ኣፍጋኒስታን፡ 'ዓይንን ኣፍን ሰራዊት ኣመሪካ ኢና ነይርና'

ዚያ፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ክጽበ ድሕሪ ምጽናሕ ብ2014 ናብ ኣመሪካ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Dustin Duong for the BBC

መግለጺ ስእሊ, ዚያ፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ክጽበ ድሕሪ ምጽናሕ ብ2014 ናብ ኣመሪካ ኣትዩ

ዚያ ጋፎሪ፣ ነፍሰ ጾር በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ኣናኣሽቱ ደቆምን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ካቡል ናብ ኣመሪካ ከይዶም።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ን14 ዓመታት ምስ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ ተርጓሚ ቋንቋ ኮይኑ ስለ ዝሰርሐ፡ ምስ ስድርኡ ናብ ኣመሪካ ዘእትዎ ሓሙሽተ ቪዛ ረኺቡ።

እንተኾነ፡ ኣመሪካ ካብ ምእታው ወጻእ ካልእ ኣይረኸበን።

ዚያ፡ ሓደ ወለንታዊ ትካል ምስ ስድራኻ ሓድሽ ህይወት መጀመሪ ክኾነካ'ዩ ካብ ዝበሎ ንኡሽቶ መጽለሊ ወጻእ ንነብሱ ቤትን ንብረትን ዘይብሉ ግዳም ሓደር ኮይና ረኺቡዋ።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ ነቲ ኩነታት ክዝክሮ እንከሎ ሕጂ'ውን የሕምሞ።

ሕጂ ኣብ ሰሜን ካሮሊና'ዩ ዝነብር ዘሎ። ግን ድማ ደቀይ ናብዚ ክመጽኡ ብምግባረይ ናብ ኣዒንቶም እናጠመትኩ ይቕሬታ'ውን ክብሎም ኣይኽእልን'ዩ ዝብል።

"ንብዓተይ ክቆጻጸሮ ኣይክእልን፤ ንኽልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ዝገበርኩዎ ነገር 'እዚ ድዩ ናይ ኢደይ?' ኢለ ንነብሰይ ይሓታ" ኢሉ ብጣዕሳ።

ምስ ካልኦት መሓዙቱ ብምንጽጻር ግን ወዲ 37 ዓመት ዚያ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ምኽኣሉ ከም ዓብዪ ጸጋ ይርእዮ።

ዓሰርታት ኣሽሓት ኣፍጋናውያን፡ ኣብቲ ኣመሪካ ኣንጻር ዕጡቓት ጣሊባን ን20 ዓመታት ዘካየደቶ ውግእ ተርጎምቲ ቋንቋ፣ ሓበርቲ መገድን ኣወሃሃድትን ኮይኖም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኣመሪካ ተቓሊሶም'ዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዋላ'ውን ጣሊባን ናብ ስልጣን ክምለሰሉ ዝኽእል ምዕባለታት ይርኣይ እንተሃለወ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ሰራዊቱ 11 መስከረም 2020 ጠቕሊሎም ካብታ ሃገር ከም ዝወጽኡ ገሊጹ'ዩ።

በዚ ምኽንያት እቶም ንሰራዊት ኣመሪካ ዝተሓጋገዙ ዝነበሩ ዜጋታት እታ ሃገር ወርሒ ነሓሰ ቅድሚ ምውድኡ ናብ ኣመሪካ ክግዕዙ ከም ዝኾኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ካብቲ 2500 ሰባት ዝሓዘ ፈላማይ ጉጅለ እቶም 200 ብዓርቢ ናብ ኣመሪካ ከም ዝግዓዙ ተሓቢሩ።

50 ሽሕ ተርጎምቲ ቋንቋ ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ሰሪሖም'ዮም። ካብ 2008 ጀሚሩ ኣስታት 70 ሽሕ ተርጎምትን ኣባላት ስድርኦምን ናብ ኣመሪካ ከም ዝተጣየሱ ይፍለጥ።

እንተኾነ ኣስታት 20 ሽሕ ተርጎምትን ኣባላት ስድርኦምን ክሳብ ሕጂ ካብታ ሃገር ዝወጽኡሉ ኣገባብ ከም ዘይሰለጦም እዩ ዝሕበር።

ዚያ ጋፎሪ

ምንጪ ስእሊ, Zia Ghafoori

መግለጺ ስእሊ, "ዓይንን ኣፍን እቲ ሰራዊት ኢና ነይርና"

እዞም ሰባት ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ምስርሖም ዕጡቓት ጣሊባን ብክፉእ ዓይኒ ክርኣዩዎም ገይሩ'ዩ።

ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ዓመታት ዝወስድ መስርሕ ናብ ኣመሪካ ዘእትዎም ቪዛ እናተጸበዩ እናሃለው 300 ተርጎምቲ ሞይቶም'ዮም።

