“ብህጻኑ ንዝተጨውየ ወደይ ክረክብ 32 ዓመታት ወሲዱለይ"

ሊ ጂንግዝሁ ብህጻኑ ንዝተጨወየ ወዳ ክትረክብ ልዕሊ 30 ዓመታት'ዩ ወሲዱላ።
ወዳ ሞይ ዩን ብ1988 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብዘይተፈለጡ ሰባት እዩ ተጨወዩ ተሸይጡ።
ካብ ምድላዩ'ኳ ዓዲ እንተዘይውዓለት ኣብ ኣጋ ተስፋ ምቁራጻ ግን ኣብ ወርሒ ግንቦት ን32 ዓመታት ሃንቀው ኢላ ትጽበዮ ዝነበረት ደወል ብስራት ሰሚዓ።
ቻይናውያን ሊ ጂንግዝሁን በዓል ቤታን ንወዶም ሞኦ ዩን ናብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ሻንዚ ዝኾነት ዚያን ዝርከብ መካነ እንስሳ ሒዘሞ ምኻድ የዘውትሩ ነበሩ።
እዚ ክስተት እዚ ድማ ካብ ኣእምሮ ሊ ጂንግዝሁ ዝሕከኽ ኣይኮነን።
"መጀመርታ ክንወስዶ ከለና ወዲ ዓመትን መንፈቕን ነይሩ፤ ኣብ መሬት፡ ሓሰኻ ርእዩ ናብቲ ሓሰኻ እናመልከተ በቲ ጥዑም ልሳኑን ኣዘራርብኡን 'ማማ እዚ ሓሰኻ ርኣይዮ' ክብለኒ እንከሎ እቲ ድምጹ ክሳብ ሕጂ ኣብ እዝነይ የቃጭል" ትብል።
እቲ እዋን፡ ቻይና፡ ሓንቲ ስድራ ሓደ ውላድ [ሓደ ህጻን] ዝብል ፖሊሲ ብሰፊሑ ኣተኣታትያትሉ ዝነበረት ግዜ ብምዃኑ፡ ካልኣይ ውላድ ክህልወካ ዝሕሰብ ኣይነበረን።

ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ስድራ ሊ ጂንግዝሁ'ውን ሓደ እዩ ውላዶም፤ ማኦ ዩን።
ከም ቃሎም ክኾነሎም ከኣ 'ጂያ ጂያ'[ንፉዕ፤ ሃብሮም፤ ኮርዒዳ] እናበሉ'ዮም ዝጽውዕዎ ነይሮም።
"ጂያ ጂያ ካብ ብህጻኑ ትኩርን ንፉዕን እዩ ነይሩ፤ ብኽያት ኣይፈልጥን፤ ዝርኣዮ ሰብ ዝፈትዎ ቆልዓ'ዩ" ትብል ኣዲኡ ሊ - ጂንግዝሁ።
ማኦ ዩን፡ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ትምህርቲ ምስ ጀመረ ሊ ጂንግዝሁን ምስ በዓል ቤታ በብሪጋ እዮም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘብጽሕዎን ዝመልስዎን ነይሮም።
ሊ ጂንግዝሁ "ስራሕ ውዒለ ካብ ትምህርቱ ምስ ኣምጻእክዎ ትጽውት ነምሲ፤ ሕጉስቲ ድማ ነይረ" ትብል።
ሊ ጂንግዝሁ ኣብቲ እዋን ኣብ ሓደ እኽሊ ንሰደድ ዝልእኽ ትካል እያ ትሰርሕ ነይራ።
ኣብ እዋን ቀውዒ፡ ንወዳ ምስ በዓል ቤታ ገዲፋ ካብቲ እትነብረሉ ከተማ ወጺኣ ፎቖዶ ዓድታት ክትኮልል ስርሓ የገድዳ ነበረ።
