ውዕል ሰላም ዝፈረመ ጣሊባን መጥቃዕቲ ክፍጽም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት መንግስቲ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ክፍጽም ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ብቀዳም ስምምዕ ሰላም ዝፈረመ ጣሊባን፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲታት እዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።
እቲ ውዕሊ፤ እቲ ጉጅለ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታ ቀጻሊ ዘተ ሰላም ምክያድ ዝሓውስ ኮይኑ፡ ቅድሚ እቲ ውዕል ምፍራሙ ጎንጺታት ነክዮም ነይሮም።
ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ብመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዝተኣሰሩ ኣስታት 5 ሽሕ ኣባላቱ እንተዘይተፈቲሖም፡ እቲ ዘተ ሰላም ከም ዘይቅጽል ገሊጹ።
ጣሊባን፡ ምፍታሕ እቶም እሱራት ኣካል እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ብምትሕብባር ኣመሪካ ኣብ ቀጠር ዝተፈረመ ስምምዕ ከም ዝኾነ ይገልጽ፡ ፕሬዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋህኒ ግን ከምኡ ዓይነት ስምምዕ ከም ዘይነበረ ገሊጹ።
ምፍታሕ እቶም እሱራት ኣብ ድልየት ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ዝምስረት እምበር፡ ዘተ ንምክያድ ከም ቅድመ ኩነት ክቕመጥ ዝኽእል ከም ዘይኮነ ፕረዚደንት ጋህኒ ተዛሪቡ።
ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ተዛትዩ ውዕል ሰላም ዝፈረመ ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት መንግስቲ እምበር ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ወጻኢ መጥቃዕቲ ከም ዘይፍጽም ኣብቲ ትማሊ ሶኒ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍጋኒስታን ምስ መንግስቲ ክዛተ ድልየት ከም ዘለዎን፡ እንተኾነ እቶም እሱራት እንተዘይተፈቲሖም ግን ከም ዘይዛተ ኣፍሊጡ።
ኣስታት 10 ሽሕ ኣባላት ጣሊባን ብመንግስቲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ይግለጽ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ጣሊባን ነቲ ውዕል እንተተቐቢሉ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣስታት 12 ሽሕ ወታሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ነታ ሃገር ገዲፎም ክወጽኡ ዝሓውስ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







