ኮሮናቫይረስ፡ 'ኣዕጽምተይ ኣብ ሓጺን ወዲቑ ዝሕምሸሽ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ'

ጓል 44 ዓመት እየ፤ ሉሲ ኣዳምስ ይብሃል። ጋዜጠኛ ቢቢሲ'ውን እየ።
ብውሽጠይ ከምቲ ቅድሚ 16 ኣዋርሕ ዝነበርኩዎ ጋዜጠኛ፣ ኣደ፣ በዓልቲ ቤት፣ ሳይክሊስት፣ ሓዃሪት እምባ፣ ሓምባሲትን ሓዲሽ ነገር ክድህስስ ብቐጻሊ ዝጓዓዝ ( ኣድቨንቼረር) ሰብ ኮይኑ'ዩ ዝስመዓኒ።
ብግብሪ ግን ዳርጋ ክልተ ዕጽፊ ካብ ዕድመይ ኣሪገ ኣለኹ።
ዝበዝሕ እዋን ካብ ድቃሰይ ብቃንዛ ይነቅሕ'ሞ ምስ ቃንዛይ እድቅስ። ሕማም መርዘን ኣለኒ፤ አዒንተይ ውሪግሪግ፡ ርእሰይ ጽርውርው ይብለኒ።
መላግቦ ኣካላተይ የቐንዝወኒ፣ ኣዕጽምተይ ኣብ ሓጺን ወዲቑ ዝሕምሸሽ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ኣነ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ በቲ " ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሳዕቤን ኮቪድ" ዝሳቐዩ ኣስታት 385,000 ሰባት እየ።
እቲ ቑጽሪ ገና እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ብኮቪድ ምስ ተለኸፍኩ እዩ እዚ ሕጂ ዝገልጾ ዘለኹ ኩነታት ጀሚሩኒ።
ሽዑ ብዙሓት ሰባት ንክምርመሩ ዕድል ኣይነበረን። ንዓይ ኩሉ እቲ ሕማም ኮቪድ ዘስዕቦም ምልክታት ይረኣየኒ ነይሩ።
ብሕጽረት ምስትንፋስ ተሸጊረ ሓገዝ ሕክምና ምስ ሓተትኩ፡ ሕብሪ ከንፈረይ ብሕጽረት ኦክሲጂን እንተዘይተቐይሩ ኣብ ቤተይ ክውሸብ'ዩ ተነጊሩኒ።
ጓል ሸውዓተ ዓመት ጓለይ'ውን ሓሚማ ነይራ። ንሳ ቀልጢፋ'ኳ እንተሓወየት ከቢድ ድኻምን ጸገም ምትንፋስን የጋጥማ ነይሩ።
ብኸመይ ክንሕግዛ ከምእንኽእል ኣይርድኣናን ነይሩ።
እቶም ሓካይም እውን ሽዑስ ክፈልጡ ዝኸኣሉ ኣይመስለንን። ዓቕሊ ጌርኩም ቁሩብ ተጸበዩ ኢሎሙና ከም ዝተባሃልናዮ ጌርና።
እነሆ ድማ ድሮ ዓመትን መንፍቕን ኮይኑ
ሓድሽ ሕማም
ተመራመርቲ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ውሱናት ሰባት ንነዊሕ እዋን ዝጽንሕ ዓይነት ኮሮናቫይረስ፡ እንታይ ከም ዘበግሶን ብኸመይ ከም እትከላኸሎን ገና መጽናዕቲ የካይዱሉ ኣለዉ።
ዝተፈላለዩ ክልሰ ሓሳባት ግን ኣለዉ።
ገሊኦም ካብቶም ዘይሞቱ ቫይረሳት ኮቪድ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ጸኒሖም መሊሶም ክበራበሩ እንከለው እቲ ምልክታት ከም ዝፍጠር ይዛረቡ።
ገሊኦም ከኣ ሰብነትና ባዕዳዊ ኣካል እናመሰሎ ባዕሉ ንኣካላቱ ከጥቅዕ ክጅምር እንከሎ ከም ዝኽሰት ይገልጹ።
ካልኦት ከኣ ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣብ ዘለዎም ሰባት እቲ ነዊሕ ዝጸንሕ ዓይነት ኮቪድ ከም ዝኽሰት ይሕብሩ።

በዚ ኩነታት ብዝያዳ ዝጥቃዓ ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ኣብ ብሪጣንያ እቶም ግዳያት እዚ ንነዊሕ ዝጸንሕ ዓይነት ኮቪድ ካብ ዝኾኑ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት እቶም ዝበዝሑ፡ ድልዱል ሰብነት ዝነበሮም፣ ስፖርት ዘዘውትሩን ሰብ ሙሉእ ጥዕናን መንእሰያት እዮም።
ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ኣስታት ሚኢቲ ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ምስ ተለኽፉ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ዝተፈላለየ ምልክታት ከም ዘርኣዩ መረዳእታታት የመልክቱ።
ኣነ ግን ዘጨንቐኒ፡ እቲ ሕማም እንታይ እዩ? ብኸመይከ እዩ ክሓዊ ዝኽእል? ዝብል'ዩ።
ናይ ስድራይ ጫቚጫቚ ኮነ፡ ዝኾነ ብርሃን ወይ መብራህቲ ስለ ዝደጉሓኒ ንበይነይ ኣብ ጸልማት ገዛ ኮፍ ክብል እመርጽ።
እቲ ጸልማት ክፍሊ ድማ ክትሃድመሉ ወይ ክትወጽኦ ዘይትኽእል ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ዝደቀስኩሉ ዓራት፡ ልክዕ ከም ዝቐነነት/ዝዘንበለት መርከብ ወይ ዘይህዱእ ባሕሪ ኮይኑ ይስምዓኒ።
ነዚ ከምዚ ዝበለ ፍርሒ፣ ተነጽሎን ብሕትውነትን ክገልጾ ብዘይምኽኣለይ ናብ ስርሐይ ክምለስ ከም ዘይክእል ንነብሰይ ከእምና ኣገዲዱኒ።
ንደቀይ ቀኒዐ ከናብዮም ወይ ዝሓሸ ዕድል ስራሕ ክርኢ ዘይክእል ሰብ ኮይነ ከይተርፍ እፈርሕ።
ዕድላት ሓገዝ
ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጸሓፍክዎ ዓንቀጽ ኣብ ቢቢሲ ኒውስ ምስ ተሓተመ ብዙሓት ሰባት ኣዘራሪቦምኒ፤ ክሕግዙኒ'ውን ቃል ኣትዮምለይ።
ካብ ኣወስትራሊያ፣ ፈረንሳ፣ ሰሜን ኣሜሪካን ኔዘርላንድስን ሰባት ረኺቦምኒ። ብዙሓት ካብኣቶም ሓዘኖም ብምግላጽ ጥዕና ተመንዮምለይ።
ሓልዮቶም ዝገለጹለይን ብዙሓት ካልኦት በቲ ዘጋጠመኒ ተመሳሳሊ ሕማም ናይ ዝሳቐዩ ቤተሰቦም ኩነታት ሓቲቶምኒ።
ንኹሉ ሕቶታቶም ዝምልስን ዘዕግብን መልሲ ክህቦም ዓቕሚ ኣይረኸብኩን።
ካብቶም ዝረኸብኩዎም ሰባት ሒደት ዘይኮኑ ካብቲ ኣጋጢሙኒ ዘሎ ኩነታት ፈጺመ ክሓዊ ከም ዘይክእልን ኣሜን ኢለ ክቕበሎን ሓቢሮምኒ።
ኣነ ግን ኣይተቐበልክዎን፤ ኣመጋግባይ ካብ ምቕያር ኣትሒዘ ዝተፈላለዩ ሜላታት ክፍትን ጀሚረ።
ኣብ መንጎ እናዕረፍኩ ብእግረይ ክጓዓዝ ጀሚረ። ካብ ገዛይ ወጺአ ቁሩብ ክንቀሳቐስ ዝረኣዩኒ ሰባት ጨሪሰ ዝሓወኹ ከይመስሎም እሰግእ።
ብትካላትን ውልቀ ሳበትን ንዝቐርበለይ ሓገዝ ክቕበል'ኳ እንተኸበደኒ ሓገዝ ከም ዘድልየኒ ግን ተገንዚበ ኣለኹ።
መግቢ ክሰርሕ ወይ ክሽነ ኣትየ ኣቑሑ ክሓጸብ ነዓይ ከቢድ ፈተና'ዩ።
ጎረባብትና ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ መግቢ እናሰርሑ ከቕርቡልና ጀሚሮም።
ሰኑይን ሓሙስን ጽቡቕ ናይ ገዛ መግቢ ብመንደቕ ኣስጊሮም የቐብሉና። መሓዙተይ ድማ ንደቀይ ይከናኸንኦም።

ዝሓገዙኒ ነገራት
ንኹሉ ሰብ ዘይክሕግዝ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ንኹነታተይ ቁሩብ ዝሓገዘኒ ነገራት ኣሎ።
እቲ ቐዳማይ ነገር ዮጋ እዩ፤ ምስ ኣተነፋፍሳይ ብዝተሓሓዝ ዓብዪ ረብሓ ረኺበሉ።
እቲ ካልእ ድማ ኣኩፓካንቸር [ቻይናውያን ንዝተፈለላየ ሕማማት ዝፍውስሉ ናብቲ ቃንዛ ዝስምዓካ ክፍሊ ኣካል ዝውጋእ መርፍእ] እዩ። ሕማመይ ኣብ ምንካይ ሓጊዙኒ።