"ህዝቢ ንክልቲኤን ሃገራት ንምሕጋዝ ተቓሊሱ'ዩ . . . ግን ድማ ዓይንና ዓሚትና ኣብኡ ገገዲፍናዮ ንወጽእ ኣለና፤ ኣብኡ ንክመውት ገዲፍናዮ ወጺእና" ይብል ዚያ።

ክልተ ኣሕዋት ኣብ ውግእ

ዚያ፡ ብ2002 እዩ ተርጓሚ ኮይኑ ናብ ሰራዊት ኣመሪካ ተጸንቢሩ።

እዚ፡ ነቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ወዲ 18 ዓመት ዝነበረ መንእሰይ ናይ መጀመርታ ስርሑ'ዩ።

ጣሊባን ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ዚያ እቲ ንኣዲኡ ዝኣተወላ ቃል የፈጽም ምህላው ዝተገንዘበሉ ስራሕ ከም ዝነበረ'ዩ ዝሓስብ።

እዚ ንፉዕ ተመሃራይ፡ ብምኽንያት ጣሊባን ካብ ትምህርቲ ብተወሳኺ ምስ ሸውዓተ ኣሕዋቱ ዘሕልፎ ዝነበረ ጸወታ ኩዕሶን ካልእን ብቑልዕነቱ ከም ዝተመንዝዐ እዩ ዝዛረብ።

ኣብታ ዝዓበየላ ከባቢ ዝነበረ ምምሕዳር'ውን፡ ኣብ ትሕቲ ጥንኩር እስላማዊ ሕጊ ኮይኑ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብዘይንሕስያ ክህረሙ፣ ስድራቤታት ብፍርሒ ኣብ ገዛ ክዕጸዋን ኣሕዋቱ ካብ ቤት ትምህርቲ ክተርፋን ክግደዱ ርእዩ።

ኣብቲ ግዜ ኣብ 20ታት ዝነበረ ዓብዪ ሓው፡ ኣብቲ እዋን ተቓውሞ ጣሊባን ዝግለጸሉ ዝነበረ ላህጃ ክዛረብ ስለ ዝተሰምዐ ጥራይ ተሃሪሙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ።

ዚያ ከም ዝብሎ፡ ብምኽንያት ማህረምቲ እግሩ ጫማ'ውን ክገብር ዘይኽእለሉ መጉዳእቲ ክበጽሖ ክገብር እንከሎ ክንቀሳቐስ'ውን ኣይኽእልን ነይሩ።

ድሕሪ'ዚ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ስድራቤቱ ኣብቲ ከባቢ ክጸንሑ ከም ዘይኽእሉ ወሲኖም።

በዚ ምኽንያት ናብ ፓኪስታን ፓሻዋር ዝተባህለ ከባቢ ተሰዲዶም።

" 'ምስ ዓበኹ ኣንጻር እዞም ሰባት [ጣሊባን] ክቃለስ'የ' ክብል ንኣደይ ነጊረያ" ይብል።

ኣብ ፓሻዋር ድማ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ተማሂሩ። ክሳብ 2001 ስድራቤቱ ኣብ ፓኪስታን ጸኒሑ።

"ምስ ተመለስኩ፡ ዝተረጋግአ መንግስቲ ምምራሕ ከም ዝጀመረ ተዓዚበ፤ ተስፋ ኣለና ከኣ ኢለ"።

ድሕሪ'ዚ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሓዳር ገይሩ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ክምህር ጀሚሩ።

ድሕሪ ኣዋርሕ ሓደ መሓዝኡ እቶም ኣብታ ሃገር ኣንጻር ጣሊባን ዝዋግኡ ዘለው ኣመሪካውያን ተርጓሚ ከም ዝደልዩ ነጊሩዎ።

"ስቕ ኢሎም ኢንግሊዘኛ ዝዛረብ ሰብ ይቖጽሩ ነይሮም፤ ወተሃደራዊ ቃላት ኣይፈልጥን'ኳ እንተበልኩዎም 'ጸገም የብሉን' ኢሎምኒ" ይብል።

ዋላ'ዉን ንነዊሕ እዋን ካብ ስድራቤቱ ተፈልዩ ንህይወቱ ኣብ ዘስግእ ግንባር ኲናት ዘሕልፎ እንተኾነ፡ እቲ ስራሕ ፈትዩዎ ከም ዝሰርሐ ይዛረብ።

በዓልቲ ቤቱን ስድራቤቱን ብተደጋጋሚ እዚ ስራሕ ይትረፍካ ኢሎም ለሚኖምዎ፤ ንሱ ግን ነቶም "ቡያህ" ኢሎም ሽም ዘጠመቑዎ ሓይልታት ኣመሪካ "ንኣሕዋተይ" ውፍይ'የ ብምባል ኣይተቐበሎምን።

