ኣፍካ ዘየኽድን ኤርትራዊ ስውእ ተጋዳላይ ተስፋይ ወዲ ባይረ

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Information
ስርዓት ደርግ ኣብ 1974 ንንጉስ ሃይለስላሴ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣወጊዱ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ኤርትራ ተባሪዑ ዝነበረ ቃልሲ ናጽነት ንኺቖጺ፡ “ኩሉ ዓቕምና ናብ ሰሜን ጦር ግንባር፡ (ሁሉም ነገር ወደ ሰሜን ጦር ግንባር) ብምባል፡ ኣሎ ዝበሃል ሰራዊቱን ሓጻውኑን ኣኽቲቱ ንኤርትራ ዘመተ።
ሽዑ ውድባት ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን ንኣስመራ ከቢበን ከቢድ ኩናት የካይዳን ንውሽጢ ከተማ ኣትየን ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ንጥፈታት የካይዱ ስለዝነበሩ፡ ከተማ ኣስመራ ብተኹሲ ተናዊጻ እያ ትሓድር ነይራ።
እቲ ንርእሰ ከተምኡ ተቖጻጺሩ ናጽነቱ ክእውጅ ዝደሊ መውጽኢ ሓራ ሰራዊትን እቲ መግዛእቱ ከጽንዕ ዝቃለስ ናይ ደርግ ሓይልን ኣብ ከቢድ ቁሩቁስ ስለዝነበሩ ከኣ፡ እቶም ኣብ ኩናት ስዕረት ዘጋጥሞም ዝነበረ ወተሃደራት ‘ዘይ ኩሎም ሓደ እዮም’ ብምባል ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ እታ ከተማን ከባቢኣን ከቢድ ግፍዒ ይፍጽሙ ነይሮም።
ሽዑ ከቢድ ዕግርግር ስለዝነበረ እቲ እዋን ንባዕሉ ‘ብዘበነ ዕግርግር’ እዩ ዝዝከር። ንቡር ሰላማዊ ህይወት ህዝቢ ተዘሪጉ፡ ኩሉ ዕግርግር እዩ ዝብል። ኣስመራ ከም ሽዑ ተረቢሻ ኣይትፈልጥን። ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ህዝባን መንእሰያታን ተናዊጾም።
ጦር ሰራዊት “ወንበዴታት ንከተማ ኣትዮም ሓዲሮም” እናበሉ፡ ኣብ ፈቐድኡ ኣባይትን ገዛውትን እናፈተሹ፡ ዓፋኝ ዝተሰምዩ ጉጅለ ቀተልቲ፡ ህዝቢ ከርዕዱን ክድህሉን ነንዝጠርጠሩዎ መንእሰይ ይኣስሩን ብጃምላ ይርሽኑዎን ነይሮም።
ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ኣስመራ፡ ብስልኪ ዝተሓንቁን ብጥይት ዝተቐትሉን መናእሰያት ምርኣይ ንቡር ኮይኑ።
ውላዳ ከይመጽአ ዝሓደረት ስድራ፡ ኣንጊሃ ናብ ሕክምና’ያ ትጎዪ። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ፈቐድኡ ጎደናታት ዝተቐትሉ መንእሰያት፡ ናብ ሆስፒታላት እዮም ብመካይን ጽዕነት ዝጓረቱ።
ብዙሓት ብዝወጽኡዎ ዝጠፍኡ ደሃዮም ከይተሰምዐ ዝተሰወሩ ኣሽሓት ስለዝኾኑ፡ ሬሳ ውላዳ ኣለልያ ክትቀብር ዝኸኣለት ስድራ ከም ዕድለኛ እያ ትቑጸር ነይራ።
ህይወት ኣስመራ መሪሩን ዓርዒሩን።
ኣብ ርእሲ እቲ ኩናት እታ ከተማ ብኹሉ ኩርናዕ ስለዝተኸበት፡ ሕጽረት ሃለኽቲ ነገራት ኣጋጢሙ ቁጠባዊ ቅልውላው ዓሪጉ።