ኣልኮላውን ዘነቓቕሕ ካፌይን ዘለዎ መስተን እውን ገዲፈዮም። ንኣተነፋፍሳይ ክሕግዘኒ ክደርፍ ጀሚረ።
ከም ዝሓሸካ ምእማን ንባዕሉ ወሳኒ ናይ ምሕዋይ መገዲ'ኳ እንተኾነ ጸጽብቑ ጥራሕ ክትሓስብ ምኽኣል ግን ቀሊል ኣይኮነን።
ናብ ስራሕ ምምላስ
በዓለ ልደት [ክሪስማስ] ምስ ኣተወ፡ ጓለይ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ጥዕና ተመሊሳ። ኣነ'ውን ኣብ ወርሒ ጥሪ ክድልድል ጀሚረ።
መርዘነይ ከም ቀደሙ ኣይኮነን ፈዅሲኒ። እቲ ጽርውሩው ዝብለኒ ዝነበረ ግን ክሳብ ሎሚ ኣሎ። ኣብ መላግቦ ኣካላተይ ዝነበረ ቃንዛ ግን ቁሩብ ነኪዩ'ሎ።
ብምስትንፋስ ከይተጨንቕኩ ክዛረብ ኪኢለ ኣለኹ። ክሰርሕ ዝኽእል እንተኾይነ ተመርሚረስ ውሑድ ሰዓታት ክሰርሕ እውን ተሰማሚዐ።
ፈለማ፡ ኣብ ሰሙን ተመቓቒሉ ኣርባዕተ ሰዓት ጥራሕ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ተሓቢሩኒ።
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ስራሕ ብጽቡቕ ሰሪሐ ልዑል ታሕጓስ ተሰሚዑኒ። ብድሕሪኡ ግን ሓደ ንግሆ ክትንስእ እንተደለኹ ሓያል ረስንን ከቢድ ቃንዛ ኩሊትን ተሰሚዑኒ።
ብሰንኪ'ቲ ዝገበርክዎ ምንቅስቓስ ዝተፈጠረ ክኸውን ከም ዝኽእል ጥርጣረ'ኳ እንተነበረኒ እቲ ስምዒት ግን ልክዕ ከምቲ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ ዝነበርክዎ'ዩ ተመሊሱ።
ምስ ተመርመርኩ፡ 'ኮቪድ ኣለኪ' ተባሂለ። ኣዝዩ ዘሰንብድ ነይሩ። እቲ ምልክታት ተመሳሳሊ እኳ እንተነበ ረስኒ ሰብነተይ ግን ከምቲ ናይ ቅድም ኣይነበረን።
10 መዓልታት ደቂሰ ከሕልፎ ተገዲደ፤ ብድሕሪኡ ከኣ መሊሰ ደሓን ኮይነ።

ጸገም ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ
ኣብ ጓለይ ዝረኣዩ ዝነበሩ ምልክታት'ውን ተመሊሶም፤ ከቢድ ቃንዛ ክስምዓ ጀሚሩ። ስርዓተ ኣተነፋፍስኣ እናኸፍአ ብምምጽኡ ብቖጸራ ንሆስፒታል ከይዳ።
ተስፋ ናይ ምቑራጽ ስምዒት ተሰሚዑኒ። ነቲ ናይ ሆስፒታል መግብን ኣብኡ እተሕልፎ ለይትን ኣዝያ'ያ ትፈትዎ።
ዝተገበረላ መርመራ ኣብ ስርዓት ኣተነፋፍስኣ ጸገም ከም ዘለዋ ዘርኢ እዩ ነይሩ። ነዚ ንምምሕያሽ ከኣ መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ነይሩዋ።
መብዛሕቲኦም ንነዊሕ እዋን ብዝጸንሕ ኮቪድ ዝተጠቕዑ ሰባት ጸገም ምስትንፋስ ኣለዎም። ስርዓት ኣተነፋፍሳ ንምምሕያሽ ከኣ ናይ ፊዝዮቴራፒስት ሓገዝ የድሊ።
ኣነ'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ጥዕና ከም ዘለኒ ፈለጥኩ። እቲ ጽቡቕ ዜና፡ ከምዚ ዓይነት ጸገም ስርዓተ ኣተነፋፍስ ብሕክምና ክምለስ ዝኽእል ምዃኑ'ዩ።
እቲ ዘየሐጉስ ወይ ዘሰንብድ ሸነኹ ከኣ ነቲ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ንኽተለልዮ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ክወስድ ዝኽእል ምዃኑ'ዩ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ተወሰኽቲ ምርመራታት ኣካላት ምስትንፋስ ንምግባር ይጽበ ኣለኹ።
ለውጢ
