ኣፍጋኒስታን: ዕጡቓት ጣሊባን ንምዕራባዊት ከተማ ቃላ-ኤ-ናው ንምሓዝ መጥቃዕቲ ከፊቶም

ኣብ ከተማ ቃላ-ኤ-ናው ዝካየድ ዘሎ ውግእ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓይልታት ጣሊባን፡ ሰራዊት ኔቶ ቅድሚ ምውጻኦም ኣብ ምዕራባዊ ኣፍጋኒስታን ናብ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ኣትዮም።

ኵሎም ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን፡ ናብታ ርእሰ-ከተማ ኣውራጃ ባድጊስ ዝዀነት ቃላ-ኢ-ናው፡ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ከም ዝግዓዙን፡ ጣሊባን "ናብ ማእከል እታ ከተማ" ንክኣትውን ሰራዊት መንግስቲ ክከላኸልን ከቢድ ኲናት ከም ዘሎን ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ንቢቢሲ ሓቢሩ ።

ጣሊባን፡ ሰራዊት ኣመሪካን ብሪጣንያን ድሕሪ 20 ዓመት ካብ ኣፍጋኒስታን ምስ ሰሓቡ እዩ ዝደፍእ ዘሎ።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ተሪፎም ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ቅድሚ 11 መስከረም ካብታ ሃገር ይወጽኡ ስለ ዘለው ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ምሉእ ሓላፍነት ሓለዋ እታ ሃገር ይወስድ ኣሎ።

ምንጭታት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ጣሊባን ካብቲ ኣብ ቃላ-ኤ ናው ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 100 ወተሃደራቶም ዝርከቡዎም ኣስታት 400 እሱራት ናጻ ኣውጺኦም ኣለው።

እቶም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዝሕልዉ ዝነበሩ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ብዘይ ኲናት ኢዶም ከም ዝሃቡ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ሂሳሙዲን ሻምስ፡ ሰራዊት ጣሊባን ኣብቲ ዝነብረሉ ወረዳ ቃላ-ዔ-ናው ከም ዝረኣዮን ነቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ጸጥታ ብሓዊ ከም ዝነደደን ገሊጹ።

ይኹን እምበር ነቲ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ጣሊባን ከም ዝወደቐት ዝገልጽ ጸብጻብ ነጺጉዎ ኣሎ።

ዛጊት ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ነታ ከተማ ይከላኸሉላ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ጣሊባን ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት ንብዙሕ ኣውራጃታት ተቖጻጺሩ ስለ ዘሎ፡ ንሓደ ሲሶ እታ ሃገር ከም ዝተቖጻጸረ ይግመት።

መዓልታዊ እውን ሓድሽ ምዕባለታት ይኽሰት ኣሎ። እተን ናይ ዞባታት ከተማታት ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ እየን ዘለዋ።

ኣመሪካን መሻርኽታን ምስ ጣሊባን ኣብ ዝገበረኦ ርክብ ሰራዊት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብዎ ሓይሊ ኔቶ ምስ ሰሓበ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብቲ ንሳተን ዝቆጻጸረኦ ዝነበራ ከባቢታት ዝኾነ ይኹን ጥሩፍ ንጥፈታት ከየካይዱ እዮም ተሰማሚዖም።

ጣሊባን ግን፡ ኣንጻር ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ኲናት ደው ከብል ኣይተሰማምዐን።

ኣብ ርእሰከተማ ካቡል ዝርከቡ ወተሃደራውያን ሰበ-ስልጣን፡ "ስልታዊ ምንስሓብ" ከምዝገበሩ እኳ እንተ ሓበሩ፡ እቶም ኣብቲ ዓውደ ውግእ ዘለው ኣዘዝቲ ግን ዋሕዲ ተተኳሲን ዋሃብ ደገፍ ሓይሊን ከምዘለዎም እዮም ንቢቢሲ ገሊጾም ።