ኣብ ከምዚ ስራሕ እንከላ'ያ ድማ ካብ ኣስራሒኣ ብቕልጡፍ ክትምለስ መልእኽቲ ተላኢኹላ።
"ኣብቲ እዋን ከም ድላይካ ተሌፎን ምጥቃም ስለዘይከኣል ብቴለግራም እዩ ተላኢኹላ። ኣብ ገዛ ሓደጋ ኣጋጢሙ'ሎ ብቕልጡፍ ተመለሲ' ዝብል መልእኽቲ መጺኡኒ፤ ዝኾነ ካልእ ዝርዝር ኣይነበሮን" ኢላ።
ናብ እትነብረሉ ከተማ ዚያን ምስ ተመለሰት ግን ኣስራሒኣ ወዳ ከም ዝጠፈአ ሓቢርዋ።
"ኩሉ ነገር ጽልምት ኢሉኒ፤ ጽንሕ ኢለ ግን ቀልጢፈ ከም ዝረኽቦ ተስፋ ገይረ ኣብ ምድላዩ ክኣቱ ከም ዘለኒ ምስ ነብሰይ ተረዳዲአ"።
እዚ፡ ማኦ ዩን ቆልዓ ክልተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ዝነበረሉ ወርሒ ጥቅምቲ 1988 ዓ.ም እዩ።


ብዓል ቤታ ንሊ ጂንግዝሁ ነቲ እዋን ክዝክር እንከሎ፡ ንማኦ ዩን ካብ መውዓሊ ህጻናት ሒዙዎ ንገዛ እናተመልሱ፡ ካብ ሓደ ብስድርኡ ዝውነን ሆቴል ዝሑል ማይ ከምጽኣሉ ንውላዱ ኣብ መኪና ገዲፍዎ ከይዱ። ድሕሪ ክልተ ደቒቕ ማይ ሒዙ ምስተመልሰ ግን ማኦ ዩን፡ ኣብቲ ዝገደፎ ኣይጸንሖን።
'ኣብዚ ከባቢ እዩ ዝህሉ' ኢሉ ከምዝረኽቦ ትስፉው ኮይኑ ሽሙ እናጸውዐ ኣብቲ ከባቢ ዘወር ዘወር እንተበለ ኣይረኸቦን።
"ወደይ ካብ መኪና ምስ ወጽአ፡ መንገዲ ገዝኡ'ዩ ጠፊእዎ ዝኸውን ኢለ ሓሲበ። ድሓን ርህሩሃት ሰባት መንገዲ መሪሖም ናብ ገዝኡ ከምጽእዎ'ዮም ዝብል ተስፋ ድማ ነይሩና" ኢሉ።
እንተኾነ መዓልታት ሓሊፉ ግዜ ስቕ ኢሉ ክበርር ጀሚሩ።
ንማኡ ዩን ረኺቡ ናብ ገዛ ዘምጽኦ ወይ ናብ እንዳ ፖሊስ ዘረክቦ ሰብ ግን ኣይተረኸበን። ኩነታቱ ኣሻቓሊ ኮይኑ።
ሊ ጂንግዝሁ ልዕሊ 100000 (ሚእቲ ሽሕ) ስእሊ ናይ ማኦ ዩን ዘለዋ።
'ንማኦ ዩን ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ' ዝብል ወረቐት ኣስሪሓ ኣብ ኩሉ መደበራት ባቡርን ሰባት ዝእከብሉን ከተማ ዝያን ለጢፋቶ።
ማዕከናት ዜና'ውን ነቲ ዜና ክቀባበላሉ ጀመራ፤ ወጽኢት ግን ኣይተረኽቦን።

ሊ ጂንግዝሁ "ኣዝየ እየ ተሃስየ፡ ሙሉእ መዓልቲ እየ ክበኪ ዝውዕል፤ ወሽጠይ ጥራዩ ኮይኑ ባዶነት ክስምዓኒ ጀሚሩ" ትብል።
ኣብ ገዛ ክዳውንቱን ዝጻወተለን ዝነበረ ባንቡላታትን ብፍላይ ድማ ነተን ንኣሽቱ ጫማታቱ ክትርኢ እንከላ ንብዓታ ትቆጻጸሮ ከም ዘይነበረት ትዝክር።
ሊ ጂንግዝሁ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ቻይና ቆልዑ ምጭዋይ ንቡር ተርእዮ ምንባሩ ኣፍልጦ ኣይነበራን።