ብዙሓት ስድራ-ቤታት ነናብ ትውልዲ ዓደን ሃዲመን። ኣብቲ እዋን እቲ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ንመንእሰያት ደቀን፡ ኪዱ ሞት ብሞቱስ ምስ አሕዋትኩም ተቓሊስኩም ንሃገርኩም ተሰውኡ ኢለን መሪቐን ኣስኒቐን አዕጢቐን የፋንዋ ምንባረን ኣብ ፈቐድኡ ዝዕለል ዘረባ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Information
ኣብቲ እዋን እምበኣር መንእሰያት ኤርትራ፡ ነቲ ብግፍዒ ዘናወጾም መግዛእታዊ ስርዓት ብብረት ክገጥሙ፡ እግሮም ብዘዝመርሖም በብዝሰለጦም ብሎኮ እናወጽኡ፡ ናብ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ይፈሱ ነይሮም።
ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ሰለስተ ዝኾኑ ድልዱላት፡ ኣፋሩ መንእሰያት፡ “ክንጋደል ኢና መጺእና’ሞ ክተቡና” ክብሉ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓሪደን ናብ ዝነበራ ኣሃዱታት፡ ናብ ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ ጋንታ ተኽለብርሃን ሓንኪሽ መጽኡ።
“ህዝባዊ ሓይልታት ታዕሊም ጠጠው ኣቢሉ እዩ - ኣይንቅበልን ኢና ኪዱ ተመለሱ። ምኽታብ ምስተጀመረ ትመጽኡ” ኢሉዎም ሓንክሽ።
“ኣይንምለስን” ኢሎም እቶም መንእሰያት። ኣብ ኣስመራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ይርእዩ ምንባሮም፡ ሞት ብሞቱ ምስ ኣሕዋቶም ኣብቲ ንናጽነት ዝካየድ ዝነበረ ተጋድሎ ክስውኡ ብምድላይ።
“እሞ ሕጂ ሓደስቲ ክንቅበል ዓቕሚ የብልና፡ ትኸዱ” ምስ ተባህሉ፡ “ኣይንኸይድን” ኢሎም ኣቕቢጾም። እንተተሪርናስ ክቕበሉና’ዮም ኢሎም ካብ ምሕሳብ።
እቲ መራሕ ጋንታ ግን ብተመሳሳሊ ካልእ ሕቶታት ሰልኪይዎ ስለዝነበረ፡ “ኣይትምለሱን” ኢሉ ብበትሪ ኣተዎም። ደሪዑ ደሪዑ ከኣ ከይፈተዉ ከም ዝምለሱ ገበሮም።
እቶም ምስ አሕዋትና ኬንና ክንጋደል ኢሎም ዝመጽኡ መንእሰያት ክህረሙ ዝረኣየት ሓይሊ፡ ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ፡ ንተግባራት ተኽለብርሃን ሓንኪሽ ኣይደገፈቶን።
እቶም መንእሰያት ድሕሪ ምኻዶም ከኣ “ስለምንታይ ይህረሙ” ዝብል ሆጭ ዝበለ ኣኼባ ተኻዪዱ።
‘እቲ ዝገበርካዮ ተግባር ጌጋ’ዩ፡ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ ኣረዲእካ ደኣ ክምለሱ ነይርዎም እምበር ክህረሙ ኣይነበሮምን’ ኢሎም ነቐፌታ ኣዝኒቦሙሉ ብጾቱ።
ለሚኑዎም ምስማዕ ከምዝኣበዮዎ እኳ እንተገለጸ፡ ‘እቲ ተግባር ቅቡል ኣይኮነን’ ተባሂሉ፡ ብመራሕ ሓይሉ በርሀ ጻዕዳ መቕጻዕቲ ተወሲኑሉ።
ኣዛዚ ጋንታ ተኽለብርሃን ሓንኪሽ፡ ኣብ ኲናት ከቢድ መውጋእቲ ዘጋጠሞ ስንኩል’ዩ ነይሩ። ግን ከኣ ሕጊ ሰውራ ንኹሉ ኣሕቢሩ ስለዝቐጽዕ ጠልፈፍ እናበለ ዓቢ ጎቦ ይወጽእ ነይሩ።
