ቅልውላው ኣፍጋኒስታን፡ ሓደ ወትሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ነቶግቲ ወሪድዎ

መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሎም ከባብታት ዝርከቡ መንገድታት ብሓይልታት ፀጥታ ተዓፅዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሎም ከባብታት ዝርከቡ መንገድታት ብሓይልታት ፀጥታ ተዓፅዮም።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ናይ ኣፍጋኒስታን ካቡል ኣብ ዝርከብ ሓደ ወትሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ብዕጡቓት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሑድ 11 ወተሃደራት ተቐቲሎም። ካልኦት 16 ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ከምዝተጎድኡ ድማ ሚኒስትር ምክልኻል እታ ሃገር ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ኣብ ዝርከብ ሓደ ወትሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ድማ፡ ድምፂ ከቢድ ቶኽስን ነቶግትን ይስማዕ ኣሎ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ 5 ዕጡቓት ዝተሳተፉ እንትኾኑ፡ እቶም ኣርባዕተ ከም ዝተቐተሉን እቲ ሓደ ከም ዝተኣሰረን ተገሊፁ።

እቲ ማርሻል ፋሂም ሃገራዊ ኮለጅ ምክልኻል ብሰኑይ ንግሆ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እዚ ናይ ሎሚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናይቲ ህይወት ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሰብ ዝቐዘፈ ኣብ ኣምቡላንስ ብዝተጻወዱ ቦምባታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ስዒቢ መጺኡ። ዳዕሽን (እስላማዊ መንግስቲ) ጣሊባንን ኣብታ ከተማ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ጸኒሖም ኣለዉ።

ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ ኣትሒዙ ድምጺ ሓያሎ ነቶግትን ፎኮስቲ ብረታትን ከምዝተሰምዐ ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ካቡል ማሕፉዝ ዙበይደ ሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ኣፍጋኒስታን ቶሎ ድማ ሓይልታት ጸጥታ ንኹሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መንገድታት ከምዝዓጸውዎ ሓቢራ። ብመሰረት ጸብጻብ ቶሎ፡ ኣፈኛ ናይ ፕረሲደንት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ'ሎ። ዋላ ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ካብቲ ቀዳማይ ልዳት (ገይት) ከምዘይሓለፈ ድማ ሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ናይ ፈረንሳ ኤ ኤፍ ፒ ድማ ንሓደ ኣፈኛ ናይ ፖሊስ ብምጥቃስ ቶኽስን መጥቃዕቲ ሮኬታትን ከምዝነበረ ኣረጋጊጺ፡ ሕጂ ግን ኩነንታት ከምዝሃደአ ወሲኹ ጸብጺቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ድማ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ ቦታ መጥቃዕቲ ነይሩ፡ ብዕጡቓት ከምዝተፈጸመ ግን ንጹር ኣይኮነን። ገለ ጸብጻባት ድማ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣብ እዋን'ቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ይሕብሩ።

እቲ ብቐዳም ዝተኻየደ ናይ ኣምቡላንስ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ሰሙን ድሕሪ'ቲ ህይወት መብዛሕትኦም ወጻእተኛታት ዝኾኑ ዕስራን ክልተን ሰባት ዝቐዘፈ ኣብ ሓደ ሆቴል ናይ ካቡል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ስዒቡ መጺኡ። ጣሊባን ነቲ መጥቃዕቲ ከብዝፈጸሞ ተኣሚኑ።

ወትሃደራዊ ትካላት ኣፍጋኒስታን ብተደጋጋሚ ዒላማ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ክኾና ጸኒሐን ኣለዋ።

ዓሰርተ ሓሙሽተ ተዓለምቲ ወተሃደራት ኣብ ጥቅምቲ 2017 ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ናይ ካቡል ዝርከብ ማርሻል ፋሂም ወትሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ናይ ነታጒ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ነይሮም።