ቻይና፡ ቅልጡፍ ወሰኽ ብዝሒ ህዝባ ንምቁጽጻር ኣብ 1979'ያ ሓደ ስድራ ሓደ ውላድ ዝብል ፖሊሲ ኣተኣታትያ።
እቲ ፖሊሲ፡ ኣብ ከተማ ዝነብሩ ሓደ ውላድ ጥራይ ክወልዱ፤ ኣብ ገጠራት ዝነበሩ ግን በዂሮም ጓል እንድሕር ኮይና ካልኣይ ክፍትኑ ዘፍቅድ እዩ።
ኣብ ከተማ ኮይኖም ጓል ዝተቦኮሩ፡ ወዲ'ዩ ወራስን ጠዋርን ስድርኡ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮም እዚ ሕጊ እዚ ብኸቢድ'ዩ ዝጸልዎም ነይሩ።
ካልኣይ ምስ ዝፍትኑ ድማ ብመንግስቲ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክህልዎም'ዩ፤ ውላዶም'ውን ዝኾነ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክርክብ ኣይክፍቀደሉን'ዩ።
እዚ ፖሊሲ'ዚ መጭወይቲ ህጻናት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዘኸተለ ይንገር። ሊ ጂንግዝሁ ግን ብዛዕባ እዚ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበራን።
"ሓሓሊፉ ብዛዕባ ዝጠፍኡ ቆልዑ ኣብ ቴለቪዥን ይመጽእ'ዩ፤ እንተኾነ ተሰሪቖም ተጨውዮም ዝብል እምነት ኣይነበረንን። በቃ ጠፊኦም'ዮም ጥራይ'የ ዝብል ነይረ" ትብል ሊ ጂንግዝሁ።
ኣብ መጀመርታ ምጥፋእ ማኦ ዩን ብሸለልትነት ብዓል ቤታ ከም ዝተፈጸመ ብምሕሳብ ነቲ ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ ብዓል ቤታ ተዝንቦ ነይራ።
እንተኾነ ወዶም ንክረኽቡ ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ብምርድዳእ ኣብ ምድላዩ ብሓባር ክነጥፉ ጀሚሮም።
ዝበዝሐ ዕላሎም ብዛዕባ ወዶምን ሃለዋቱን ስለ ዝነበረ ግን እቲ ግርጭት ደው ኣይበለን፤ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ሓዳሮም ብፍትሕ ተዛዚሙ።
ሊ ጂንግዝሁ ድሕሪ ፍትሖም'ውን እንተኾነ ድሃይ ውላዳ ካብ ምግባር ኣየቋረጸትን።
ወትሩ ዓርቢ ካብ ስራሕ ምስ ተፈደሰት፡ ባቡር ተሰቒላ ናብ ከባቢኣ ዘለዋ ዞባታት ብምኻድ ንማኦ ዩን ኣብ ምድላይ ተሕልፎ።
ሰንበት ለይቲ ናብ ገዛኣ ብምምላስ ድማ ኣንጊሃ ናብ ስራሓ ትወፍር፤ ንዓመታት ከምኡ ኢላ ቀጺላ። ኣብ ቴለቪዥን ንወዳ ዝመስል ቖልዓ ምስ እትርኢ፡ ናብቲ ዘለዎ ቦታ ከይዳ ተጻሪ።
