ኩባኒያ ዋግነር፡ ተልእኾ ዕሱባት ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ሊብያ ተቓሊዑ

ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ሊቢያ ነበር ሙዓሙር ጋዳፊ ብኲናት ትሕመስ ኣብ ዘላ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ንዓመታት ኣብቲ ኲናት ተሳትፎ ዝነበሮ ኩባንያ ሩሲያ መንነቱ ተፈሊጡ።
ቢቢሲ ግዜ ወሲዱ ብዝሰርሖ ሰፊሕ መርመራዊ ምድላው ከም ዘረጋገጾ፡ እዚ ትካል ዋግነር ዝብሃልን ብሓደ ሩሲያዊ በዓል ሃብቲ ከም ዝውነንን ዘረጋግጽ ኣፋፍኖት ተረኺቡ ኣሎ።
ውጽኢት እዚ መርመራ፡ ዕሱባት ተዋጋእቲ ሰራዊት ዋግነር ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሊቢያ ዝነበሮ ተሳትፎ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ'ውን ዘቃልዕ እዩ።
ሓደ ተደርብዩ ዝተረኸበን ኣባላት ድሕነት ሊቢያ ንቢቢሲ ዝሃቡዎን ሓደ ታብሌት ሳምሰንግ መበገሲ እዚ መርመራ ክኸውን ክኢሉ።
እዚ ታብሌት ሓደ ኣብ ህድማ ዝነበረ ኣባል ጉጅለ ዋግነር ደርብዩዎ ዝኸደ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ሒዙ ተረኺቡ።
ንኣብነት፡ ዝርዝር ኣብ ሊቢያ ዝነብሩ ዝነበሩ ዕሱባት ቐተልቲ፣ ሚስጢራዊ ሽም ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ዝርዝር ዕድጊ ኣጽዋርን ካልእ መረዳእታ ሰራዊትን ሒዙ ይርከብ።
ኣብ ውሽጢ እዚ ታብሌት ዝተረኸቡ ዝርዝር ዓይነታት ኣጽዋር ካብ ዝኾነት ሃገር ክግዝኡ ዘይኽእሉን ፍርያት ሩሲያ ከም ዝኾኑን እቲ መርመራ የረጋግጽ።
ሩሲያ፡ ምስቲ ኩባንያ ዝኾነ ዓይነት ርክብ የብለይን ትብል።

ብዛዕባ እዚ ኩባንያ ዘዋፍሮም ዕሱባት ተዋጋእቲ ሰራዊት ብ2014 እዩ ንፈለማ እዋን ክፍለጥ ክኢሉ።
ኣብቲ ግዜ ካብ ዩክሬን ክንግንጸል ንደሊ ኢና ዝብሉ ደገፍቲ ሩሲያ ብምሕጋዝ ንኲናት ሓገዝ ዝገብር ዝነበረ ኩባንያ እዩ።
ድሕሪኡ ሽሙ ኣብ ሩሲያ፣ ሞዛምቢክ፣ ሱዳንን ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን ብተደጋጋሚ ክለዓል ጸኒሑ።
ጉጅለ ዕሱባት ተዋጋእቲ ዋግነር ኣብ ሊቢያ ንፈለማ እዋን ብ2019 ዓ.ም ክረአ እንከሎ፡ ኣብቲ ግዜ ናይቲ ጉጅለ ሓይሊ ንጀነራል ኻሊፋ ሓፍታር ንምሕጋዝ ናብ ሊቢያ ኣትዩ።
ኣብቲ ጊዜ፡ ሓፍታር ብሕቡራት መንግስታት ንዝድገፍ መንግስቲ ትሪፑሊ ንምዕላው መጥቃዕቲ ከፊቱ ነይሩ።
እቲ ጉጅለ ግን ኣዝዩ ሚስጥራዊ ከም ዝኾነ ይዝረብ።
እንተኾነ፡ ቢቢሲ ኣብቲ ኩባንያ ተዋጋእቲ ኮይኖም ተቐጺሮም ካብ ዝነበሩ ክልተ ወተሃደራት መረዳእታ ኣኪቡ እዩ።
እቶም ዕሱባት ወተሃደራት ዝኾነ ዓይነት ስነ ምግባር ኲናት ዘይኽተሉን ብጭካነ ብዝመልኦ ኣገባብ ስርሖም ከምዘሳልጡን ይዝርብ።
እቶም እቲ ኩባንያ ዝቖጽሮም ተዋጋእቲ፡ እሱር ወይ ምሩኽ ምምጋብ ዘየድሊ ወጻኢ ምብኻን እዩ ኢሎም ዝሓስቡን ምቕታል ዝመርጹን እዮም ክብሉ ብኣብነት ይጠቕሱ።
"መዓልታዊ ከብዲ ዝኾነ እሱር ናይ ምምላእ ድልየት የብሎምን" ክብል እቲ ሓደ ምስክርነቱ ሂቡ።

