ኮሮናቫይረስ ኣብ ብከላ ኣየር ዝፈጠሮ መስተርሆት

ኒው ደልሂ ቅድም ድሕርን ኮሮናቫይረስ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኒው ደልሂ ቅድም ድሕርን ኮሮናቫይረስ ዘርኢ ስእሊ

ኣብ ዓለም ብሰንኪ ብከላ ኣየር ዓመታዊ ኣስታት 7 ሚልዮን ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።

ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዕጽዋ ምስ ኣምረሐት ግን መገሻታት ናይ ደቂ ሰባት ስለዝጎደለ ማዕረ ማዕሪኡ ብከላ ኣየር ብሰፊሕ ከምዝጎደለ ይግለጽ።

ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘርእዮ ካብ ህዝቢ ዓለም 90 ሚኢታዊት ንብከላ ኣየር ዝተቃልዑ ምኳኖምን ልዕሊ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቐመጦ ቀመር ብከላ ኣየር ከምዝስሕቡን የረድእ።

ልዕሊ ርብዒ ካብቲ ንኣየር ዝብክል ካርቦንዳይኦክሳይድ ሰብ ምዓልታዊ ንጥፈታቱ ንምክያድ ካብ ዝጥቀመሉ ነዳዲ ዝምንጩ እዩ።

ብዙሓት ሃገራት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንቅስቃስ ድሕሪ ምእጋደን ግን ብመኪና ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቓስ ኣዝዩ ጎዲሉ።

ዓለምለኻዊ አጄንሲ ጽዓት ኣብ ዘውጽኦ ጸውጻብ፡ ምስ ናይ 2019 ብምውድዳር ድሕሪ ክስተት ኮሮናቫይረስን ዝሰዓበ ዕጽዋን ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ብ50 ሚኢታዊት ምጉዳል ከምዘርኣየ እዩ ዝገልጽ።

ብሰንኪ እዚ ብከላ ኣየር'ውን ዓቢ ምጉዳል መርኣዩ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ኣብ ዓለም ኣብተን ዕጽዋ ዝተኣወጀለንን ሰብ ብጻዕቂ ዝነብረለንን ከተማታት እቲ ምጉዳል ብከላ ኣየር ብርኡይ ከምዘንቖልቆለን ሰማይት እተን ከተማታት ንጽርነት ከምዝለበሰን ይሕበር።

ኣብ ዓበይ በርጣንያ ብሃገራዊ ማእከል ሳይንስ ኣትሞስፌር ኣብ 10 ከተማታት ዝተገበረ ጸብጻብ፡ ኣብተን ከተማታት መጠን ናይትሮጅን ዳይኦክሳይድ ምንካዩ ከረጋግጽ ክኢሉ እዩ።

ኣብ ህንዲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ 90 ሚኢታዊት ምንቅስቓስ ናይ ተሽከርከርቲ ደው ምስ በለ፡ ነበርተ ነቲ ጽሩይ ሰማያት ስኢሎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሕዎ ጀሚሮም።

ተመራማሪ ጸዓትን ጽሩይ ኣየርን ሱኒል ዲህያ ዝተብሃለ ህንዳዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እዚ ብሰንኮ ሮናቫይረስ ዝሰዓበ ቅልውላው ውሁድ ስጉምቲ እንተተወሲዱ ብከላ ኣየር ክውገድ ከምዝኽእል እየ ምሂርና ኢሉ።

እንተኮነ እቲ እግዳታት ምስ ፎኾሰን ምንቅስቓስ ምስ ተጀመረን እቱኢ ብከላ ኣየር'ውን ናብቲ ቅድሚ ኮሮና ዝነበሮ ይምለስ ከምዘሎ እዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።

ዓለምለኻዊ ውድብ ትምበያ ኩነታት ኣየር ግን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሰንኪ ካርቦንዳይኦክሰይድ ኣብ ዝስዕብ ብከላ ዓቢ ለውጢ ከምዘይኣምጽአ እዩ ዝገልጽ።