‘ሰባት ኣብ ገዛ ብምስረሖም ብከላ ኣየር ክውስኽ እዩ’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ይሰርሑ ብምህላዎም፡ ብኽለት ኣየር ክውስኽ ከምዝኽእል ተገሊጹ፡፡
ካብ መውዓዪታት ዝወጽእ ዝተቓጸለ ጋዝ፡ እቲ ዝለዓለ ምንጪ ብከላ ከባቢ ኣየር እዩ፤ ንኣብነት ኣብ ለንደን ናብ ከባቢ ኣየር ካብ ዝልቀቕ ናይትሮንጅን ኦክሳይድ እቲ 21 ምኢታዊት ካብ መውዓዪታት ዝፍጠር እዩ፡፡
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሰባት ኣብ ገዝኦም ይሰርሑ ብምህላዎም ኣብዚ ሓጋይ ብዝሒ ተጠቀምቲ መውዓዪ ብ 56 ምኢታዊት ከምዝውስኽ ትጽቢት ይግበር፡፡
ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኮይኖም ምስራሕ ንዝደልዩ ድማ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት መሞቒ ምጥቃም ዝቕጽል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት፡፡
ብተወሳኺ ዋላኳ ሰባት ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣይመላለሱ እምበር፡ ኣቐዲሞም ኣውቶብሳት ዝጥቀሙ ዝነበሩ ሰባት ኣብዚ እዋን'ዚ ናይ ባዕም መካይን ይጥቀሙ ስለዘዉ፡ ካብ መካይን ዝወጽእ መጠን ናይትሮጅን ኦክሳይድ ምስቲ ቅድም ክብለ ዝበረ ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ይሕብር፡፡
ምውሳኽ እቲ ናብ ከባቢ ኣየር ዝስደድ በካሊ ጋዝ ነቲ ሕጊ ብሪጣንያ ዝደንገጎ መጠን ጽሬት ሰባት ክትንፍስዎ ዝግባእ ኣየር ዘስግእ ከምዝኾነ እቲ ‘ኢሲኣይዩ’ ዝተባህለ ጉጅለ ክኢላታት ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት፡፡
እቲ ወሰኽ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል መጠን ጉልበት (ኢነርጂ)፡ ኣብ ዓበይትን ማእከለዎትን ከተማታት መጠን ዝፍኖ ናይትሮጅን ኦክሳይድ ብ 12 ምኢታዊት ክውስኽ ከምዝገብር ዝገልጽ እቲ መጽናዕቲ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ ተሸከርከርቲ ኣብ ዝወጽእ ጋዝ ዝተረኸበ ምምሕያሽ ንድሕሪት ዝጎትት ከምዝኾነ የረድእ፡፡
ወርሓዊ ክፍሊት ሓይሊ ሓደ ገዛ ብማእኸላይ ብ32 ፓውንድ ከምዝውስኽ እውን ግምት እቲ ምጽናዕቲ ርእይ፡፡
ኮይኑ ግና: እቲ ወጻኢ: ሰባት ካብ ገዛ ናብ ስራሕ ብምምልላስ የውጽእዎ ብዝነበረ ወጻኢ ምትራፍ፡ ክከሓሓስ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብኽለት ኣየር ተሞርኲሶም ዝግበሩ ክትዓት ኣብ ተሽከርከርቲ እዮም ዘተኩሩ፤ ኮይኑ ግና ኣብ ዓበይቲ ከተማታት መውዓዪታት ቀንዲ ፍልፍል በከልቲ ጋዛት እዮም፡፡
ካብ ከም መውዓዪታት ዝበሉ መሳርሒታት ዝወጽእ ዝተበከለ ጋዝ ብቐጥታ ሰብ ኣይቕተል እምበር፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራሕ ዓመታዊ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ብሕማማት ልብን ሳንቡእን ህይወቶም ክስእኑ ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ኣለዎ፡፡
እዚ ቑጽሪ ግን ብሒሳባዊ ክልሰ-ሓሳብ ዝተስኣለ እምበር ኣብ ሓቀኛ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ዝተመርኮሰ ኣይኮነን፡፡
ኣማኸርቲ መንግስቲ ድማ እቲ ቑጽሪ ካብ ዝወሐደ 7000 ክሳብ ዝለዓለ 80,000 ክበጽሕ ከምዝኽእል ይገልጹ፡፡
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብኽለት ኣየር ኣብ ነዊሕ እዋን፡ ካብ ሕርሻ ካብ ዝፍኖ ኣሞንያ ወጻኢ፡ ብሓፈሻ እናቐነሰ እዩ መጺኡ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







