ገብረእግዚኣብሄር ገበረ፡ ተዓዋቲ ዓለምለኻዊ ሽልማት ሄርማን ግማይነር ኣዋርድስ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Gebreegziabher
ኢትዮጵያዊ ገብረእግዚኣብሄር ገብረ ተዓዋቲ ናይቲ ብኤስ ኦ ኤስ 'ቪሌጅ' ዝተዳለወ ዓለምለኻዊ ሽልማት ሄርማይ ግማይነር ኣዋርድ ኮይኑ።
ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዝወጸ ዜና፡ ኣብቲ ብኦንላይን ዝተወሃበ ድምጺ ብዝረኸቦ ቁጽሪ፡ ገብረእግዚኣብሄር ካልኣይ ከም ዝወጸ እኳ ተገሊጹ እንተነበረ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ምዕጻው ኢንተርነት ኣብ ግምት ብመእታው ንፈለማ እዋን ክልተ ሰባት ተዓወቲ እቲ ሽልማት ኮይኖም ምህላዎም ተገሊጹ።
"ሎሚ ንጉሆ ብኢመይል፡ ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊትካ ኣሎኻ ኢሎምኒ፤ ዘይተጸብኽዎ ብምንባሩ ብጣዕሚ ተሓጒሰ" ኢሉ ገብረእግዚኣብሄር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።
ገብረእግዚኣብሄር መን'ዩ? ብዛዕባ ህይወቱን እቲ ዝሳተፎ ዘሎ ውድድርን ኣዘንቲዩልና'ሎ።
መበገሲ ጉዕዞ ህይወት!
ብ1977 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ካብ ከተማ ውቕሮ ከባቢ ሓደ ሰዓት ምስ ተጓዓዝካ ኣብ እትርከብ ደስአ ዝተበሃለት ንእሽተይ ቁሸት ተወሊደ። እቲ ዝተወለድኩሉ እዋን ድማ ኣብ እዋን ኢትዮጵያ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ኣጋጢሙ ነይሩ። ኣቦይን ኣደይን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ደርቂ ሞይቶምኒ። ካብ ድኻ ስድራ ስለዝተወለድኩ'ውን ካልኦት ኣዝማድ ወሲዶም ከዕብዩኒ ኣይከኣሉን። ሽዑ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ ህጻናት ዝዓብዩሉ ዓብዪ ትካል ኤስ ኦ ኤስ ወሲዶም ኣረኪቦምኒ።
ናብቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ክወስዱኒ እንከለዉ ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ እየ ነይረ። ናብኡ ምስኣተኹ ከም ኣደ ኮይና ክተዕብየኒ ዝተቐበለትኒ ኣደ፡ መድህን ትበሃል። ከም እኖ ኮይና ናይ ኣደ ፍቕሪ እናለገሰት ድማ አዕቢያትኒ።
ብዕድመ ምስ ዝዓብዩኻን ዝንእሱን ኣሕዋትን ኣሓትን ተኸቢብካ ኢኻ ትዓቢ። ልክዕ ካብ ሓንቲ ማህጸን ከምዝወጽኡ ኮይንና ኢና ንነብር። ዓበይቲ ንብትሕቲኦም ዘለዉ ክንክን እናገበሩ ብምክብባርን ብፍቕርን ኢና ዓቢና።
ትካል ኤስ ኦ ኤስ፡ እቲ ጽቡቕ ነገሩ ወለዲ ወይ ቤተሰብ ንዝሰኣኑ ቖልዑ ብወለዲ ዘዕቢ ምዃኑ እዩ። እኖ፣ ኣሓትን ኣሕዋትን ይህበካ። ኩሉ ዘድልየካ ነገራት ኣማሊኡ እናተመሃርካ ክትዓቢ ዕድል ዝህበካ ትካል እዩ። ከም ቆልዓ ጽቡቕ ብዝበሃል ክንክንን ፍቕርን ከኣ እየ ዓብየ።
መገሻ ወዲ 12 ዓመት ናብ ጋና
ኣብ ትምህርተይ ጽቡቕ ውጽኢት የምጽእ ስለዝነበርኩ ንዝሓሸ ዕድል ትምህርቲ ኣብ ጋና ናብ ዝነበረ ናይ ኤስ ኦ ኤስ ካልአይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተላኢኸ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነብሩ ቖልዑ ብትምህርቶም ጽቡቕ ውጽኢት እንተሃልይዎም ናብቲ ኣብ ጋና ዝርከብ ቤት ትምህርቲ እዮም ዝለኣኹ። ኣብቲ ኣነ ዝኸድኩሉ እዋን ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ቖልዑ ብምምጽኦም ሓድሽ ህይወት ጀሚረ።
ብርግጽ ካብ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ቖልዑት ኢና ተመሪጽና ናብታ ሃገር ከይድና። ኣነ ድማ ካብ ትግራይ ሓደ ነይረ። እቲ ህይወት ሓድሽ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ናይ ቋንቋን ባህልን ለውጢ'ውን ስለዝነበረ ህይወት ቁሩብ ክብድ ምባሉ ኣይተረፈን።