ካብዚ ብዝብገስ "ዓይንን ኣፍን እቲ ሰራዊት ኢና ነይርና" ይብል።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2008 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ሽንጥሮ ሾክ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ ሰዓታት ውግእ መሓዝኡ ተቐቲሉ።

እቲ ውግእ ድሕሪ ኣብ ቬትናም ዝነበረ ኲናት እቲ ካልኣይ ዝለዓለ ንጅግንነት ዝወሃብ ሽልማት ኮኾባት ዝተረኸበሉ ግንባር'ዩ ነይሩ።

ዚያ፡ ኣብቲ ውግእ ንዘጋጠሞ መጉዳእቲ፡ ወተሃደራዊ ሽልማት 'Purple Heart' ተበርኪቱሉ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Dustin Duong for the BBC

መግለጺ ስእሊ, ዚያ ዝተዋህቦ ሽልማት መንግስቲ ኣመሪካ

ዚያ፡ ኣብቲ ውግእ መጉዳእቲ ኣጋጢሙዎ ብህይወት ክተርፍ እንከሎ፡ ኣብ እዋን ኲናት ንዘጋጥም መቑሰልቲ ወይ ሞት ብሽም ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሽልማት 'Purple Heart' ተበርኪቱሉ'ዩ።

ብ2008 ኣብ ትሕቲ ዝተዳለወ ሓድሽ ፕሮግራም ፍሉይ ቪዛ ስደተኛታት [ኤስኣይቪ] ናብ ኣመሪካ ንምግዓዝ መስርሕ ጀሚሩ።

እዚ ፕሮግራም ብፍሉይ ኣብ ጎኒ ወተሃደራት ኣመሪካ ንዝተሓጋገዙ ኣፍጋኒስታውያንን ዒራቓውያንን ዝወሃብ ቪዛ እዩ።

ዚያ፡ እዚ ቪዛ ንምርካብ ሽዱሽተ ዓመት'ዩ ወሲዱሉ። እዚ ልእም ዝበለ ዘረባ ዝዛረብ ሰብ እቲ መስርሕ "ኣዝዩ ዘሰክፍ" ክብል ይገልጾ።

እቲ ዝወሰዶ ግዜ ንምግላጽ'ውን ዝኸብድ ምዃኑ ይዛረብ።

"ስለ ምንታይ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ኣይፈልጥን፤ እቲ እዞም ኩሎም ሰባት [ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኣመሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ] ንክልቲአን ሃገራት ዘበርከቱዎ ግደ ንቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኣመሪካ መን ብምንታይ ዓይነት ቋንቋ ከም ዝገልጸሉ'ውን ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ዚያ፡ ብ2014 ኣብ ዞባ ናንጋርሃር ኣብ ግንባር እናሃለወ ቪዛ ምርካቡ ዝሕብር መልእኽቲ በጺሑዎ።

"ሰንቢደ" ይብል፤ ኣፍጋኒስታን ንድሕሪት ገዲፍካ ምኻድ ከኣ ካልእ ጸገም ኮነ።

ጣሊባን ግን ድሮ ክሃድኖ ጀሚሩ፤ ስድራቤቱ ብኢድ ዝተጽሓፉ ዘፈራርሑ መልእኽታት ይበጽሑዎም ነይሮም።

እቲ ቪዛ ምስ ረኸበ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዚያን ኣባላት ስድርኡን ናብ ቴኔሲ መጺኦም፤ ብርክት ዝበለ ክዳውንቲ ዝሓዘ ሻንጣን ንበረራ ዝኽፈል 6500 ዶላርን ጥራይ ነይሩዎም።

ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተው ግን ዋላ ሓደ ዝቕበሎም ኮነ ዝሕግዞም ኣይነበረን፤ ዋላ'ውን ሰፍትኔት ዝረኽብሉ ዕድል ወይከ።

"ዋላ ሓደ ኣፍጋናዊ ኣየረኸብኩን" ይብል።

ድሓር ስድራቤቱ ሒዙ ብዙሓት ኣፍጋናውያን ይነብረሉ ናብ ዝተባህለ ቨርጂኒያ ይኸይድ።

እቶም በዚ ፍሉይ ቪዛ ዝመጽኡ ሰባት ዝተሓጋገዙ ትካላት ክሳብ ዝረክብ ኣብ ሆቴል ክጸንሕ እንከሎ፡ ድሕሪ ሰሙናት ሓንቲ ብሰናይ ፍቓድ እትሰርሕ ምስ ስድርኡ ዝነብረሉ ቦታ ከም ዝረኸበትሉ ትነግሮ።