ሓደ እዋን ኣብ ርሑቅ ገጠር ዝርከቡ ስድራ፡ ቖልዓ ኣርዒሞም የዕብዩ ከም ዘለዉ ምስ ሰምዐት ተስፋ ገይራ ናብቲ ዝተሓበረቶ ዓዲ ከይዳ።
ነበርቲ እቲ ዓዲ ካብ ዝወፈርዎ ክሳብ ዝምለሱ ተጸብያ፡ ዝሓዘቶ ሓበሬታ ሓተተቶም። እንተኾነ እቶም ዝተባህሉ ስድራ ነቲ ቖልዓ ሒዘሞ ናብ ከተማ ዝያን ከም ዝኸዱ ካብቶም ነበርቲ ተሓበራ።
ብለይቲ ክይድ ሓዲራ ድማ ወጋሕታ ናብ ከተማ ዝያን በጽሐት።
እቶም መጻምድቲ የዕሪፈምሉ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ምርካብ ድማ ክልተ መዓልታት ወሰደላ።
ረኺበዮ ኣብ ዝበለትሉ ግን እቲ ዋና ገዛ እቶም መጻምድቲ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ናብ ካልእ ከተማ ከም ዝግዓዙ ሓበራ።

ዝወለደ ኣይቀብጽ ኮይኑ፡ ነቲ ከም ዕንቊ ዝተሸርባ ውላድ ክትረክብ በቲ ዝተብሃለቶ ነቶም መጻምድቲ ንኽትረኽቦም እግሪ እግሮም ናብቲ ዝተሓበረቶ ከተማ ተበገሰት።
ኣብቲ ከተማ'ውን ነቲ ዘዕረፍሉ መዕረፊ ኣጋይሽ ንኽትረክብ ብዙሕ ኮለል ኢላ።
ኣብ ዝረኸበትሉ ድማ እቶም መጸምድቲ ድሮ ካብቲ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ኣብ ምጒዓዝ እዮም ነይሮም፡ ሕጂ'ውን ተስፋ ኣይቆረጸትን።
ውላዳ ኣለዎ እንተተባሂላ ብጽፍራ ከውሒ ከም እትፍንቅል ኣሚና እያ ጉዕዞኣ ጀሚራቶ። ኩሉ ተደማሚሩ ነዞም መጻምድቲ ንምርካብ ክልተ መዓልቲ መግቢ ከይለኸፈትን ከይደቀሰትን ተሕልፎ።
ድሕሪ ብዙሕ ኮለል ነቶም መጻምድቲ ረኸዒባቶም። እቲ ኣርዒሞም ዘዕብይዎ ዝነበሩ ቆልዓ ግን ማኦ ዩን ኣይነበረን።
"ንዕኦም ንምርካብ ኣብ ዝገብሮ ዝነበርኩ ፈተነ፡ መሰናኽል ምስ በዝሐ ብርግጽ ወደይ'ዩ ምስኦም ዘሎ ናብ ዝብል መደምደምታ እየ በጺሐ ነይረ። ንሱ ከም ዘይኮነ ምስ ኣረጋገጽኩ ግን ወሽጠይ ተሃስየ፤ ክርብሽ ጀሚረ። ኣደይ ከኣ ሕማም ኣእምሮ ከየጋጥመኒ ክትሻቐል ጀሚራ" ትብል ሊ ጂንግዝሁ።
ወትሩ ኣብ ድቃሳ 'ማማ ማማ' ዝብል ድምጺ ኣብ አእዛና የቃጭል።
እዚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ምስ ተደጋገማ፡ ብማዕዳ መማህርታ ዝነበረት መሓዝኣ ንክኢላ ኣእምሮ ከተማኽር ከም ዘለዋ ኣመነትሉ።