ኣብኡ ነቲ ዝነበረ ብድሆታት ብምጽዋር ኣብ ትምህርተይ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝግብ'የ ጀሚረ። ቀዳማይ ደረጃ ይወጽእ ስለዝነበርኩ ድማ ናብ ኣሜሪካ ካልእ ዕድል ትምህርቲ ተዋሂቡኒ ናብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ኣትየ። ኣብኡ ብሒሳብ (ቁጽሪ) ምስተመሃርኩ ብዝለዓለ ውጽኢት ብመዓርግ ተመሪቐ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ሓይሊ ወይ ኢነርጂ ኤለክትሪክ ብዝተሓሓዝ ምስ ዝሰርሕ ትካል እናሰራሕኹ እነብር።

ምንጪ ስእሊ, Gberegziabher
ዕድል ሕጹይነት ንሽልማት
ስያመ እቲ ውድድር "ሄርማን ግማይነር ኣዋርድ" እዩ ዝብል። ዕላምኡ ድማ ኣብ ማእኸል መዕበዪ ህጻናት ኤስ ኦ ኤስ ዝዓበዩ መናእሰይ ንኽወዳደሩ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ኣብኡ ዝወዳደሩ ሰባት ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝበጽሑ ካብኡ ድማ ምልስ ኢሎም ንሕብረተሰቦም ኣብ ምሕጋዝ ዝርከቡ መናእሰይ ኮይኖም ንስርሖም ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዳለዉ ዓለም ለኻዊ ሽልማት እዩ።
ኣብቲ ማእኸል ልዕሊ 87 ሽሕ ህጻናት እዮም ዓብዮም። ኣነ ድማ ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ እንከለኹ ዝኣተኹን ናይቲ ትካል ዕላማ ዝገልጽ ታሪኽ ዘለንን እየ። ተማሂረ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሐ ኣብ ስራሕ እርከብ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ምስ መሓዙተይ ብምዃን ሓደ ፋውንዴሽን ብምጥያሽ ንሰርሕ ኣሎና።
እቲ እንሰርሖ ስራሕ ኢትዮጵያ እትርከበን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጠቓልል ኮይኑ ኣብ ትምህርቲ ዘትኮሩ ሓገዛት ኢና ንህብ። ኣብዚ ስራሕ ድማ ዳርጋ 10 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።
ንትምህርቲ ዘድሊ ናውቲ ንዘይተማልአሎም ህጻናት ዘድልዮም ነገር ኢና ነቕርበሎም። ስለዚ በዚ ስራሕ ተረባሕቲ ዝኾኑ ኣካላት እዮም 'ብዝገበርካልና ነገር ሕጉሳት ኢና፤ ንረብሕ ኣሎና " ብዝብል እዮም ናብቲ ውድድር ኣቕሪቦምኒ።
ብዝተመሃርኩሉ ዓውዲ ኣብ ዝወፈርኩሉ ስራሕ'ውን ጽቡቕ እሰርሕ ኣለኹ። ስለዚ እዚ'ውን ካልእ ምኽንያት እዩ። እቲ ካልእ ጉዳይ ከኣ ኣብቲ መዕበዪ ህጻናት ዓብየ ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብቲ ማእኸል ንዝርከቡ ዝተወሰኑ ቖልዑ 'ስፖንሰር' ኮይነ [ብገንዘብ እናሓገዘ] የዕብዮም ስለዘለኹ ሕጹይ ኮይነ ክቐርብ ኣኽኢሉኒ'ሎ።
ካብ 2004 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ኣብ ዝዳሎ ሽልማት ድማ ብዙሓት ክሳተፉ ጸኒሖም እዮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣነ ዝርከቦም ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ፤ ከምኡ'ውን ብደቂ ኣንስትዮ ኣርባዕተ ኢና ሕጹያት ኮይንና ቀሪብና።
ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ሰባት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት እዮም። ኣነ ካብ ኢትዮጵያ ቀሪበ። ካልኦት ሰለስተ ድማ ካብ ላይቤርያ፣ ሮማኒያን ኣልባኒያን ዝተወከሉ ነይሮም። እተን ኣርባዕተ ደቂኣንስትዮ'ውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እየን።
ሕጹይ ኮይነ ጥራይ ምቕራበይ ከም ዓብዪ ዕድል እየ ዝወስዶ፤ ምኽንያቱ ብስም መስራቲ ኤስ ኦ ኤስ ዝኾነን ኣቦ ብዙሓትን ሄርማን ግማይነር ዝተሰየመ ምዃኑ ንዓይ ዓብዪ ሽልማት እዩ።
ውድድር ከመይ ነበረ?