ድሕሪ ቁሩብ እዋን፡ እቶም ‘ሓደስቲ ኣይንቕበልን ኢና’ ተባሂሎም ንኣስመራ ዝተመልሱ መንእሰያት፡ ብገለ ሞሊቖም ናብ ካልእ ኣሃዱታት ከይዶም ዕድል ገይሮም፡ ሰሊጡዎም ተሰሊፎም።
ታዕሊም ወዲኦም ምስ ተመደቡ ከኣ፡ ሓደ ካብኣቶም፡ ምስቶም ክህረሙ እንከለው ዝረኣየ ሰብ ኣብ ሕክምና ተራኺቡ።

ምንጪ ስእሊ, ministry of information
ሓደ ካብቶም ተሃሪሞም ዝተመልሱ መንእሰያት ድሮ ኣጋር ሓኪም ተማሂሩ ሓኪም እዩ ኮይኑ ነይሩ።
“ኣንታ ብጻይ፡ ክንጋደል ኢልና መጺእና ቀጥቂጥኩም ዝመለስኩሙናስ እንታይ ክትረኽቡ ኢኹም” ምስበሎ ‘ኣለልየካ እንድየ” ንምባል።
“እውይ ኣታ ምስቶም ዝተሃርሙ ኔርካ ዲኻ” ብምባል ብድሕሬኦም እንታይ ከምዘጋጠመ ሓቢሩዎ።
“ብድሕሬኹም ደኣ ሓይሊ “ስለምንታይ ይህረሙ?” ኢላ ጫቚ ጫቚ እንድያ ኢላ። እቲ ዝሃረመኩም ከኣ ተቐጺዑ እንድዩ” ምስበሎ ግን ደንጊጹሉ።
“ክላእ እንታይ ገይሩዎም ወደይ፡ በቲ ሓደ መዳይ ደኣ ሓቁ እንድዩ፡ ለሚኑና እኮ እዩ፡ ምስ ኣበናዮ እዩ ተቖጢዑ እምበር” ኢሉ ተደናጊጹሉ - እንቋዕ ገበርዎ ኣይበለን።
ዝኾነ ኮይኑ እቲ ሌላ ካብኡ እዩ ዝጅምር። እዚ ዝዝረበሉ ዘሎ መንእሰይ ተጋዳላይ ተስፋይ ባይረ (ወዲ ባይረ) ይበሃል። እቲ ዘዘንቱ ዘሎ ከኣ መጎስ ብርሃነ እዩ።
ተስፋይ ባይረ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ኣብ ኣስኮላ ጥልያን ዝተማህረ፡ ብራጂኔሪ ዝተመረቐ፡ ግን ስራሕ ከይጀመረ ገድሊ ኤርትራ ስለዝተወዓወዐ ናብ ቃልሲ ዝተጸንበረ መንእሰይ’ዩ። ተስፋይ ምስ ወላዲቱ’ዩ ዓብዩ።
ወይዘሮ መብራት ምስ ጥልያን ይሰርሓ ስለዝነበራ ብተዘማዲ ደሓን ኣታዊ ስለዝነበረን ከኣ ንወደን አሐንቂቐን ኣብ ኣስኳላ ጥልያን እየን ኣምሂረንኦ። ተስፋይ በኹሪን ሓደን ስለዝነበረ ሓንቂቑ እዩ ዓብዩ።
ድሕሪ ዕልዋ ንጉስ ሃይለስላሴ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገር ስለዝተበላሸወ እቶም ዝሰርሓሎም ዝነበራ ጠላይን ንዓዶም ክምለሱ ወሲኖም። ነገር እንጀራ ኮይኑወን ከኣ ወይዘሮ መብራት ምሰኦም ንኢጣልያ ከይደን።
ኣብኡ እናሰርሓ ንወደን ኣመርዕየን ሓዳር ከትክለኦ ባህጊ ነይሩወን። ግን ወዲ ኣሎኒ እናበላ፡ ተስፋይ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ከምዝተሰለፈ ተነጊሩወን። ነገር ወላዲት ኮይኑወን ሰንቢደን።
ኣብ 1976 ካብ ኢጣልያ ንኤርትራ ኣትየን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓሪደን ናብ ዝነበራ ሓይልታት እናዞራ፡ "ተስፋይ ባይረ ዝበሃል ሰብ ኣይትፈልጡን እናበላ ደሃዩ ከጣይቓ ፈቲነን።
ሽዑ ተስፋይ ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ተመዲቡ ነይሩ። ኣጋጣሚ ግን ከይረኸበኦ ተመሊሰን። እንደገና ኣብ 1978 ተስፋይ ኣብ ብርጌድ 31 ሓኪም ሓይሊ ምስ ኮነ ኣብ ወኪ ዛግር በጺሐን ደልየንኦ እንተኾ ኣሃዱ ተስፋይ ምስተን ንኣስመራ ከጥቅዓ ዝብገሳ ዝነበራ ሓይልታት ስለዝነበረት፡ "ኣሃዶይ ናብ ኲናት እናኣተወት፡ ኣነ ንኣደይ ክርኢ ንድሕሪት ኣይምለስን'የ" ኢሉ ኣቕቢጹ።
