ኮሮናቫይረስ፡ ብዛዕባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክንፈልጦም ዝግባእ ሓቂታት

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክታበት ንሰብነትና ኣንጻር ዝኾነ ረኽሲ፣ ቫይረስ ወይ ሕማም ክቃለስ የዘጋጅዎ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ብዙሓት ካበቢታት ሰባት ብብዝሒ ይኽተቡ ኣለው። እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ክታበት ዝወሃብ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ከደናግሩ ስለዝኽእሉ ንውሳነ ዝሕግዝ መሰረታዊ ሓቅታትን ሓበሬታታትን እነሆ።

ክታበት እንታይ እዩ?

ክታበት፡ ደቂ ሰባት: ብዝተፈላለዩ ዓይነት ቫይረስ ብረኽሲ ቅድሚ ምጥቅዖም፡ ሊቃውንቲ፡ ካብቲ ቫይረስ ውሑድ ዓቐን ናይቲ ሕማም ወሲዶም ኣብ ቤተ ምርምር ዘዳልውዎ፡ ሰብነት ደቂ ሰባት ቅድሚ እቲ ሕማም ምምጽኡ ምስ ዓይነት እቲ ቫይረስ ተላልዩ ብምጽናሕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኸጥሪ ንክዳሎ ዝሕግዝ እዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ክታበት፡ ሓደ ልኡም (ንጡፍ ዘይኮነ ኣካል እቲ ሕማም ዘምጽእ ህዋስ) ወይ ድማ ንዕኡ ዝመሳሰል ግብረ መልሲ ከበግስ ዝኽእል ቅርጺ ዝሓዘ መበራበሪ ምክልኻል ዓቕሚ ሰብነት እዩ።

እዚ ድማ፡ ሰብነትና፡ ነቲ ባዕዳዊ ኣካል ኣለልዩ ቀልጢፉ፡ ንዕኡ ዝከላኸል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ (ኣንቲቦዲ) የፍሪ። ክታበት ብዙሕ ሳዕቤን ኣየኸትልን እዩ። ኣብ ገለ ሰባት ግን ረስንን ቀጨውጨውን ዝኣመሰሉ ጎናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ግን ነቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕምና ይበራብር እዩ።

ነዚ ድማ እዩ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ፡ " ክታበት ዓቕሚ ምክልኻል ሰብነት ዘበራብር እምበር ንባዕሉ መድሃኒት ኣይኮነን" ክብል ዝገልጾ።

ዝኽተብ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክታበት ውሑስ ድዩ?

እቲ ፈላማይ ዓይነት ክታበት ኣብ 10ይ ክፍለ ዘበን እዩ ብቻይናውያን ተረኺቡ።

ኣብ 1996 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ድማ ኢድዋርድ ጀነር፡ ቅልል ዝበለ ሕማም በዲዶ ላም፡ ንሕማም በዲዶ ክከላኸል ከምዝኽእል ኣስተብሂሉ።

ነቲ ክልሰ ሓሳብ ክፍትኖ ምስጸንሐ ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ዝረኸቦ ውጽኢት ተሓቲሙ፤ ንፈለማ እዋን ድማ 'ቫክሲን' (ክታበት) ድማ 'ቫካ' (ላሕሚ) ካብ ዝብል ቃል ላቲን ተፈጢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክታበት፡ ዓመታዊ፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ካብ 20 ዓይነታት ሕማማትን ክከላኸሉ ብምኽኣሎም ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ሕክምና ከም ዝዓበዩ ዓወታት ከምዝውሰዱ ይሕብር።

ክታበታት ናብ ዕዳጋ ቅድሚ ምውጸኦም ኣብ ቤተ ፈተነን እንስሳትን ሰፊሕ ምርምር ከምዝግበረሎም ዝገልጽ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት፡ ከምዝኾነ መድሓኒት ሳዕቤናት እኳ እንተለዎም ጥቕሞም ከምዝዛይድ እዩ ዝሕብር።

ንኣብነት፡ ቅድሚ ሓደ ትውልዲ ልሙዳት ዝነበሩ ንህጻናት ዘጥቅዑ ሕማማት፡ ብሳላ ክታበታት እናቐነሱ መጺኦም።

ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለ በዲዶ ድማ ምሉእ ብሙሉእ ጠፊኡ እዩ።

ኮይኑ ግና ዕዉት ንምዃን ብውሑዱ 10 ዓመት እዩ ዝወስድ። ንኣብነት'ኳ ኣፍሪቃ ክታበት መከላኸሊ መልመስቲ መሓውር (ፖልዮ) ምስተረኸበ ድሕሪ 30 ዓመት እያ ካብ ሕማም ናጻ ዝኾነት።

ኣብዚ እዋን'ዚ ንብዙሕ ሰብ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ሂብካ፡ ነቲ ሕማም ብምቁጽጻር ህይወት ናብ ንቡር ንምምላስን ነዊሕ እዋን ክወስድ ከምዝኽእል እዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ።

ክታበት በዲዶ 1962

ምንጪ ስእሊ, Keystone-France/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሓደ ትውልዲ ልሙዳት ዝነበሩ ንህጻናት ዘጥቅዑ ሕመማት፡ ብሳላ ክታበታት እናቐነሱ መጺኦም እዮም።

ክታበት ብከመይ እዮም ዝስርሑ?