"እቲ ዶክተር ኣብ ኣካይዳይ ጽልዋ ዝፈጠረ ምኽሪ እዩ ለጊሱለይ። ንኣካላዊ ሕማምኪ ክፍውሰልኪ ይኽእል እየ፤ እቲ ስምዒትኪ ኣብ ምስዓር ተርእይዮ ዘለኺ ምድኻም ግን ክፍውሰልኪ ኣይክእልን ብምባል ክጽለል ከም ዝኽእል'ዩ ነጊሩኒ። ካብዚ ተበጊሰ ወደይ ዳግማይ ምስ ተራኸብና ጽልልቲ ኮይነ ክጸንሖ ምርጫይ ኣይኮነን ብምባል ስምዒታተይ ክቆጻጸር ከምዘለኒ ተረዲኡኒ" ትብል ሊ ጂንግዝሁ።

ካብቲ እዋን ጀሚራ ድማ ኣብ ክንዲ ጥዕናኣ ዝሃሲ ስምዒታት ምኽዛን፡ ኣብ ምድላይ ውላዳ ጥራይ ኣቶኵራ ክትሰርሕ ከም ዘለዋ ምስ ነብሳ ቃላ ኣትያ።
ሓፍታ'ውን ተዘክሮታታ ኣብ ምህሳስ ይሕግዛ እዩ ብምባል ናይ ማኦ ዩን ክዳውትን መጻወትን ብምሉኡ ብምውሳድ ኣብ ገዛኣ ኣቐመጠቶ።
ሊ ጂንግዝሁ ብዙሓት ከምቲ ናታ ጸገማት ዘለዎም [ደቆም ዝጠፍእዎም] ስድራቤታ ከም ዘለዉ ክትፈልጥ ብምኸኣላ ምስኦም ተጠርኒፋ ምድላያ ከተስፍሕ ተሸባሸበት።
እቶም ደቆም ዝጠፍኡዎም ስደራቤታት ኣብ ዘዘለውዎ ኮይኖም ስእልታት ናይ ዝጠፍኡ ደቆም ብምልጣፍ ኣለሽኦም ናብ መላእ ዞባታት ቻይና ኣስፍሕዎ።
እቲ ሊ ጂንግዝሁ ወዳ ንምድላይ ናብ 10 ዞባታት ዝገበረቶ መገሻታት ደው ብምባል፡ ናብቶም ንሳ ብእግራ ዘይረገጸቶ ዞባታት ዝርከቡ ደቆም ዝጠፍእዎም ስእሊ ወዳ ብምስዳድ ክደልዩላ ትምሕጸኖም።
ንሳ ድማ ኣብ ከባቢኣ ንደቆም ትደልየሎም፤ ብኸምዚ ነገራት ክቀልል ዝጀመረ ይመስል።
ወዳ ካብ ዝጠፍእ ድሮ 19 ዓመታት ኣብ ዘቁጸረሉ ሊ ጂንግዝሁ ኣብ ምድላይ ህጻናት ምስ ዝነጥፍ 'ቤቢ ካም ሆም' [ወደይ/ጓለይ ናብ ገዛኻ/ኺ ተመለስ/ሲ] ዝብሃል ገባሪ ሰናይ ወለንታዊት ሰራሕተኛ ኮይና ክትሰርሕ ጀሚራ።
"ድሕሪ እዚ በይነይ ከም ዘይኮንኩ ክፈልጥ ክኢለ፣ ብሕታውነተይ ተኣልዩ። ደቅና ንምርከብ ዝሕግዙና ብዙሓት ወለንተኛታት እዮም ነይሮም። ወደይ እንተዘይተረኸበ፡ ካልኦት ወለዲ ደቆም ንክረኽቡ እጃመይ ከበርክት ምስ ጀመርኩ ኣእምሮኣዊ ዕረፍቲ ክረክብ ጀሚረ"።
ኣብ 2009 መንግስቲ ቻይና፡ ውላዶም ንዝጠፍኦም ወለዲ መርመራ ጀነቲካዊ ተወርሶ (ዲኤንኤ) ብምግባር፡ እቲ ውጽኢት ከም ዝኽዘን ብምግባር ኣብ ምርካብ ዝጠፍኡ ህጻናት እጃሙ ከም ዘበርክት ቃለ ኣትዩ።
እዚ ድማ ነቶም ደቆም ዝጠፍእዎም ከምኡ'ውን ንገባሪ ሰናይ 'ቤቢ ካም ሆም' ዓቢ ዓወት ነይሩ።
እቶም ዝጠፍኡ መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም ነይሮም።
እቶም ዝገዝእዎም'ውን መብዛሕትኦም እቶም ውላድ ዘይብሎም ወይ'ውን ጓል ዝተቦኮሩ'ዮም።