“ናዓ ኣይፋልካን ቦታኻ ካልእ ሰብ ክንትክኣሉ ኢና” ተባሂሉ ብሓለፍቲ ተለሚኑ እውን ኣይሰምዐን።
“ኣይከውንን’ዩ፡ እትረፍ ኣስመራ ንእትኣክል ዓባይ ከተማ ከነጥቅዕ፡ ናብ ማንም ንእሽቶ ነቑጣ እውን እንተዝኸውን ካብ ሓይለይ ኣይፈለን’የ ኢሉ ኣብዩ። በዚ ከኣ ምስ ወላዲቱ ከይተረኣኣዩ ንሱ ናብ ኩናቱ ንሰን ከኣ ምስ ናፍቖተን ናብ ዋኒነን ንኣስመራ ተመሊሰን ብኡ ኣቢለን ንዓዲ ጥልያነን ተመልሳ።
ወይዘሮ መብራት ኣይቀሰናን ከብዲ ወላዲት ኮይኑወን እንደገና ድሕሪ ዓመት ካብ ዓዲ ጥልያን መጺአን ደሃይ ወደን ክረኽባ ኣብ ድፍዓት ከበሳ ናብ ዝነበራ ሓይልታት ኮለል ኢለን።
ግን ሽዑኡ እውን ተስፋይ ብስራሕ ኣርሒቑ ስለዝጸንሐ ደሃዩ እምበር ብኣካል ከይረኸበኦ ብዕድለን እናተማረራ ናብ ስደተን ተመልሳ።
ተስፋይ፡ ብውሽጡ ናፍቖት እተን ንበይነን ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይነን አሐንቂቐን ዘዕበየኦ ወላዲቱ እኳ እንተነበሮ፡ በቲ ንኹሉ ነገርካ ዘረስዕ ባህሊ ገድሊ ስለዝተገዝአ ግን ናፍቖቱ ክኢሉ ውራይ ቃልሱ ክገብር ተገደደ።
“ከብዲ ወላዲን ቀጥቅጥ፡ ከብዲ ውላደንከ ገጥ” ከም ዝብልዎ፡ ናይ መንእሰይ ነገር፡ ኣደይ ካብ መጽአትስ ክርእያ እባ ኣይበለን።
ምናልባት ነደይ ክርኢ ኢሉ ካብ ኣሃዱኡ ንድሕሪት እንተዝምለስከ እንታይ ምኾነን እንታይ ምተባህለን እውን ካልእ ዛዕባ፡ ካልእ ኣርእስቲ’ዩ።
ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ውድብ፡ “ኣደይ፡ ኣቦይ፡ ሓወይ፡ ሓፍተይ” ዝብል ባህሊ ኣይተለምደን። ኩለንትናኻ ብጾትካ እዮም። እትረፍ ወላዲትካ ንክትርኢ ናብ ኲናት ንዝብገስ ዝነበረ ኣሃዱኻ ገዲፍካ ንድሕሪት ክትምለስ፡ ኣብ ኲናት እውን እንተኾነ ብጥይት ተሃሪምካ ከተብቅዕ፡ ነቲ መውጋእቲ ክትጾሮ እንተኺኢልካ ክትቅጽል እዩ ዘሎካ።
ብጾትካ ኪድ ተመለስ ኢሎም እንተዘይደፋፊኦሙኻ ተወጊእካ’ውን እንተኾነ ንድሕሪት ምምላስ ኣይነበረን። ብባህሊ እቲ ሰውራ ነውሪ እዩ።
ካብ ስራሕ ወጻኢ ዘይገብረካ መውጋእቲ እንተኾይኑ፡ ክሳብ ተሰኒፍካ እትወድቕ ጠልፈፍ እናበልካ ከተገልግል ኣለካ።
ንሱ እዩ’ቲ ባህሊ። እዚ ባህሊ እዚ ከኣ ማንም ሰብ ዘይጥሕሶ፡ ማንም ዘየፍርሶን ዘየርክሶን፡ ኣብቲ ቃልሲ ዝተሰረተን ዝሰረጸን ኣይካይዳ’ዩ።
ተስፋይ ከኣ ነቲ ነገር’ቲ ክሰግሮ እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ - ከምኡ ከኣ ገይሩ።
ኣብ 1978፡ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓካይም፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ብምሃብ ዓቕሞም ኣማዕቢልካ ናይ ቦጦሎኒ ሓካይም ክኾኑ ስለዝተደልየ፡ ካብ ሃገርን ወጻእን ብዝተሰለፉ ገዳይምን ምኩራትን ሓካይም ስልጠና ክወስዱ ኣብ ፍልፍል ተኣከቡ። መጎሰን ተስፋይ ባይረን ከኣ ካብቶም ተመሃሮ ነበሩ።