እዚ ምስክርነት ቅድም ክብል ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ ምስ ዘመሓላለፎ ሓደ ሰነዳዊ ምድላው ዝተኣሳሰር እዩ።
ኣብ ሊቢያ ኮነ ኢልካ ሰላማውያን ሰባት ምቕታል ከም ሓደ ስትራቴጂ ኲናት ተገይሩ ክውሰድ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብቲ ሰነዳዊ ፊልም ብምስክርነት ዝቐረበ ሓደ ሊቢያዊ፡ ኣብቲ ኲናት ኣዝማዱ ክቕተሉ እንከለው ንሱ ዝሞተ መሲሉ ተጋዲሙ ዝርኣዩ ዘስካሕክሕ ቕትለት ኣቃሊዑ ነይሩ።
እዚ ቕትለት ኣብ ልዕሊ ቤተሰብ እዚ ግዳይ ዝፈጸመ ውልቀሰብ'ውን ቢቢሲ ክፈልጦ ክኢሉ'ዩ።
ካልእ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ሓደ ወተሃደር መንግስቲ ሊቢያ ብኸመይ ንተዋጋእቲ ዋግነር ኢዱ ምስ ሃበ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ከብዱ ክልተ ግዜ ብምቱኳስ ከም ዝተቐትለ መስኪሩ።
እቲ ኣብ ኢድ ቢቢሲ ዝኣተወ ታብሌት፡ እቶም ዕሱባት ወተሃደራት ብኸመይ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ቦንባ ከም ዝቐብሩ ኣፋፍኖት ይህብ እዩ።
ሕጊ ኲናት፡ ናይ ቦንባ ምልክት ከይገበርካ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ምቕባር ብገበን ኲናት የኽስስ እዩ።
እዚ ታብሌት፡ ብ2020 ኣብ ከባቢ ደቡብ ትሪፖሊ ሓደ ኣብ ህድማ ዝነበረ ዕሱብ ወተሃደር ሩሲያ ደርብዩዎ ዝኸደ'ዩ ተባሂሉ ይግመት።
ኣብ ውሽጡ፡ ካርታታት ውግእ፣ እቶም ዕሱባት ወተሃደራት ዝሕዙዎምን ዝዋግኡሎምን ግንባራት ብዝርዝር ካብ ሞንጎ ዝሓዞም'ዮም።
ብተወሳኺ፡ ክግዝኡ መደብ ዝወጽኣሎም ኣጽዋራትን ዋግኦምን ኣብቲ ታብሌት ክርከብ እንከሎ፡ እቶም ኣጽዋር ሩሲያ ዘፍረየቶም እዮም።
ኣብዚ 10 ገጽ ዝሓዘ ዝርዝር፡ ኣርባዕተ ታንኪ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክላሺንኮቭን ጠመንጃን ከምኡ'ውን ዝተራቐቐ ራዳር ብዕድጊ ክመጽኡ ይሓትት።
ኣብ ዙርያ እዚ ጉጅለ መጽናዕቲ ዝገበረ ሓደ ተንታኒ፡ ዝርዝር እቲ ዕድጊ ክርኣይ እንከሎ ሩሲያዊ ዲመትሪ ዩትኪን ኢድ ከም ዘለዎ የመልክት ይብል።
ዲመትሪ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ሩሲያ ኣገዳሲ ሰብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ነቲ ኩባንያ ኣብ ምምስራት ተራ ከምዝነበሮ ይዝረብ።
ቢቢሲ ግን ንዲመትሪ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ኣብ ውሽጢ እቲ ታብሌት ካብ ዝተረኽቡ መረዳእታታት ተበጊሱ ቭጌኔ ፕሪጎዚም ዝብል ሽም ረኺቡ።
እዚ ሩሲያዊ ቢልየነር ሚስጥራዊ ፈታዊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከም ዝኾነ ይእመን።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህብ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቲ ሩሲያ ኣብ ሊቢያ ሰላም ክመጽእ እዩ ዝሰርሕ ኢሉ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ታብሌት ዝተረኸቡ ሓበሬታታት ድማ ሓሶት'ዮም ክብል ነጺጉ።
ሽሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ሓደ ኣባል እቲ ኩባኒያ ግን፡ ዋግነር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ንዘለዋ ፖለቲካዊ ድልየት ወተሃደራዊ ምላሽ ዝህብ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣባላት ኮይኖም ዝምልመሉ ድማ፡ ስራሕ ኣልቦ፣ ወተሃደራዊ ፍልጠት ዘለዎምን ብሃገራዊ ስምዒት ሩሲያ ተለዓዒሎም ተዋጋእቲ ኮይኖም ፍቓደኛታት ዝኸኑ ውልቀሰባት እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