ሊ ጂንግዝሁ ምስ ገባሪ ሰናይ 'ቤቢ ካም ሆም' ብምዃን 29 ዝጠፍኡ ቆልዑ ምስ ወለዶም ከም ዝራኸቡ ገይራ።
ነቲ ህሞት ርክብ ውሉዳትን ወለድን ክትርኢ እንከላ ድማ "ንዓይ'ውን ሓንቲ መዓልቲ ከምዚኣ ትህልወኒ ትኸውን" ክትብል ጀሚራ።
"ንወደይ ኣይክረኽቦን'የ ዝብል ተስፋ ዝቖርጸሉ እዋን ነይሩ'ዩ። ዝጠፍኡ ቆልዑ ኣብ ምድላይ ግን ደው ኣይበልኩን። እቲ ዝምነዮ ሓጎሰይ ኣብ ካልእ ወለዲ ክርእዮ እንከለኹ ደበስ ይኾነኒ ነይሩ" ትብል።
ኣዲኣ'ውን እታ ካልእ ተስፋ ከይትቖርጽ ሓቦ ተስንቓ ነበረት።
"ወላዲትይ ኣብ 2015 ኣብ መበል 94 ዓመታ ዓሪፋ፤ ንወደይ ወትሩ ምስ ናፈቀቶ'ያ። ቅድሚ ምሟታ ድሮ ካብ ዝጠፍእ 30 ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ፤ ሕጅስ ምምጽኡ እዩ ኢላትኒ ነይራ። ንወደይ ክደልዮ እንከለኹ ድማ ንነብሰይ ጥራይ ኢለ ዘይኮንኩ፡ ትምኒት ኣደይ ንኽሳኻዕ እውን እዩ ነይሩ።
ኣደይ 15 ጥሪ'ያ ዓሪፋ፤ እታ ዕለት ድማ መዓልቲ ልደት ማኦ ዩን እዩ፡። እታ ንዓይ ዝወለደትኒ ዝዓረፈትሉን ኣነ ወደይ ዝተወለደሉን ኣብ ሓደ ዕለት ምዃኑ ኣደይ ሞይታ ንወደይ ከም ዝረኽቦ ኣብ ውሽጠይ ፉሕ ፉሕ ዝብል ስምዒት ክወረኒ ጀሚሩ"።
ግንቦት 10 ኣብ መዓልቲ ኣዴታት ሊ ጂንግዝሁ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ከተማ ዝያን "ማኦ ዩን ተረኺቡ'ሎ" ዝብል መልእኽቲ በጺሕዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሊ ጂንግዝሁ "ሓቂ ምዃኑ ክኣምን ኣይክኣልኩን" ትብል።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ቀደም ካብ ዝያን ዝተሰርቀ ቖልዓ ከም ዝፈልጥ ሓበሬታ ይህብ።
እቲ ውልቀ ሰብ፡ ናይቲ ቀደም ካብ ከተማ ዘያን ተጨውዩ ዝብሎ ስእሊ'ውን ኣብ ኢዱ ሒዙ ነይሩ።
ሊ ጂንግዝሁ ነቲ ሓበሬታን ነቲ ስእልን ሒዛ ናብ እንዳ ፖሊስ ከይዳ ሓበሬታ ብምሃብ፡ ፖሊስ ነቲ ስእሊ ኣብ ኮምፒዩተር ብምእታው ብገጽ ዘለሊ መሳርሒ ተሓጊዞም፡ እቲ ውልቀ ሰብ ካብ ከተማ ዝያን 700 ኪሎሜተር ርሒቃ ኣብ እትርከብ ኣብ ከተማ ዞባ ሲሽዋን ከተማ ቸንግዱ ዝነብር ምዃኑ ኣረጋገጹላ።
እቶም ፖሊስ ነቲ ውልቀ ሰብ ረኺቦም መርመራ ዲኤንኤ ክገብር ኣእመንዎ፤ እቲ ውጽኢት ድማ 10 ግንቦት ተነጺሩ። ድሕሪ እዚ'ዩ ንሊ ጂንግዝሁ ብስራት ዝሓዘ መልእኽቲ በጺሕዋ።
