ኣፍጋኒስታን: ኣብ ዩንቨርሲቲ ካቡል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 19 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብቲ ቦታ ፍጻመ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዕጡቓት ኣብ ርእሰከተማ ካቡል ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 19 ሰባት ተቐቲሎም።

እቶም ዕጡቓት ነቲ መጥቃዕቲ ምስፈጸሙ ድማ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ንሰዓታት ተታዂሶም።

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰለስተ ዕጡቓት ምስተቐትሉ እቲ ተዂሲ ደው ከምዝበለ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝቖሰሉ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩንቨርሲቲ ናይ ኢራን መጻሕፍቲ ምርኢት ይካየድ ስለዝነበረ፡ ሰብመዚ መንግስቲ ናብ’ቲ ዩንቨርሲቲ ክኣትዉሉ ኣብ ዝኽእሉ ሰዓት እዩ እቲ መጥቃዕቲ ጀሚሩ።

ጣሊባን ነቲ መትቃዕቲ ከምዘይወዓሎ ብምግላጽ፡ ኮኒንዎ’ሎ።

ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ፡ ጉጅለ እስላማዊ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝርከቡ ማእከላት ትምህርቲ ዒላማ ብምግባር መጥቃዕትታት ከብጽሕ ጸኒሑ’ሎ።

ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ፤ እዚ ጉጅለ ኣብ ሓደ ትምህርታዊ ትካል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ 24 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ኣብ 2018 ድማ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዩንቨርሲቲ ካቡል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ይዝከር።

ኣብ’ቲ ሎሚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ጠያይቲ እናተተኮሰ፡ ተምሃሮ ብስንባደ ክጓየዩን ገለ ድማ ካብ’ቲ መጥቃዕቲ ክሃድሙ ሓጹር ክዘልሉን ዘርእዩ ቪድዮታት ተዘርጊሖም።

ኣብቲ ቦታ ፍጻመ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ሕዳር 2, 2020. REUTERS/Omar Sobhani

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ቦታ ፍጻመ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ: ታሪቅ ኣርያን፡ ሓደ ካብቶም ዕጡቓት ነታጉ ከምዘፈንጀረ ይገልጽ።

ጣሊባን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ቀጣር ዘተ ሰላም ይገብሩ’ኳ እንተሃለዉ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ግን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕትታት እናሓየለ እዩ መጺኡ።

መራሕቲ ጣሊባን፡ ምስ ኣል-ቃዒዳ ዘለዎም ርክብ ክበትኩ ምዃኖም ዋላ’ኳ ንኣመሪካ እንተተመጻብዑላ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ኣል-ቃዒዳ ሕጂ’ውን ኣብ ውሽጢ ጣሊባን ሰሪጹ ምህላዉ እዩ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን እውን፡ ኣብ ከተማ ካቡል ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 40 ተምሃሮ ተቐቲሎም እዮም።

እቲ መጥቃዕቲ መብዛሕተኦም ኣመንቲ እስልምና ሺዓ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ እዩ ተፈጺሙ።

ነቲ መጥቃዕቲ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱሉ ነይሩ።