ብጣዕሚ ጽቡቕ ውድድር እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ሽዑ ክጅመር እንከሎ 'ምናልባት ዝፈልጦምን ዝፈልጡንን 100 ዝኾኑ ሰባት ጥራይ ድምጺ ክህቡኒ ይኾኑ እዮም' ዝብል ትጽቢት ነይሩኒ።
እቲ ውድድር ምስተጀመረ ግን ካብ ትጽቢተይ ንላዕሊ ዝኾነ ድምጺ ክረክብ ጀሚረ።
ኣብቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰብ እዩ ብኦንላይን ድምጺ ሂቡ። ብርትዕ ዝበለ ውድድር'ዩ ነይሩ። እቲ ብጣዕሚ ዘሕጎሰኒ ድማ ደቂ ሃገረይ ስመይ ምስቶም ተወዳደርቲ ምስረኣዩ "እቲ ሽልማት ናይ ገብረእግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኮነስ ንዓዲ ዝውክል እዩ" ብዝብል ኣነ ንኽዕወት ካብ ዝነበሮም ድልየት ብዝከኣሎም ጽዒሮምለይ እዮም። ንናተይ ስም ጥራይ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰብ እዩ መሪጹ።
ብርግጽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ምቁራጽ ኢንተርኔት ኣብ ናተይ ውጽኢት ጽልዋ ከምዘሕደረ ይኣምን እየ። ምኽንያቱ እቲ ውድድር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብኦላይን ዝወሃበኒ ዝነበረ ድምጺ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ ነይሩ።
ዝመራሕኹሉ ኣጋጣሚ'ውን እዝክር። ናይቶም ካልኦት ተወዳደርቲ 10 ወይ 15 ሚእታዊት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናተይ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ነይሩ።
ስለዚ ኢንተርኔት ምዕጻዉ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ክረኽቦ ዝነበረኒ ድምጺ ክስእኖ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። እቲ ምቁራጽ እንተዘየጋጥም ነይሩ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ምረኸብኩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ኣብቲ ናይ ኦንላይን ውድድር ብኻልኣይ ደረጃ ዘስርዓኒ ድምጺ እየ ረኺበ። ናብዚ ንኽበቅዕ ንዝጸዓሩ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ተጋሩ ከምኡ'ውን ኣብ መቐለ ኮታስ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኮይኖም ንዝጸዓሩለይ ካብ ልቢ የመስግን።
"ቤተሰብይ እናፍቕ"

ምንጪ ስእሊ, Gberegziabher
ቆልዓ ኮይነ ኣብ ኤስ ኦ ኤስ ዘሕለፍክዎ እዋን ኩሉ ግዜ እየ ዝዝክሮ። ሎሚ'ውን እንተኾነ ምስቶም መተዓብይተይ ዝነበሩ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንራኸብ ኢና። ነቲ ኣብኡ ዘሕለፍክዎ ህይወት ከምኡ'ውን ኣብኡ ዝነበሩኒ ቤተሰበይ እናፍቕ።
ብፍላይ ከም ኣደ ኮይና ንዘዕበየትኒ መድህን ክሳብ ሎሚ ስጡም ርክብ ኣለና። ተማሂረ ኣብ ዝተመረቕኩሉ እዋን ከምኡ'ውን ሓደር ገይረ ኣብ ዝወለድኩሉ እዋን ናብዚ ኣነ ዘለኹሉ ኣሜሪካ መጺኣ ነይራ። ንዓይ ካብ ኣደ ንላዕሊ እያ። ኣብዚ እዋን ሓዳር ገይረ ክልተ ቖልዑት ኣለዉኒ።
ኣብዚ እዋን ኣብ መቐለ ክሰርሖ ዝወጠንክዎ ሓደ ፕሮጀክት ኣለኒ። ብዘይክኡ ግን ብዝተመሃርኩሉን ብዝሰርሓሉ ዘለኹን ሞያ ናብ ትግራይ ከይደ ከገልግል ሓሳብ ኣሎኒ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