ዝሓለፈ ዓመት ሓይለይ ድኹም እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣለኹ።
እትረፍ ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ሕማም ርእስን ቃንዛ መላግቦን ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሕማም ርእሲ እውን መትከር'ዩ።
ሎሚ ወርሒ ሓምለ'ዩ። ካልእ ብዙሕ ስራሕ ከይሰራሕኹ እንተውዒለ ሓንቲ ምልእቲ ፊልም ርእየ ክውድእ ዓቐሚ ኣለኒ።
ንሓጺር ርሕቐት እውን ሳይክል ክዝውር እኽእል። ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ስድራይ ንዕረፍቲ ክወጽእ መደብ ኣለኒ።
ሽዑ ኣብ ባሕሪ ክሕምብስ ክፍትን'የ።
ምስ ደቀይ ናይ እግሪ ጉዕዞ ክገብርን ክጻወትን እውን ዓቐሚ ኣለኒ። ኩሉ ዝደለኽዎ ነገር ክገብር ግን ኣይክእልን።
ኣብ ኩሉ ዝገብሮ ምንቅሳቓስ ቁሩብ ዕረፍቲ ክወስድ ናይ ግድን'ዩ።

እዚ ለውጢ ግን ኩነታተይ ናብ ስሩዕ ተመሊሰ ማለት ኣይኮነን። ናብቲ ቅድሚ ኮቪድ ዝነበርክዎ ደረጃ ገና ኣይተመለስኩን።
ብዙሓት ናብ ንቡር ጥዕንኦም ክምለሱ እንከለዉ ኣነ ግን ገና ብዙሕ ዝተርፈኒ ጉዕዞ ኣሎ።
ምሉእ ክታበት ኮሮናቫይረስ እንተወሰድኩ'ኳ ንሳልሳይ ጊዜ ከይተሓዝ ግን ኣዝየ እፈርሕ'የ።
ብዙሓት ሰባት ካብዚ ንነዊሕ እዋን ምሳኻ ዝጸንሕ ኮቪድ ከም ዝሓወዩ ክሓሰብን ኣነ'ውን ከምኦም ክሓውን ከም ዝኽእል እሓስብ።
ሎሚ ጽቡቕ ምምሕያሽ ገይረ ኣለኹ። ኣብ ዝሓለፈ ነቲ ቀዳማይ ጽሑፈይ ክጽሕፍ ነዊሕ ጊዜ'ዩ ወሲዱለይ።
ንብምሉኡ እቲ ጽሑፍ ኣብ ዓራት ኮይነ ብሓንቲ ኣጻብዕተይ ኣብ ሞባይለይ እየ ጽሒፈዮ።
ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት ነዚ ጽሑፍ ክጽሕፍ እንከለኹ ኣእዳወይ ይንቅጥቀጥ ነይሩ። ሎሚ ኮፍ ክብልን ክሰርሕን ከምኡ ድማ ንቀረጻ ፊልም ክወጽእን ኪኢለ ኣለኹ።
እንተዘይክእል ግን ነቲ ሰነዳዊ ስራሕ ክሰርሕ ፍቓደኛ ኣይምኾንኩን።
ናይ ካልኦት ሰባት ዛንታ ምጽሓፍ'ዩ ዘሕጉሰኒ። ናይ ብዙሓት ሕሙማት ዛንታ ምስማዕን፤ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዓይነት ኮቪድ ምርምር ንዝገብሩ ምሁራት ቃለ መሕትት ምክያድን ኣዝዩ ዝምስጥ'ዩ።
ብዛዕባ እዚ ሕማም እኹል ግንዛበ ንምርካብ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝካየድ ምርምር ቀጺሎ።
ሎሚ'ውን ግን ንመንቀሊኡን ሕክምንኡን ብዝምልከት ብዙሕ መልሲ ዘድልዮም ሕቶታት ኣለዉ።
ንዓይ ዝተረደኣኒ ሓደ ነገር ግን ኣሎ። በዚ ኣብ ሰብነትካ ንነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል ዓይነት ኮቪድ ዝተትሓዙ ሰባት ንበይኖም ክጻወርዎ ዝኽእሉ ዓይነት ሕማም ከም ዘይኮነ'ዩ።
ሰባት ንመሓዙቶምን ቤተሰቦምን ክሕግዙ ኣለዎም። ትኽክለኛ ምርመራን ሕክምናዊ ሓገዝን ምርካብ ከኣ ኣገዳሲ ይኸውን።
ንነዊሕ እዋን ዝዘልቕ ኮቪድ ንዝተፈላለዩ ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲታት ክጸልዎም ይኽእል'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







