ዝኽረ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፡ ኣብ መበቆል ስልጣነ ኣክሱም

ምንጪ ስእሊ, DANIEL ZEMIKAEL
ቅድሚ 1500 ዓመታት፡ 5 ሚያዝያ 497 ዓ.ም፡ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሕምብርቲ ኣክሱም መደባይ ወለል ኣብ ዝተብሃለ ቦታ፡ ሙዚቃ ንዓለም ዘምሃረ ሊቕ ተወሊዱ፡ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ።
ቅድሚ ሽሕ ዓመታት ዜማ ዝደረሰ፡ ኢትዮጵያዊ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድን ስራሕቱን ግን ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸቡን።
ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ምዕራባውያን ድማ ብ1980 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተወለደ ኣውስትርያዊ ሞዛርት ብብርኪ ዓለም ስሙይ ክኸውን ክኢሉ እዩ።
ግና ስሙይነት ሞዛርት፡ ካብ ፍልስፍና ኖታ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ድሕሪ 1200 ዓመታት ዝመፀ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ዝተመዝገበ ዜማዊ ድርሰት ንሰዓታት ጥራሕ ዝፀንሕ ምዃኑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ንዓለም ቀዲሙ ብኢትዮጵያዊ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዝተደረሰ ዜማ ግና፡ ብሰዓታት ተኸፋፊሉ ንመዓልታት ዝዘልቕ እዩ።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣቡጊዳ ሙዚቃ ዘምሃረትን ዝፈለመትን ሃገር ምዃና ይምስክር።
ዓለም ብቴክኖሎጂ ሙዚቃን ጥበበኛታትን ጎልቢታ ፡ ንንባዕላ ኣብ ትወዳደረሉ ዘመን፡ ጥበበኛታት ጥበብ ኣብ ሓያል ውድድር ጥሒሎም፡ ንፃት፡ ሓድሽ ውልዶ ጥበብ ንምምሃዝ ንድሕሪት ኣብ ዘይብልሉ ግዘ፡
ቅድሚ ሽሕ ዓመታት ዜማ ዝደረሰ፡ ኢትዮጵያዊ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድን ስራሕቱን ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸበን።
እዚ ድማ ከም ንኢትዮጵያ መሰረት ዝኾነ ፈላማይ ስልጣነ፣ ባህልን ታሪኽን ብዙሕ እንከይተዳህሰሰ፡ እቲ መዝገብ ታሪኽ ተኸዲኑ ተቐሚጡ ከምዝነበረ የርእይ።

ምንጪ ስእሊ, AXUM UNIVERSITY
ታሪኽን መንነትን ኢትዮጵያዊ ማህሌታይ ያሬድ፡ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝለዓል እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ጥራሕ እዩ ኣፅሊሉ ዝርከብ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ስራሕትን ዜማን ቅዱስ ያሬድ ክሳብ ሕዚ'ኳ ትጥቀመሉ እንተሃለወት፡ ካብ ቃላዊ ዛንታ ብዘዘለለ፡ ብዛዕባ ታሪኽን ስራሕትን ቅዱስ ያሬድ ዝተሰነደ ነገር ብእኹል የለን።
ነዚ ንኣሽሓት ዓመታት ዝዘለቐ ዛንታ ቅዱስ ያሬድ ኣብታ ሃገርን ኣብ መላእ ዓለምን ንክጎልህ ብምዕላም ካብ ቀረባ ዓመታት ንነዘ፡ ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ኣክሱምን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን፡ ኣብታ መበቆል ቅዱስ ያሬድ ዝኾነት ኣክሱም፡ ዓበይቲ ናይ ዝኽሪ በዓላት ይካየዱ ኣለዉ።
ሎሚ ዓመት እውን ፡ ማህሌታይ ያሬድ ዘበርከቶም ትውፊታት ናብ ቀፃሊ ትውልዲ ንምሕላፍን ንዓለም ንምፍላጥን ዝዓለመ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዝኽሪ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብታ መበቆል ስልጣነ ዝኾነት ከተማ ኣክሱም ኣብ ምስላጥ ይርከብ።
ኣብ ዙርያ ቅዱስ ያሬድን ስራሕቱን መፅናዕቲ ዘካየዱ፡ ዳይሬክተር ግልጋሎት ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሙልጌታ ፍስሃ እዚ ወለዶ ካብ ቅዱስ ያሬድ ዝወረሶ ፀጋታት ከምዘሎ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, AXUM UNIVERSITY
ፀጋታት ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ
እዚ ወለዶ ብዋናነት ፅንዓት፣ ሓቦ፣ ጥንካረ፣ ልዑል ናይ ምስትውዓል ክእለትን ኣብ ግዘ ፀገም ናይ ባዕልኻ መፍትሒ ምንዳይን ክመሃር ከምዝኽእልን፤ እዚ ንዘመናዊ ሳይንስ ዓብይ እታወት ከምዝኾነ እምነት ዶክተር ሙልጌታ ፍስሃ እዩ።
ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶም መንፈሳዊ ኖታታት፡ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ንዘመናት ትጥቀመሉ ዘላ ዜማ እዩ። እዚኦም ዜማ ባህላዊ መሳርሕታት ሙዚቃ ንክዓብይ ዓብይ ግደ ከምዘበርከቱ ዝገልፁ ዶክተር ሙልጌታ፡ "እቲ ማሕበረሰብ እውን ንኣሽሓት ዓመታት እናተጠቐመሉ መፂኡ እዩ" ይብሉ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ንዘመናት እትጥቀመሉ ዘላ ሃይማኖታዊ ኖታታት ሙዚቃ፣ ቅኔ፣ ዜማን ወረብን ብማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዝተፈልሰፉ እዮም። ነዚ ድማ እዩ ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ በብዓመቱ 11 ጉንበት ንቅዱስ ያሬድ እትዝክሮ።
ብቋንቋ ግእዝ ዝተፅሓፉ መፅሓፍቲ ድጓ፣ ፆመ ድጓ፣ ዝማሬ፣ መዋስእትን ምዕራፍን ከምኡ እውን ኖታታት፣ ዜማ ማህሌትን ወረብን፡ ሓድግታት ቅዱስ ያሬድ እዮም።
እዞም ስራሕቲ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፡ ንዕብየት ቱሪዝም ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ዝገልፁ ዶክተር ሙልጌታ፡ እዚ ንክኸውን ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ሃይማኖታውን ባህላውን ሙዚቃታት ዝህልዎ ግደ ክፅናዕ፣ ንስራሕቱ ኣብ ሙዝየም ክዕቀቡን ኣብ ከተማ ኣክሱም ድማ ብሽሙ ናይ ሙዚቃ ሳይንስ ቤት-ትምህርቲ ክኽፈት ከምዝግባእ ይሕብሩ።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ያሬድ ኣብ ኣክሱም እንትኽበር፡ ካብ 300 ዓመተ ዓለም ክሳብ ዓስራይ ዓ.ም ዝነበሩ ታሪኻዊ መስሕባት ኣክሱም ብምልላይ ቁፅሪ በፃሕቲ ዓዲ ክውስኽን ፍልፍል ቁጠባ ክኸውን ዝኽእለሉ ፀጋ ከም ዘሎ'ውን ዶክተር ሙልጌታ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, BELACHEW SIRAW
ጋዜጠኛን ምምህርን በላቸው ስራው ድማ፡ ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም (ዩኔስኮ) ዝተመዝገበ ዜማ ሓፂር ሰዓት ማለት እውን በዓል 12 ሰዓት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡
ዜማታት ማህሌታይ ያሬድ ግና "ነዋሕትን በዓል 24 ሰዓታት ብምዃኖም ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ክምዝገቡ ይግባእ" ይብል፡ ክሳብ ሕዚ ዘይምምዝጋቦም ብጣዕሚ ከምዝደንጎየ ብምሕባር።
"ዜማታት ቅዱስ ያሬድ ንነዊሕ ሰዓታት ዝዝመሩ እዮም። ብሰዓታት ጥራሕ እውን ኣይኮነን፡ ቤተ-ክርስትያን ትጥቀመሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ሰዓታትን መዓልታትን እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ዜማ ክዝመር ከምዘለዎ ዝሕብሩ ብርክት ዝበሉ መፃሕፍቲ ቅዱስ ያሬድ ኣለዉ።
ብፍላይ ድማ እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መዝገብ ዓለም ተመዝጊቡ ዘሎ ዜማ ቅድሚ ምድራሱ፡ ቅድሚ 1200 ዓመታት ዝተደረሰ ዜማ ማህሌታይ ያሬድ ኣብ መዝገብ ቅርስታትን ሓድግታትን ዓለም ንምምዝጋብ ኣይሰራሕናሉን" ይብል።
ዜማታት ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ "ፈለማ ዜማታት ቅዱስ ያሬድ ካብ መንፈሳዊ ኣግልግሎት ብተወሳኺ ናብ ዓለማዊ ወፅዩ ብስምዒት ሙዚቃ ክረኣይ ይግባእ።
ፀጋታት ቅዱስ ያሬድ ካብ ቤተ-ክርስትያን ብተወሳኺ ሃፍቲ ህዝቢ'ውን ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ" ዝብል ርኢቶ ኣለዎ መምህርን ጋዜጠኛን በላቸው ስራው ።

ምንጪ ስእሊ, AXUM UNIVERSITY
ተስፋ ዝህቡ ምንቅስቓሳት
እዚ ኣብ ከተማ ኣክሱም ብዩኒቨርሲቲ ኣክሱምን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዝተዳለወ መድረኽ ዝኽረ ቅዱስ ያሬድ እውን ፀጋታት ማህሌታይ ያሬድ ተሰኒዶም ናብ ወለዶ ክሓልፉን መስሕብ ቱሪዝም ንክኾኑን ዓሊሙ፡
ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት፣ ያሬዳዊ ዜማን ዝማረን፣ ኣብ ጎደናታት ኣክሱም ድማ ምርኢት ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድን ይሳለጡ ኣለዉ። ማህሌታይ ቁዱስ ያሬድ ደኺሙ ዘዕረፈላ ማይ ኪራሕ ናብ ትበሃል ቦታ እውን ናይ እግሪ ጉዕዞ ከም ዝካየድ መዳለውቲ እዚ ዝኽረ በዓል ገሊፆምልና።
ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኔክሽን ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣይተ ሓጎስ ንጉሰ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ ንክስነዱን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንክወሃብን፣ ሕብረተሰብ እውን ተጠቃሚ ዝኾነሉ ዕድል ንምፍጣር ይስራሕ ከምዘሎ ይገልፁ።
"ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝኽረ በዓል ቅዱስ ያሬድ ብዝተፈላለዩ ሙሁራት ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምስናድ ናብ ሕብረተሰብ ክቐርብን ናብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እታ ሃገር ብምልኣኽ ስራሕቲ ምስናድ ንሰርሕ ኣለና" ይብሉ ኣይተ ሓጎስ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ከፊቱ ብደረጃ ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርቲ ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ነጊሮምና።
እዚ ድማ መብዛሕትኦም ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ ብቋንቋ ግእዝ ዝተደረሱ ብምዃኖም፡ ኩሎም ስራሕቱ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ክካተቱ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓቢሮም።
"ሓድሽ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ብቐዳማይ ዲግሪ እንትኽፈት፡ ክፍላተ ትምህርቲ ቋንቋን ስነፅሑፍን ከምኡ'ውን ክፍሊ ትምህርቲ ትያትር እናተመጋገባ፡ ብዛዕባ ቅዱስ ያሬድን ስራሕቱን ብሰፊሑ ንከምህራ እናሰራሕና ኢና" ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, AXUM UNIVERSITY
ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ.....
ኣብ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ልምዓት ባህልን ቱሪዝምን ኣይተ ዳዊት ብወገኖም፡ ስራሕቲ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ንምእታውን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆምልና።
"ፈለማ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዙርያ ማህሌታይ ቁዱስ ያሬድ ዝግበር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጎሊሁ ክወፅእ ኣለዎ። እዚ ክልላዊ ምንቅስቓስ ሃገራዊ ምስሊ ክሕዝ ብምግባር፡ ሓድግታት ያሬድ ኣብ ዩኔስኮ ንክነመዝግብ ተሊምና ኢና ንሰርሕ ዘለና" ኢሎምና።
ቅድሚ ሕዚ ዝኽሪ ቅዱስ ያሬድ እንትኽበር ጎሊሁ ዘይፍለጥ ምንባሩ ዝገልፁ ኣይተ ዳዊት፡ ብክልልን ሃገርን፡ ጉዳይ ቅዱስ ያሬድን ስራሕቱን ኣብ ኩሉ ህዝቢ ክፍለጥ ብምግባርን ስራሕቱ ብምስናድን ኣብ ዩኔስኮ ብምዝጋብ፡ መስሕብ ቱሪዝም እታ ሃገር ንክኸውን ይፅዕሩ ከምዘለዉ እዮም ዝዛረቡ።
ከም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን እታ ክልል፡ ቅዱስ ያሬድ ደኺሙ ኣብ ዘዕረፈላን ካብ ሓንቲ ደቃቕ ሓሰኻ ፅንዓትን ተስፋ ዘይምቑራፅን ዝተምሃረላን ማይ ኪራሕ ኣብ ትበሃል ከባቢ መዘከርታ ሓወልቲ ከምዝስራሕን፡
ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሎም ከባብታት ዝነበሩ ታሪኻትን ፍፃመታትን ንክዕቀብ ይሰርሕ ምህላዉን ኣይተ ዳዊት ወሲኾም ገሊፆምልና።
ኣይተ ዳዊት ብዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን ኮሚቴታትን ሓወልቲ ንምስራሕ ዝብል ተበግሶን ምንቅስቓስን ዋላ እኳ እንተሃለወ፡ እዚ ውዱብ ስለዘይኮነን መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይሃቦ ብምዃኑ፡ ዝተወደበን መስርሕ ዝሓለወን ኣካይዳ ክህሉ ከምዝግባእ እዮም ዝሕብሩ።
"ከም ቢሮ፡ ንቅዱስ ያሬድ ሓወልቲ ንክስረሐሉን ብሓፈሻ ሓድግታቱ ክዕቀቡን ብዘይካ'ዚ ኣብ ዙርያ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ከተማ ኣክሱምን ከባቢኣን ስራሕቲ ልምዓት ክሳለጥ ዘኽእል ፕሮጀክት ተጣይሹ እዩ።
ኣብዚ ፕሮጀክት ዝሳተፉ ኣካላት ድማ ጨረታ ወፅዩ ተዓወትቲ ተፈሊጦም ኣለዉ። ስለዚ እቲ ፕሮጀክትን እቲ ቢሮን፡ ሓቢሮም ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ስርዓት ተኣታትዩ ኣሎ" ኢሎምና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







