ትራምፕ፡ ምስ ጣሊባን ብዝተገብረ ስምምዕ ኩናት 18 ዓመት ከብቅዕ’ዩ

ወኪል መንግስቲ ኣሜረካን ጣሊባንን ኣብ ዶሓ ስምምዕ ሰላም እናተፈራረሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ናይ ሰላም ስምምዕ ምስፈረመት፡ "ሰብና ንዓዶም ዝምለሱሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላም ከረጋግጽ ዓቢ ተስፋ ከምዘለዎ እውን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ምስ መራሕቲ ጣሊባን ኣብ ቀረባ ግዜ ክራኸብ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ። ኣበይን መዓስን ግን ኣይገለጸን።

ኣብ ዝመጽእ ግንቦት 5ሽሕ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ንኣመሪካ ክኣትዉ እዮም። ኣመሪካን መሻርኽታ ሓይልታት ኔቶን ኣብ ዝመጽእ 14 ኣዋርሕ ኩሎም ኣብ ኣፍጋን ዝተዋፈሩ ሰራዊት ንክስሕቡ ታሪኻዊ ስምምዕ ከምዝፈረሙ ሓቢሮም።

ጣሊባን፡ ዛጊት ምስ ኣመሪካ እምበር ምስ መንግሰቲ ኣፍጋኒስታን ናይ ሰላም ዝርርብ ኣየካየደን። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ጣሊባን ኣብቲ ዝቆጻጸሮ ቦታ ንኣልቃዒዳን ካልኦት ጥሩፋት ሓይልታት ከይዕስክሩን ከይንቀሳቐሱን ተሰማሚዑ ኣሎ። ምስ መንግስቲ ኣፍጋን ከኣ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ዝርርብ ከምዘካይድ ተገሊጹ።

እቲ ናይ ሰላም ዝርርብ ኣፍጋኒስታን

ኣመሪካ ድሕሪ ፍጻሜ መስከረም 2001 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሩ ንዝነበረ ኣልቃዒዳ ክሃድን ንኣፍጋኒስታን ኣትዩ። እቲ ካብ ስልጣን ተዓልዩ ኣብ በረኻታት ኣፍጋን ክቃለሱ ዝጸንሐ ጣሊባን ኣብ 2018 ዳርጋ ንኽልተ ሲሶ እታ ሃገር ተቖጻጺሩዋ ይርከብ።

ኣመሪካ ንኣልቓዒዳን ጥሩፋት ሓይልታት ምስልምናን ክትዋጋእ ንኣፍጋኒስታን ካብ ዝኣተወትሉ ግዜ ክሳብ ሕጂ 2,400 ወተሃደራት ኣመሪካ ተቐቲሎም። ኣስታት 12ሽሕ ከኣ ኣብታ ሃገር ዓስኪሮም ኣለው።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ መደረ "ህዝቢ ኣመሪካ ብደምን ሃብትን ክቡር ዋጋ ኸፊሉ እዩ" ብምባል ንሰክሬታሪ ማይክ ፖመፐዮን ንምኒስተር ምክልኻል ማርክ ኢስፐር ዮሃና ኢሉዎም።

ጣሊባን ካብ ነዊሕ ግዜ ምስ ኣመሪካ ናይ ሰላም ዘተ ከካይዱ ጽዒሮም እዮም። "ኩሉ ወገን ብኩናት ደኺሙ እዩ" ስለዚ ኣብቲ ናይ ሰላም ዝርርብ እምነት ኣሎኒ ኢሉ ትራምፕ።

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዙሓት ጸላእቲ ኣመሪካ ሓይልታት ቀቲሉ እዩ። ሕጂ ግን እቲ ዝዓበየ ክፋል ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሩ ዘሎ ጣሊባን ነቲ ናይ ሰላም ውዑል ብምኽባር ግዝኣቱ ክቆጻጸር እዩ።

እንተደኣ ካብ ትጽቢት ኣመሪካ ወጻኢ ዝኾነ ሕማቕ ነገር ተኸሲቱ ግን "ኣመሪካ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሓይሊ ንኣፍጋኒስታን ክትምለስ ትኽእል እያ" ክብል ኣጠንቂቑ።

እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ብወገን ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ዛላሚይ ካሊዛድ ብወገን ጣሊባን ከኣ ፖለቲካዊ ሓላፊ ሙላሕ ዓብዱል ጋኒ ባራዳር ኣብ ደውሓ ቐጠር እዩ ተፈሪሙ።

እቲ ከም ምስክር ዝተሳተፈ ሚስተር ፖምፐዮ ከኣ ንጣሊባን ኣብ ግዝኣትኩም ኣልቓዒዳ ንኸየንቀሳቐስ ክቆጻጸሩ ንዝኣተዉዎ መብጽዓ ከኽብሩ ኣዘኻኺሩ።

ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ስምምዕ እንታይ እዩ ዘጠቓልል?

ኣብ ርእሲ እቲ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካን መሻርኽቲ ሓይልታትን ናይ ምሩኻት ምቅይያር ክግበር እዩ። ኣስታት 5ሽሕ ምሩኻት ጣሊባን ምስ ሓደ ሽሕ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋንን ብ10 መጋቢት ክለዋወጡ እዮም።

ብድሕሪኡ ኣብ መንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋንን ዝርርብ ሰላም ክጅመር እዩ።

ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዘካየደቶ ኩናት ኣብ ርእሲ እቲ ሰብኣዊ ክሳራ ኣስታት $500 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ገንዘብ ኣጥፊኣ።

ኣብ ለካቲት 2019 ኣስታት 32,000 ሲቪል ኣፍጋን ከምዝሞቱ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ። ካብ ብራውን ዩኒቨሪሲቲ ዋትሶን ኢንስቲትዩት ዝተባህለ ትካል 58,000 ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋንን 42,000 ተቓወምቲ ሓይልታትን ከምዝሞቱ ይሕብር።