ኣብ ዝሰዓበ ሳምንታት ፖሊስ ቅምሶ ናይ ደም ብምውሳድ ነቲ ብዲኤንኤ ዝገበርዎ መርመራ ተወሳኺ መርመራ ብምግባር ንዕኡ ዘራጉድ ውጽኢት ረኺቦም ኣደን ውላድን ምዃኖም ኣረጋገጹ።
"መርመራ ዲኤንኤ ምስ ገበርኩ'የ ወደይ ብህይወት ከም ዘሎ ኣሚነ" እትብል ሊ ጂንግዝሁ፡ ድሕሪ 32 ዓመታት ልዕሊ 300 ዘይዕዉት ድልያ/ኣለሻ ንወዳ ረኺባቶ።
ሰኑይ 18 ግንቦት ኣደን ውላድን ዝራኸቡላ ዕለት ክትከውን ተሓረየት።

ምንጪ ስእሊ, CCTV
ሊ ጂንግዝሁ ርብሽ ርብሽ ክትብል ጀሚራ፤ መዓልታት ልዕሊ ዓቐን ነውሑዋ።
ወዳ፤ ዓብዩ፣ ተመርዕዩ ኣብ ውሽጣዊ ምምልኻዕ ገዛውቲ ዝነጥፍ ናይ ውልቁ ትካል ከፊቱ እዩ ዝነብር።
"ቅድሚ ምርኻብና ብዙሕ ሻቕሎት ነይሩኒ። ምባልባት ኣይፈልጠንን ወይ ኣይዝክረንን ይኸውን ወይ'ውን ዘይክቕበለኒ ይኽእል እዩ፣ ካብ ልቡ'ውን ጠቕሊሉ ሓግሒጉ ኣውጺኡኒ ይኸውን ይብል ነይረ። ንኸምዚ ከማይ ንዝጠፈአ ውላዳ ኣብ ምድላይ ዘሕለፈቶ ወላዲት ግን 32 ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን " ትብል ሊ ጂንግዝሁ።
ብዛዕባ ዝጠፍኡ ቖልዑ ክትዛረብ ኣብ ማዕከናት ዜና ብተደጋጋሚ ትቐርብ ስለ ዝነበረት፡ ውላዳ ምርካቡ ምስ ተሰመዐ ብዙሓት ማዕከናት ዜናታት ነቲ ክስተት ብኣንክሮ ክከታተልኦ ጀሚረን።
ሊ ጂንግዝሁ ምስ ውላዳ ኣብ እተራኸበሉ ዝነበረት ግዜ'ውን ከም ሲሲቲቪ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ቻይና ነቲ ፍጻመ ዓቢ ሸፈነ ሂበነኦ።
ማኦ ዩን ናብ ወላዲቱ እናጎየየ እንከሎ ድማ ኣብ ቴሌቪዥን ተራእዩ።
"ብህጻኑ እንከሎ ልክዕ ከምዛ ሕጂ ገይሩ ዝጎያ ዝነበረ ገይሩ እዩ ዝሕቆፈኒ ነይሩ" ትብል ሊ ጂንግዝሁ።
ሊ ጂንግዝሁ፡ ውላዳ ኣብ ዞባ ሺቸዋነ ናብ ዝርከቡ ውላድ ዘይብሎም ስድራ ብ6000 የን (ብናይ ሕጂ 840 ዶላር) ከም ዝተሸጠ ፈሊጣ።
እቶም ገዚኦም ዘርዓምዎ ወለዲ ድማ ጉ - ኒንግኒነግ ዝብል ስም ኣጠሚቖም ከም ውላዶም ብጽቡቕ አዕብዮሙዎ።
ማኦ ዩን ንወላዲቱ [ወላዲቱ ምዃኑ ከይፈለጠ እንከሎ] ኣብ ቴሌቪዥን ብዛዕባ ዝጠፍኡ ህጻናት ክትዛረብ እንከላ ይርእያ ከምዝነበረ ብምጥቃስ "ከመይ ዝኣመሰለት ርህርህቲ ወላዲት'ያ" ይብል ምንባሩ ይሕብር።
እንተኾነ ኣደይ ኢያ ዝብል ቅንጣብ ሓሳብ ከም ዘይነበሮ ይዛረብ።
እቲ ንሊ ጂንግዝሁ ብዛዕባ ውላዳ ዝነገራ ሰብ መንነቱ ክግለጽ ፍቃደኛ ኣይኮነን።
