ሰራዊት ኣመሪካ 11 መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጥቕሊሉ ክወጽእ'ዩ

ሰራዊት ኣመሪካ 11 መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሉ ክወጽእ'ዩ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ 11 መስከረም 2021 ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ከም ዝወጽእ ንክሕብር መደብ ወጺኡ ከም ዘሎ ሰብ መዚ ኣመሪካ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

ብመሰረት ምምሕዳር ዶናልድ ትረምፕ ምስ ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበሮ ስምምዕ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ግንቦት'ዩ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ነይርዎ።

እንተኾነ ምውጻእ ሰራዊት ናይ ኣፍጋኒስታ ምስቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ዎርልድ ትሬድ ሰንተርን ፔንታጎንን (ቤተ ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክሳነ ስለ ዝተደለየ እቲ መዓልቲ ከም ዝተሰሓበ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እቲ ሰራዊት ኣመሪካ 1 ግንቦት 2021 ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባሩ ክኸብድ ከም ዝኽእል ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ።

ሰብ መዚ ኣመሪካን ኪዳን ኣትላንቲክን (ኔቶ)፡ ጣሊባን ጎነጻዊ ተግባራት ከጉድል ዝከተሞ ውዕል ኣብ ባይታ የተግብሮ ከም ዘየለ'ዮም ዝገልጹ።

ጣሊባን ንሰራዊት ኣመሪካ እናወጽአ እንከሎ ከጥቕዖ እንተፈቲኑ፡ ሓያል ዝኾነ ግብረ መልሲ ክውሃቦ ምዃኑ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል መዚ ኣመሪካ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቱ ሮቡዕ መግለጺ ክህብ እዩ።

2px presentational grey line

መሻደኒ ጣሊባን

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ጋዜጤኛ ቢቢሲ ሰኩንደር ክረማኒ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ንጣሊባን ዳግማይ ንክስስንን ንክሕይልን ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም ዝኣመኑ ሰባት ብዙሓት ምኳኖም'ዩ ዝሕብር።

ጣሊባን ቅድምን ድሕርን ስምምዕ ተጻባኢ ባህሪኦም ከም ዘይተቐየረ ዝገልጽ ሰኩንደር ክረማኒ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ምስ ወጽአ'ውን ዝያዳ ክስስኑ እንተዘይኮይኑ፡ ባህሮም ዘቐይሮም ምኽንያት ክህሉ ከም ዘይክእል ገሊጹ።

ገለ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ምምሕዳር ጆ ባይደን ነቲ ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዳግማይ ክኽልሶ እዩ ዝብል ተሰፋ ነይርዎም።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን ክግብር ዝጸንሐ ዝሕቱል ርክባት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ቅድሚ ምውጽኡ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ስልጣን ክማቐሉ ናብ ዘኽእል ስምምዕ ክብጽሑ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ'ዩ።

ጣሊባን፡ ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ብምውሳድ ናይ ሓይሊ ልዕልንኡ ከርኢ ክፍትን ከምዝኽእል ግን ብዙሓት ብፍርሒ ዝጽበይዎ ዘለዉ እዩ።

2px presentational grey line

ጣሊባን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ 'ብዛዕባ መጻኢ ኣፍጋኒስታን' ኣብ ቱርኪ ክካየድ ዝተወጠነ ዋዕላ፡ 'ባዕዳውያን ሓይልታት' ካብ ኣፍጋኒስታን ከይወጽኡ ኣብቲ ዋዕላ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ቐጠር ዝርከብ ውሃቢ ቃል ጣሊባን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኩሎም ባዕዳውያን ሰራዊት ካብ መሬትና ከይወጽኡ፡ ኣብ ዝኾነ ንኣፍጋኒስታን ዝምልከት ዓውደ ዘተ ኣይክንሳተፍን ኢና" ኢሉ።

ዋና ጽሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ከምኡ'ውን ዋና ጽሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሊሎይድ ኦስቲን ንምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ብራስለስ ንኣባላት ሃገራት ኔቶ ሮቡዕ መብርሂ ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

ኣመሪካ፡ ካብ 2001 ጀሚራ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰራዊታ ካብ ተዋፍር ልዕሊ 2000 ሰራዊት ከም ዝኸሰረትን ትሪልዮናት ዶላር ከም ዘባኸነትን እዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጣሊባን ዝኣተዎ ዋል እንተኣተግቢሩ (ኣልቃዒዳ ይኹኑ ካልእ ዕጡቓትን ናብ ኣፍጋኒስታን ከይኣትዉ እንተገይሩን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘተ ውዕል ሰላማ እንተቀጺሉን) ኩሎም ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ዘገድድ ነጥቢ ኣለዎ።

ጣሊባን ብወገኑ፡ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘተ ንክጅምር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣሽሓት ኣባላቱ ክፍትሑ ከም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጥዎ።

እዚ ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ቀዳማይ ርከብ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ኣብ ዶሓ ተኻይዱ።

ሰራዊት ጣሊባን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ሰራዊት ባዕዲ መጥቃዕቲ እኳ እንተኣቋረጾ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘካይዶ ዝነበረ ኵናት ግን ኣየቋረጾን።

ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቶም ሰራዊት ባዕዲ ክሳብ ጠቕሊሎም ዝወጽኡ (ብመሰረት እቲ ስምምዕ 1 ግንቦት 2021 እዩ ክወጽኡ ዝግብኦም) ኣብ ልዕሊኦም ዝገብሮ መጥቃዕቲታት ከም ዘየቋርጾ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ሰራዊት ጣሊባን ዝያዳ ተርኒዑ ንሰራዊት ኣፍጋኒስታን ክዕብልሎ እዩ ዝብል ስግኣት ካብ ብዙሓት ዝስማዕ ዘሎ እዩ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን 9600 ሰራዊት ኔቶ ክህልዉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም 2500 ሰራዊዊት ኣመሪካ እዮም።