ጎረባብቲ ሃገራት፡ እቲ ኲናት እናገደደ እንተኸይዱ ዋሕዚ ስደተኛታት ከጋጥመን ከም ዝኽእል ይዛረባ ኣለዋ።

ኣዘዝቲን ወተሃደራትን መንግስቲ

ምንጪ ስእሊ, MOI

መግለጺ ስእሊ, ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሓይልታቶም ኣንጻር ዕጡቓት ጣሊባን ይገጥሙ ከምዘለዉ'ዮም ዝገልጹ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ምስ ኣፍጋኒስታን እትዳወብ ሃገረ ኢራን ሞሃድ ጃቫድ ዛሪፍ፡ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝፈሸለትን ህላወኣ ኣብታ ሃገር ከቢድ ዕንወት ከም ዘውረደን ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ መንጎ ልኡኻት ኣፍጋኒስታንን ወከልቲ ጣሊባንን ኣብ ቴህራን ኣብ እተገብረ ኣኼባ እዩ ከምኡ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሃገሩ ንዕጡቓት ጣሊባን ክምክቱ ሓያል ብቕዓት ከምዘለዎም እኳ እንተ ተዛረበ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ግና ልዕሊ 1,000 ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ኣብቲ ኵናት ንከይሳተፉ ናብ ታጂኪስታን፡ ፓኪስታንን ኡዝበኪስታንን ዕቝባ ይሓቱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣፈኛ ጣሊባን ሱሃይል ሻሀን፡ ጣሊባን በዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን እምበር ሓይልታቱ ከም ዘይሕተቱ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ሓይልታት መንግስቲ ካብቲ ብስምምዕ ዝበጻሕናዮ ብዙሓት ወረዳታት ብፍቓዶም ምውጻእ ስለ ዝኣበዩ እቲ ግጭት ከም ዝተባረዐ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዚ እዋን ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ናይ ጭንቂ እዋን እዩ።

እቲ ብዝተፈላለየ ሰብኣዊ መሰላትን ባህላዊ ግህሰታትን ተኸሲሱ ዘሎ ጣሊባን፡ ነቶም ገበነኛታት ኢሉ ዝፈረዶም ሰባት ኣብ ኣደባባይ ብምቕታሉን፡ ከምኡውን ቴሌቪዥን፡ ሙዚቃን ሲነማን ከምኡ እውን ልዕሊ 10 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ናብ ቤት ትምህርቲ ንከይከዳ ብምእጋዱ እዩ ዝንቀፍ።

ብኣመሪካ ዝምርሑ ሓይልታት፡ ነቲ ንኦሳማ ቢን ላደንን ካልኦት ምስ ኣልቃዒዳን ርክብ ዘለዎም ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ መጥቃዕቲ 9 / 11 ዝፈጸሙ ሓይልታትን ዝድግፍ ዝነበረ መንግስቲ ጣሊባን ብ2001 ካብ ስልጣን ኣልዮምዎ።

ሕጂ: ድሕሪ 20 ዓመታት ሓይልታት ምዕራብ ካብ ኣፍጋኒስታን ይወጽኡ ስለ ዘለው ከኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከሲሩዎም ዝነበረ ቦታታት ቀስ ብቐስ ይምለሶም ኣሎ።

ጣሊባን: ኣብ 2018 ምስ ኣመሪካ ቀጥታዊ ዝርርብ ጀሚሮም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ፡ ሓይልታት ኣመሪካ፡ ንኣፍጋኒስታን ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ውዲት ካብ ዝእለመላ መደበር ባዕዳውያን ጂሃዳውያን ከም ዘይትኸውን ስለ ዝገበሩዋ ትስሕብ ምህላዋ ቅኑዕ ስጉምቲ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ ግን ነቲ ኣበሃህላ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትውዎ እዮም።

ብሰሉስ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ንኣፍጋናውያን ከይሓበሩ፡ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ቀንድን ዝዓበየን መደበሮም ዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር ባግራም ከም ዝሓደጉዎ ተሓቢሩ።