ኣደን ውላድን ድሕሪ ምርኻቦም ማኦ ዩን ምስ ወላዲቱን ኣቡኡን ኣብ ከተማ ዝያን ንሓደ ወርሒ ምስኦም ተቐሚጡ።
ኣብዚ ህሞት እዚ ኣደን ውላድን ናይ ቀደም ኣሳእል እናፈታተሹ ነዊሕ የዕልሉ ነይሮም። ማኦ ግን ህጻን ስለ ዝነበረ ዝኾነ ክዝከሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን።

ሊ ጂንግዝሁ ንወዳ ናብቲ ብህጻኑ ሒዛቶ ትኸይድ ዝነበረት ጎቦታት ሒዛቶ ከይዳ ፡ "ጅያ ጅያ ንዓ ክሓዝለካ" ድኣ ትበሎ'ምበር ሕጂ ንሱ ዓብዩ ንሳ'ውን ዳርጋ ኣሪጋ እያ።
"ኩሉ ነገር ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ኣነ ጓል 28 ዓመት ንሱ ወዲ ክልተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ኮይኑ ህይወትና ክንጅምር ኣይምጸላእኩን። ህይወት ግን ነዚ ተፍቅድ ኣይኮነትን። ኣብ ሞንጎ ሓደ ገንጫር ዝኾነ 32 ናይ ስቓይ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ዕድመ ክልቴና ድማ ማዕሪኡ ወሲኹ" ትብል ሊ ጂንግዝሁ።
ማኦ ዩን ናብቲ ኣቐዲሙ ዝነብረሉ ዝነበረ ከተማ ቸንግዱ ተመሊሱ፡ ወላዲቱ ድማ ኣብ ከተማ ዝያን ትነብር ኣላ።
ብዙሓት ሰባት ንውላዳ ናብቲ ንሳ ትነብረሉ ዘላ ከተማ ንኽቅይር ከተእምኖ ይምዕድዋ'ዮም።
ንሳ ግን ኣብ ህይወቱ ዝኾነ ሕልኽላኽ ክትፈጥረሉ ከም ዘይትደሊ ብምሕባር ሕርይኡ ክገብር ከምትፈቱ'ያ ትገልጽ።
"ዓብዩ እዩ፤ ናቱ ህይወት ናቱ ኣተሓሳስባ ኣለዎ። ተመርዕዩ፡ ስድራ ዝመስረተ ሰብኣይ ስለ ዝኾነ ጸጽቡቑ'የ ዝምነየሉ። ሕጂ ወደይ ኣበይ ከም ዘሎ ስለ ዝፈልጥ ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ የለን"።
ሊ ጂንግዝሁ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝጠፍኡ ህጻናት ኣብ ምርካብ ብዘበርከተቶ ብምምስጋን ማዕከናት ዜናታት ቻይና'ውን እኹል ኣቓልቦ ይህበኦ ስለ ዘለዋ ቁጽሪ ዝጭወዩ ቖልዑ ከምዝውሓደን፡ ጠፊኦም ዝጽንሑ'ውን ብብዝሒ ምስ ወለዶም ይራኸቡ ምህላዎም ትሕብር።
እንተኾነ፡ ሕጂ'ውን ደቆም ዝጠፍእዎም ደቆም ዝደልዩ ወለዲ ከምኡ'ውን ወለዶም ዝደልዩ ህጻናት ኣብ ቻይና ብብዝሒ ከም ዘለዉ ብምሕባር ብሕጂ ብዙሕ ክስራሕ ከም ዘለዎ ትምሕጸን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







