ሓዲሽ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን 'ዘይተኣወጀ' ምብጻሕ ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፡ ሎይድ ኦስቲን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣቐዲሙ ብዕሊ ዘይተገልጸ ምብጻሕ ይገብር ኣሎ።
ንሱ ነዚ ዑደት ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓይልታት ኣመሪካ ቀዲሞም ቅድሚ ምውጸኦም ሒደት ሰሙናት ክተርፎም እንከሎ እዩ።
ኦስቲን፡ ኣብ ከተማ ካቡል ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሽራፍ ጋኒ ምስተራኸበ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ጠጠው ክብል ጸዊዑ።
እንተኾነ ብዛዕባ መደብ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር የለን።
ንሱ፡ እቲ ግጭት ብዝርርብ ዝፍትሓሉ ዕድል ምእንቲ ክፍጠር፡ ከቢድ ጎነጽ ምጉዳል ኣተኩሮ ክወሃቦ ዘለዎ'ዩ ኢሉ።
መደብ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ መራሕቲ ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተኻየደ ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ።
እንተኾነ፡ ሓይልታት ጣሊባን፡ በቲ ዝኣተውዎ ቃል መሰረት ንሰላም ድልውነት ኣርእዮም'ዶ ዝብል ሕቶ ኣይተመለሰን።
ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን ግን፡ ካብ'ቶም ዕጡቓት ሓይልታት ዝፍኖ ዘሎ መጠንቀቕታ ጠቒሱ፡ እቲ ኣብ ሓደ ግንቦት ክፍጸም መደብ ዝተታሕዘሉ፡ ወተሃደራት ናይ ምውጻእ መስርሕ፡ ምፍጻሙ ክኸብድ ከምዝኽእል ኣንፊቱ ነይሩ።
ሚስተር ኣስቲን [ሚኒስተር ምክልኻል] ካብቲ ሓድሽ ምሕደራ ኣመሪካ ናብ ካቡል ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ናይ መጀመርታ በዓል ስልጣን እዩ።
ንሱ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘሃቦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ነቲ ዝኣተውዎ ቃል ምኽባሮም ዘይምኽባሮም ኣመልኪቱ ኣይተዛረብን። "ርግጽ እቲ ጎንጺ ኣብ ከቢድ ደረጃ ከምዝርከብ ዘማትእ ኣይኮነን" ከምዝበለ ግን ኒውዮርክ ታይምሰ ጸብጺቡ።
"እቲ ዓመጽ ነክዩ ክንርኢ ኢና ንደሊ፤ ከምኡ ምስ ኮነ ፍረ ንዘፍሪ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንምጅማር ዘብቅዕ ባይታ ምንጻፍ ይከኣል" እዩ ኢሉ።
እቶም ሓይልታት ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎኦም ዝኾነ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከይተገብረ እንተደኣ ወጺኦም ጣሊባን ናብ ስልጣን ክምለስ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።
ኣመሪካ ዛጊድ 2500 ወተሃደራት ኣብ ኣፍጋኒሰታን ከምዘዋፈረት እያ ትገልጽ።
እቲ ስምምዕ እንታይ እዩ ነይሩ?
ምምሕዳር አመሪካ፡ ወተሃደራቱ ካብታ ሃገር ምስሓብ ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ እዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ጥሪ 2020 ዝተፈረመ ሓበራዊ ስምምዕ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብቲ ንሳቶም ዝቆጻጸርዎም ከባብታት ኣልቃዒዳ ኮኑ ካልኦት ኣኽረርቲ ሓይልታት ክንቀሳቐሱ እንተዘይፈቒዶምን ንሃገራዊ ዘተ ድልዋት ክኾኑ ዝብል እዩ ነይሩ።
ከምኡ እንተኾይኑ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኮነ ወተሃደራት ሓይልታት ቃል ኪዳን [ኔቶን] ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ክወጽኡ ኣብ ዝብል ምርድዳእ ተበጺሑ ነይሩ።
እዞም ሕሉፋት እስላማዊ ዕጡቓት ጣሊባን፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ናይ ደገ ወተሃደራት መጥቃዕቲ ምፍጻም ጠጠው እንተበሉ'ኳ፡ ምስ ሓይልታታት ጽጥታ መንግስቲ ግን ክዋግኡ እዮም ጸኒሖም።
ከምኡ'ውን ከም ቅድመ ኩነት ንሰለማዊ ዝርርብ፡ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም እሱራት ኣባላቱ ክፈትሕ ይጠልቡ እዮም።
ኣብ ዶሃ ቀጠር ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ቀጥታዊ ዝርርብ ተጀሚሩ ነይሩ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ወሳኔ ስምምዕ ኣይተበጽሐን ዘሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







