ወዲ ቢንላደን ከም ዝተቐትለ ትራምፕ ኣረጋጊጹ

ሃምዛ ቢንላደን

ምንጪ ስእሊ, CIA

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ወዱ ንቢንላደን፡ መስራቲ ጅሃዳዊ ጉጅላ ኣልቃዒዳ፡ ሃምዛ ቢንላደን፡ ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ከም ዝተቐትለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ ጸብጺበን ነይረን።

ኣመሪካ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ መዝገብ ኣሸበርቲ ውልቀሰባት ኣእትያቱ ምንባራ ይዝከር።

ሃምዛ ቢንላደን ንኣቦኡ ክትከኦ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ተባሂሉ'ዩ ዝእመነሉ ነይሩ። እቲ ወዲ 30 ዓመት ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ሃምዛ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት መጥቃዕትታት ክፍጸም ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ።

"ሃምዛ ቢንላደን፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣልቃዒዳን ወዲ ቢንላደንን ኣብ ከባቢ ኣፍጋኒስታን/ፓኪስታን ብዝተኻየደ ስርሒት ኣንጻር ግብረሽበራ ኣመሪካ ተቐቲሉ'ሎ" ክብል ትራምፕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

"ኣልቃዒዳ፡ ሃምዛ ቢንላደን ምስኣና፡ ወዲ ቢንላደን ምዃኑ ዝወሃቦ ክብሪ፡ መሪሕነትን ክእለትን ዘስእና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስርሒታዊ ዓቕሚ ናይቲ ጉጅለ ዘዳኽም'ውን እዩ።"

እቲ መግለጺ፡ እቲ ስርሒት መዓስ ከም ዝተኻየደ ኣይገለጸን።

ኣመሪካ፡ ከትሕዞ ዝኽእል ሓበሬታ ንዝሃበ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክትህብ ምዃና ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣፍሊጣ ነይራ።

ሃምዛ ቢንላደን ሓደ ካብ መንእሰያት መራሕቲ ኣልቃዒዳ ምዃኑ ክንገረሉ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ከም ዝተቐትለን ወታሃደራት ኣመሪካ ከም ዝተሳተፍዎን እኳ ክግለጽ እንተጸንሐ፡ ኣበይን መዓስን ግን ብንጹር ኣይተገልጸን።

ቢንላደን ኣብ ጎን'ቶም ኣንጻር ምትእትታው ሕብረት ሶቬት ዝቃለሱ ዝነበሩ ሙጃሃዲን ኣፍጋኒስታን ንምውጋእ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታው፡ ኣብ 1989 ወጺኡ።

ቢንላደን ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ንጉጅለ ኣልቃዒዳ መስሪቱ። ኣብ 1996 ናብ ኣፍጋኒስታን ብምምላስ ድማ፡ ማዓስከራት ብምኽፋት ኣባላት ከሰልጥን ጀሚሩ።

ኣልቃዒዳ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ፡ ኣይሁዳውያንን ካልኦት መሓዙት ሃገራትን ኲናት ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር።

ንሱ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብመንግስቲ ጣሊባን ይድገፍ ምንባሩ ይግለጽ።