ከተማ ደልሂ ብምኽንያት ብከላ ኣየር መካይን ብብተራ ክንቀሳቐሳ ክትገብር'ያ

ከተማ ደልሂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ርእሰ ከተማ ህንዲ ደልሂ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓያል ብከላ ኣየር፡ መካይን ብተራ ክንቀሳቐሳ ዝገብር መስርሕ ግብርዊ ክትገብር'ያ።

ሰሌዳ ቑጽረን ሙሉእን ጎደሎን ዝኾና መካይን በብተራ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲታት ክንቀሳቐሳ ምዃነን ሰብመዚ ገሊጾም።

እቲ ካብ 4 ክሳብ 15 ሕዳር ግብራዊ ዝኸውን ደንቢ ኣብ 2016ን 2017 ን ተፈቲኑ ነይሩ እዩ።

ኣብታ ከተማ ዘጋጠመ ሓያል ብከላ ኣየር፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንጸገማት ምስትንፋስ ክቃልዑ ከምዝገበረ ይግለጽ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ነበርቲ ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ክኾኑን ዝኾነ ዓይነት ናይ ጉልበት ስራሕ ካብ ምስራሕ ክቑጠቡን የጠንቅቑ ኣለዉ።

ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ሰሉስ ክዕጸዋ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ዛጊት እታ ከተማ ብግመ ተሸፊና ስለዘላ እቶም ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ዝመጽእ ዓርቢ ክዕጸዉ ከምዝኽእሉ ይግመት።

እቲ ሙሉእን ጎደሎን ሰሌዳ ቑጽሪ ዘለወን መካይን በብተራ ክንቀሳቐሳ ዝገብር ሕጊ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸራ መካይን ክዓርፋ ከምዝገብርን ነዚ ሕጊ ዘየኽብሩ ዘወርቲ ድማ ቅጽዓት 4 ሽሕ ሩፒ (56 ዶላር) ከምዝጽበዮም ተገሊጹ።

እቲ ክልከላ ንናይ ሓደጋ ግዘ ተሽከርከርቲ፣ ታክሲታት፣ በይነን ዝዝውራ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ እግሪ ዘለወን ተሽከርከርትን ኣይሓውስን።