"ገዛ ዘይብሎም ሰባት ናብ ዝዓርፍሉ መጽለሊ ወሲዳትኒ፤ ምስ ርኣኹዎ 'ኣብዚ ደቀይ ክዓብዩ ኣይክእሉን' ኢለያ" ይብል።

ግን ድማ ናብ ዝኸዱዎ ቦታ ኣይነበረን። በታ ብጽቡቕ ከተንብሮ ቃል ዝኣተወትሉ ሃገር ከም ዝተጠልመ ተሰሚዑዎ።

እቲ ዝኸውን ዘሎ ነገራት ንምርዳእ ዘይበቕዑ ደቁ ተደናጊሮምን ፈሪሖምን።

መዓልታዊ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣፍጋን ዝተረፉ ስድራ ቤታትን መሓዙቶምን ይሓቱዎ፤ መዓዝ ኢና ንምለስ'ውን ይብሉዎ።

BBC
ሓይልታት ኣፍጋን ኣንጻር ጣሊባን እዮም ዝዋግኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ገዛኻ እዚ'ዩ'

ዝትሕዞን ዝጭብቶን ዝስኣነ ዚያ፡ ሓላፊኡ ናብ ዝነበረ ቴሌፎን ደዊሉ ኣበይ ኣለኻ ኢሉ ይሓቶ።

ንሱ ድማ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ ቨርጂኒያ መጺኡ ናብ ሰሜን ካሮሊና ይወስዶም።

እዚ ሰብ፡ ብኩነታት ዚያ ጉህዩ ስለ ዝነበረ "እዚ ገዛኻ'ዩ፤ ክሳብ ዝደለኻዮ ክትነብር ትኽእል ኢኻ ኢሉኒ። ፈጺመ ኣይርስዖን" ብምባል ንውዕለትኡ ይገልጾ።

ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ብዛዕባ ኒውዮርክ፣ ዋሽንግተንን ላስቬጋስን ዝውረን ካብ መሓዙቱ ዝሰምዖን እኳ እንተዘይኮነት፡ ደቁን ሰበይቱን ብነጻነት ክመሃሩን ክንቀሳቐሱን ብምኽኣሎም ግን ሕጉስ እዩ።

ኣርባዕቲኦም ደቁ፡ ጽቡቕ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ይዛረቡ'ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ኩሎም ዜግነት ኣመሪካ ረኺቦም። ኣብኡ ምስ ኣተው'ውን ሓደ ቖልዓ ወሊዶም'ዮም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ባዕሉ ናብ ዝሰርሖ ገዛ ክኣትው እንከለው ኣብ በሪ ገዝኦም ዓብዪ ባንዴራ ኣመሪካ ተሰቒሉ ይርኣይ።

'ዝተለወጠ ነገር የለን'

ንሱ ናብ ኣመሪካ እንተመጽአ'ውን ኣብ ሃገሩ ብዛዕባ ዝተረፉ ሰባት ምሕሳቡ ኣይተረፈን።

ብ2019፡ እቶም ብፍሉይ ቪዛ ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ተርጎምቲ ንምሕጋዝ ሓደ ገባሪ ሰናይ ከፊቱ።

በዚ ካብቶም ተርጎምቲ ዝነበሩን ኣባላት ስድርኡን ብርክት ዝበሉ ቴሌፎን ይድወለሉን የማኽርን ኣሎ።

መብዛሕትኦም ብቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታት ዝተዓናቐፉ ከም ዝኾኑ ይዛረብ።

ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ካብ ኣፍጋኒስታን ከም እትወጽእ ካብ እትገልጽ ንነጀው፡ ጣሊባን ወሰንቲ ቦታታት እናተቖጻጸረ ይደፍእ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበሮ ምቁጽጻር 72 ቦታታት ናብ 221 ከም ዝወሰኸ ይግለጽ።

ገሊኦም ከባቢታት ኣሽሓት ወተሃደራት ኣመሪካን ተርጎምቶምን ዝነብሩሎም ዝነበሩ ብምዃኖም፡ ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ስግኣት ማእሰርትን ቕትለትን ኣለዎም።

ዚያ፡ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋን ክወጽእ እየ ምባላ ብእወንታ ኣይርእዮን።

"ጣሊባን ሕጂ'ውን ሰላማውያን ሰባት ይቐትሉ ኣለው፤ ዝተለወጠ ነገር የለን" ኢሉ።

ነቶም ንሰራዊታ ዝተሓጋገዙ ዝነበሩ ኣፍጋናውያን ንድሕሪት ብምግዳፍ ሰራዊታ ተውጽእ ምሃላዋ፡ ኣመሪካ ዋላ'ውን ዝፈትዋ እንተኾነ ንዕኡን ካልኦት ኣብ ጎና ንዘገልገሉን ትጠልሞም ምሃላዋ ዘርኢ'ዩ ዝብል ቅርታ ኣለዎ።