ፕረዚደንት ትራምፕ ወተሃደራት ኣሜሪካ ናብ ዝዓስከርሉ ኣፍጋኒስታን ምብጻሕ ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ዝዓስከርሉ መደበር ኣፍጋኒስታን ዘይወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዱ። ናቱ ምብጻሕ ናብ ኣፍጋኒስታን ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ።
ምኽንያት መብጽሒኡ ድማ ኣሜሪካውያን በብዓመቱ ኣብ ሕዳር 4 ዘብዕልዎ በዓል 'ታንክስ ጊቪንግ' ንምኽባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ትራምፕ ኣብ ናይ ኣፍጋኒስታን ጻኒሒቱ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ኣሽራፍ ጋኒ ዝተራኸበ ኮይኑ ምስ ወተሃደራት ኣሜሪካ ስእሊ ክሳኣል'ውን ተራእዩ።
ኣሜሪካ ምስ ጣሊባን ዘተ ክተካይድ ምጽናሓ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ቁጽሪ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ከጉድሎ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ድሕሪ ዘጋጠማ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ጣሊባን ንምድምሳስ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘስፈረቶ ቁጽሪ ሰራዊታ በብግዚኡ እናቐነሰ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን 13 ሽሕ ሰራዊት ጥራይ ተሪፉ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ኣፍጋኒስታን ክበጽሕ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ጣሊባን ናይ እሱራት ምቅይያር ክገብር ድሕሪ ምውሳኑ ስዒቡ ማዕጽኡ ንዘተ ርሕው ብምግባሩ እዩ።
ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ፡ ጣሊባን ካብ 2016 ጀሚሩ ኣሲርዎም ዝነበረ ክልተ ኣሜሪካውያን ምሁራት ስለዝፈትሐ፡ ኣሜሪካ'ውን ብወገና ኣሲራቶም ዝነበረት ሰለስተ ዕጡቓት ጣሊባን ፈቲሓ ኣላ።
"ቅድሚ ሕጂ ምስ ጣሊባን ንዘራረብ ነይርና ኢና" ዝበለ ትራምፕ፡ "ንሕና ውዕል ተኹሲ ደው ምባል ንደሊ ነይርና ንሳቶም ከኣ ኣይደልዎን ነይሮም፡ ሕጂ ግን ይደልዎ ኣለዉ" ክብል ኣብ ጥቓ ካቡል ኣብ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዘስመዖ መደረ ሓቢሩ። እዚ ውሳነ መገዲ ፍታሕ ከምዝኸውን ድማ እምነቱ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰበ ስልጣን ኣፍጋኒስታን፡ ሰፊሕ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ቁጽጽሩ ምስ ዘእተወ ጣሊባን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክፍጸም ዋላ እኳ ድልየት እንተነበሮም፡ ጣሊባን ኣሜሪካ ዘቕረበቶ እማመ ክሳብ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ብቐጥታ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘካይዶ ዝኾነ ዓይነት ልዝብ ውድቂ ገይርዎ ጸኒሑ።
መራሕቲ ጣሊባን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ምስ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ዶሃ ክዛተዩ ከምዝቐነዩ ንሮይተርስ ኣረጋጾም። እንተኾነ ግን እቲ ዘተ ከምዘይቀጸለ ገሊጾም።
ፕረዘደንት ትራምፕ፡ ቁጽሪ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝዓሰከረ ሰራዊት ኣሜሪካ ናብ 8600 ንምንካይ ሓሳብ ከምዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ ክንደይ መኮነናትን መዓዝን ዝብል ሕቶ ግን ኣየብርሀን።
ኣሜሪካ፡ ምስ ጣሊባን ዝጀመረቶ ዘተ ክሳብ ዝውዳእ ወይ ከኣ ምሉእ ዓወት ክሳብ ዝርከብ ሰራዊታ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከምዝጸንሕ ግን ትራምፕ ኣፍሊጡ ኣሎ። ጣሊባን እቲ ምስ ኣሜሪካ ዝጀመርዎ ዘተ ብቕልጡፍ ክካየድ ከምዘድልዎ እውን ኣብ መደርኡ ኣስሚዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







