ኣፍጋኒስታን፡ 'ብድርቂ ዝተመዛበሉ ብዂናት ጣሊባን ካብ ዝተመዛበሉ ይበዝሑ'

ሻዲ መሓመድ፡ ሓደ ካብ ነበርቲ ግዚያዊ መዓስከር ስደተኛታት ሄራት
መግለጺ ስእሊ, ሽሕ ኣፍጋናውያን ብምኽንያት ድርቂ ከም ዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ

ኣፍጋኒስታን ከቢድ ድርቂ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ምኽንያት ምምዝባል ብዙሓት ኮይኑ። ኣብዚ ዓመት በዚ ድርቂ ዝተመዛበሉ ሰባት፡ በቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ጣሊባንን ብዝተኻየደ ኵናት ካብ ዝተመዛበሉ ከም ዝበዝሕ ተገሊጹ።

ወዲ 70 ዓመት ሻዲ መሓመድ፡ ካብ ከተማ ሄራት ውጽእ ኣብ ዝበለ ስፍራ ተደዅኑ ኣብ ዘሎ ግዚያዊ መዓስከር ምስ ስድርኡ ይነብር።

"ጽምዕን ጥሜትን ኣሎና። ከንሕዞ እንኽእል ሒደት ኢና ተማሊእና፤ መብዝሕትኡ ድማ ኣብ መገዲ ወዲእናዮ። ዋላ ሓንቲ የብልናን። ሸሞንተና ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቴንዳ ኢና ንነብር" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ሰበይተይን ሓወይን ሞይቶም። ካብ ደቀይ ፍርቆም'ዮም ኣብዚ ዘለዉ። እቶም ካልእ ፍርቂ ኣብኡ ተሪፎም" ኢሉ።

መሓመድ ሓደ ካብቶም ከባቢ 260 ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ሰሜናውን ምዕራባውን ኣፍጋኒስታን ብሰንኪ ብርቱዕ ድርቂ ካብ ዓድታቶም ተመዛቢሎም ዘለው ኢዩ።

ኣብዛ ኣህጉራዊ ሓይልታት ተልእኾኦም ካብ ዘቋረጽሉ፡ ካብ 2014 ዓም ጀሚሩ ህውከት እናበዝሐ ክረኣየላ ዝጸንሐ ሃገር፡ እዚ ድርቂ ተወሳኺ ሕሰም ኮይኑ ኣሎ።

ጣሊባን ሎሚ ካብቲ ኣብ 2001 ተቖጻጺረምዎ ዝነበሩ ዝበዝሕ ክፋል እታ ሃገር ተቆጻጺሮም ኣለው።

ሕቡራት ሃገራት ግና፡ ኣብዚ ዓመት ብድርቂ ዝተመዛበሉ ሰባት በቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ጣሊባንን ብዝተኻየደ ኵናት ካብ ዝተመዛበሉ ከም ዝበዝሕ ገሊጹ።

ኣወሃሃዲ ንጥፈታት ረድኤት፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሄራት ዝኾነ፡ ሚስተር ከድር ኣሰሚ "ብምኽንያት መጠን እቲ ሓደጋ፡ ኣዝዩ በዳሂ ኩነታት እዩ ዘሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሕቡራት ሃገራት ነቶም በዚ ድርቂ ዝተጠቕዑ 2.2 ሚልዮን ሰባት 34.6 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ኣሎ።

ብድርቂ ዝተመዛበሉ ኣፍጋናውያን ቆልዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ዝኾነትን ካብ ሰሜናዊ ዞባ ፋርያብ ዝመጸት ውልቀሰብ ከምዚ ትብል።

"ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝናብ ኣይዘነበን። ኩሉ ነቒጹ'ዩ። ንደቅና እነስትዮ ማይ'ውን የብልናን። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ መንጎ ጣሊባንን ሰራዊትን ኲናት ኣሎ። ሕንፍሽፍሽ'ዩ።"

እታ ሃገር ነቲ ንነዊሕ ክሰጋገር ዝጸንሐ ንጥቅምቲ 20 ተወጢኑ ዘሎ መረጻ ፓርላማ ንምክያድ ኣብ ምደላው'ያ እትርከብ።

ብዙሓት ኣፍጋናውያን ግና ፖለቲካዊ መራሕቶም ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ነገራት ከም ዘይከታተልዎ ይዛረቡ።