እንተኾነ፡ ኩሉ ተጋዳላይ ብረት ሒዙ ክዋጋእ እምበር ሳንጣ ሕክምና ጸይሩ ሰባት ክሕክም ዝደሊ ብዘይምንባሩ፡ “ኣነ ሕክምና ኣይመሃርን እየ - ብረት ክዓጥቕ እየ ዝደሊ” ዝብል ፋሉልነት ይረአ ነይሩ።
ዳርጋ ኩሎም እቶም ንክመሃሩ ዝተጸውዑ ስለ ዘዕገርገሩ ከኣ እቲ ስልጠና ኣብ ከረን ንክወሃብ ተወሰነ። እንተኾነ ኣብኡ እውን ቅሩብነት ስለዘይነበረ ኩሎም እቶም ፍልጠት ሕክምና ንከመሓይሹ ክመሃሩ ዝተሓጽዩ ሓካይም ናብታ ኣብ 78 ትቐውም ዝነበረት ብርጌድ 31 ተመደቡ።
ተስፋይ ባይረን ሞገስ ብርሃነን ከኣ ምስ ኩሎም ደቂ ኮሩሶም ኣብታ ሓዳስ ብርጌድ ከም ሓካይም ተመደቡ።
እቶም ክልተ ብጾት ሓካይም ቦጦሎኒ ኮይኖም ኣብ ሓንቲ ኣሃዱ እዮም ተመዲቦም - ዕርክነቶምን ብጻይነቶምን ከኣ መመሊሱ ዓሞቐን ዓምበበን።
እታ ኣሃዱ፡ ንኸተማ ኣስመራ፡ ኣብ ቀለቤት ኣብ ዘእተወ ድፍዓት ኮይና፡ ነቲ ኩናት ኦጋዴን ስዒሩ፡ “የካራማራ ድል በኤርትራ ይደገማል” ብዝብል ጭርሖ ንሰሜን ዝፈሰሰ ሓይሊ ኣብ ዓዲ ያዕቆብ ንምግትኡ ዝከኣላ ገይራ - ምዝላቕ ኮይኑ ምስ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ንሳሕል ወሪዳ።
ሓይልታት ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን ካብቲ ሒዘንኦ ዝነበራ ዕርድታት ከበሳ ለቒቐን ንሳሕልን ባርካን ኣዝለቓ።
እቲ ምዝላቕ፡ ንሰራዊት ደርግ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናኸተረ ይፍጸም ስለዝነበረ ተስፋይን መጎስን ከኣ ምስ ኣሃዱታቶም ኮይኖም ንጸላኢ እናዓንቀፉን ንውጉኣት ብጾቶም እናሓከሙን ንሳሕል ኣትዮም።
ብፍላይ ተስፋይ ባይረ ኣብ ዝተፈላለየ ኲናት ሓያል መውጋእቲ ኣጋጢምዎ እዩ። እቲ ወራራት ምስተዳኸመ እቲ ሰራዊት ኣብ ሳሕል ቀዋሚ ዕርድታት መስረተ።
ውድባት ጀብሃን ሻዕቢያን ተሓባቢሮም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ ኣብ ንሓድሕዶም ዝጸንሐ ህልኽን ውድድርን ስለዝገረረ ኣብ 1981 ኩናት ሓድሕድ ተኻይዱ ተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ወጺኣ።
ንኽልተ ዓመት ክዳሎ ዝጸንሐ ደርግ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ዝነበረ ሽግር ሓንሳብን ንሓዋሩን ክስዕር ገዚፍ ዓቕሚ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣኽቲቱ ብኣዋጅ ሻዱሻይ ወራር ፈነወ።
ድሕሪ ሻድሻይ ወራር እንታይ ኮነ ...ክቕጽል'ዩ!






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







