብሉ። ገሊኦም ድማ ግዳይ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዝኾነት ንፕሮፖጋንዳ ሃልኪ ዝወዓለት እያ ይብሉ።
"ብሞትን ጎንጽን ዝተፈተኑ፡ ዋጋ ህይወትን ሰላምን ዘይፈልጡ ዜጋታት ዘለውዋ ሃገር፡ ነዚ ክስተት ተጠቒሙ ብረት ምልዓል ዝንእስድን ጎንጺ ዘጉልሕን ኣካል ምርኣይ ክረድአኒ ኣይኽእልን። ጎንጺ ብጎንጺ ኣይምለስን" ክብል ሓደ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ካልእ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሜድያ ድማ፡ ኑርያ "ምልክት ንርእሰን ኣብ ምክልኻል ዝተዓወታ ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ” እያ ኢሉ።
"ብምኽንያት ጣሊባን ዝኸፍቶ ዘሎ ውግእ፡ ብዙሓት ዓቕሚ ዝስኣና ምስ ቑስለን ዝነብራ ደቂ ኣንሰትዮ ኣለዋ እየን"።
ድሕሪ እቲ ወለዲ ኑርያ ዝቐተለ መጥቃዕቲ፡ ፖሊስ መለለዪ መንነት እቶም ዝሞቱ ዕጡቓት ዝረኸቡ ኮይኖም፡ ክልቲኦም ደገፍቲ ጣሊባን ምንባሮም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቲ ተወቒዑ ዘምለጠ ሳልሳይ ዕጡቕ ድማ ሰይድ ማሱም ካርማን ዝተብሃለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ጣሊባን ከም ዝኾነ ፖሊስ ገሊጹ።
ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ምጽራይ ድማ፡ እቲ ቆሲሉ ሃዲሙ ዝተብሃለ ኣዛዚ ኣብዚ እዋን ቆሲሉ ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ መረዳእታ ዝረኸበ ኮይኑ፡ ኣበይን መዓዝን ከም ዝቖሰለ ግን ኣይተፈለጠን።
ካብ ውሽጢ ጣሊባን ዝተረኸበ ሓበሬታ ድማ ካብቶም መወትቲ ሓደ ቅድም ክብል ኣብ ሄልማንድ ደቡባዊ ኣፍጋኒስታን፡ ሓቢሩዎም ይሰርሕ ምንባሩ ይገልጽ።
እቲ በዓል ቤት ኑርያ'ዩ ዝበሃል ዘሎ ሰብኣይ ሓደ ካብቶም ኣብታ ለይቲ ዝሞቱ ዕጡቓት እዩ። ኑርያ ግን ኣይተመርዓናን ብማለት ትነጽጎ።
ካልኦት ግን፡ ኑርያ ኣብ መንጎ ክልተ ቤተሰብ ብዝተገብረ "ሞክሂ" ብዝብሃል ስምምዕ መርዓ ዝተዋህበት እያ ይብሉ።
ራሂም ዝተባህለ ሰብ ንኑርያ ካልአይቲ በዓልቲ ቤቱ ገይሩ ክወስዳ፤ ኣቦ ኑርያ ድማ ንጓል ሓፍቲ ራሂም ከእቱ ተሰማሚዖም ነይሮም።
ኮይኑ ግና ክልቲአን ቆልዑት ዕድሚአን ስለ ዘይኣኸለ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ክፍጽምዎ ተረዳዲኦም ነይሮም።
ኣብ ገጠር ከባቢታት ኣፍጋኒስታን ከምዚኦም ዝበሉ ሓቅታት ከተጻሪ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እቲ ከባቢ ብዓበይቲ ጎቦታት ዝተኸበ ስለ ዝኾነ መስመር ቴሌፎን ንምርካብ ዝምችእ ኣይኮነን።
ቢቢሲ እቲ ሓቂ ንምጽራይ ንኣደ ራሂም ሸፊቃ ብስልኪ ዘዘራረባ ኮይኑ፡ ኑርያን ረሂምን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ከም ዝተመርዓዉን፡ ኣቦ ኑርያ ድማ ለውጡ ከም ዝወሰደን ገሊጻ።

ኮይኑ ግና ቅድሚ ክልተ ዓመት ራሂም ንስራሕ ናብ ሄልማድ ምስ ከደ፡ ኣቦ ኑርያ ነታ ዝወሰዳ ቆልዓ መሊሱ ጓሉ ሒዙ ከም ዝኸደን ነቲ ውዕል ከምዘፍረሶን ገሊጻ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ መዓልቲ፡ ራሂም ኣቦ ኑርያ ብዝተገብረሉ ዕድመ ከም ዝኸደን፡ ክቐትሎ ሓሳብ ከም ዘይነበሮን ወሲኻ ተዛሪባ።
ብተወሳኺ ወዳ ኣባል ጣሊባን ከም ዘይነበረን ብረት ሒዙ ከም ዘይፈልጥን ገሊጻ።
ፖሊስ ናይታ ቁሸት፣ ዓበይቲ ዓድን ሰበ ስልጣንን ኑራን ራሂምን ከም ዘይተመርዐዉ ብምግላጽ እቲ ጥቕዓት ወላዲኣ ንምቕታል ብጣሊባን ዝተፈጸመ ከም ዝኾነ ይገልጹ።
ኣብታ ለይቲ ዝተፈጸመ ነገር ውሑዳት ሰባት እዮም ዝፈልጥዎ። ኑርያን እቲ ንኡሽቶ ሓዋን።
ሞት ኣፍጋናኒስታውያን እናቐጸለ እዩ። መብዛሕትኦም ድማ ከም ኑርያ ዝበሉ ንኡሽቶ ዓቕምን ንኡሽቶ ሰማዕን ዘለዎም፡ ብዝኸኣልዎ መገዲ ንባዕሎም ካብ ምክልኻል ካሊእ ኣማራጺ የብሎምን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







