ክልተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ተቐቲሎም

ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣፍጋኒስታን 13,000 ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣለዉ

ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ተቐቲሎም፤ ሽድሽተ ከምዝተጎድኡ ተገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ወተሃደራት ኣሜሪካ ኮለኔል ሶኒ ለጌት፡ " ናይ ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ዩኒፎርም ዝተኸደነ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣሜሪካ ተኹሲ ብምኽፋት ንክልተ ብምቕታል፡ ንሽድሽተ ድማ ኣቑሲሉ" ኢሉ።

እዚ መጥቃዕቲ ትማሊ ቀዳም ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ግዝኣት ናንጋርሃር ከምዝተፈፀመ ድማ ኣፍሊጡ።

ኣሜሪካ ድሕሪ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ትዊን ታወርስ፡ ኣብ 2001 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንዕጡቓት ጣሊባን ንኽትምክት እያ ናብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራታ ልኢኻ።

ዛጊት ኣብታ ሃገር 13 ሽሕ ወተሃደራት ኣሜሪካ ተሪፎም ኣለዉ።

ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ግልፂ ከምዘይኮነ ዝሓበረ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ንምፅራይ ሓበሬታ ይእክቡ ከምዘለዉ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝርከቡ ወተሃደራት ዝበጽሐ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቁጽሪ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከምዝንኪ ተመፃቢዑ/ተመባጺዑ ነይሩ።

ጣሊባን ኣብ 2001 ካብ ዝነበሮ ሓይልን ዝርገሐን፡ ሕጂ ብዝያዳ ብዙሓት ግዝኣታት ተቖፃፂሩ ይርከብ።

ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን እቶም ዕጡቓትን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ሰላም እውን፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ተቛሪፁ እዩ።