ከም ባክተርየም፥ ቫይረስ፥ ፓራሳይት ወይ ፋንገስ ዝኣመሰለ ሓድሽ ሕማም ከስዕብ ዝኽእል ህዋስ ናብ ሰብነትና ምስዝኣቱ፡ 'ኣንቲጅን' ዝተባህለ ክፋል እቲ ህዋስ፡ ምርባሕ ተኸላኸልቲ ባእታ 'ኣንቲቦዲ' ንኽፍጠር የበራብር።

ክታበታት፡ ኣብ ላባራቶሪ ተሰሪሑ ክሳብ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ናይ ገዛእ ርእሱ መስርሕን መገድን ኣለዎ። እዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት ምድላው ግን ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዋን ስለዝመጽአ ግን እቲ መገዲ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ ይዛረቡሉ።

ክታበታት ኮሮናቫይረስ ከመይ ነወዳድሮም?

ክታበታት ፋይዘርን ሞደርናን ክፋል ጀነቲክ ኮድ እቲ ቫይረስ ዝሓዙ 'መሰንጀር ኣርኤንኤ' እዮም።

እዞም ክታበታት፡ ኣብ ክንዲ ድኹም ኣካል እቲ ሕማም ዘምጽእ ህዋስ (ኣንቲጅን)፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል እቲ ኮቪድ ዘምጽእ ቫይረስ ዝርከብ ፕሮቲን ከምዝስርሑን ነቲ ቫይረስ ክከላኸሉ ዝኽእሉ 'ኣንቲቦዲታት' ንከፍርዩ ንሰብነት ይምህሩዎም።

ኦክስፎርድን ኣስትራዘነካን ዝሰርሕዎ ክታበት ድማ ዝተፈለየ እዩ። ሳይንቲስታት ንቺምፓንዚታት ንዘጥቅዕ ሰዓል ኣመሓይሾም ገለ ክፋል ሰረት ዘርኢ (ጂን) ኮሮናቫይረስ ወሲኾምሉ።

ዛጊት ሰለስቲኦም ክታበታት፡ ኣብ ሃገራት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን፡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ፍቓድ ረኺቦም እዮም። ሃገራት ሜክሲኮ፣ ቺለን ኮስታሪካን እውን ክታበት ፋይዘር ኣጽዲቐነኦ ኣለዋ። መንግስቲ ብራዚል ድማ ንክታበት ኦክስፎርድን፡ ቻይና ንዘማዕበለቶ ኮሮናቫክን ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ፈቒዳ ኣላ።

ኮሮናቫይረስ ባክተርያ

ምንጪ ስእሊ, Cavan Images/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንገሊኦም ክታበታት ኮሮናቫይረስ ንምስራሕ ዝተፈለየ መገዲ እዩ ተወሲዱ

ካልኦት ክታበታት ኮሮናቫይረስ'ከ ኣለዉዶ?

እቲ ንዝሞቱ ኣካላት እቲ ቫይረስ ዝጥቀም ንቡር መገዲ ክታበት ዝኽተል ኮሮናቫክ ዝተባህለ ክታበት፡ እንተኾነ እውን ኣብ ቻይና፣ ሲንጋፖር፣ ማሌዥያ፣ ኢንዶኔዥያን ፊሊፒንስን ክካፋፈል ጀሚሩ ኣሎ።

ኮይኑ ግና ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ውጽኢታዊነት እቲ ክታበት 50.4 ምኢታዊት እዩ ዝብል ሓሳባት ብምምጽኡ ጥርጣረታት ይዓቢ ኣሎ።

ህንዲ ብኣስትራዘነካን ኦክስፎርድን ዝማዕበለ ኮቪሺልድን ኣብታ ሃገር ብዝርከብ ባህራት ባዮቴክ ዝፈረየ ኮቫክሲንን ተከፋፍል ኣላ።

ሩስያ ዝተመሓየሸ ቅርጺ ቫይረስ ዝጥቀም ባዕላ ዝሰርሐቶ 'ሰፑትኒክ ቪ' ዝተባህለ ክታበት እያ ትጥቀም ዘላ። ካብ ሩስያ 300 ሽሕ ብልቃጥ ዝገዘአት ኣርጀንቲና እውን ነቲ ክታበት እቲ እያ ትህብ ዘላ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ካብ ፋይዘር፣ ኣስትራዘነካ፣ ጂንሰን ኤንድ ጆንሰንን 270 ሚልዮን ብልቃጥ ኣዚዙ ኣብ ምጕዕዓዝ ይርከብ። እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝረኽቦ 600 ሚልዮን ብልቃጥ ተወሳኺ እዩ።

ሞኒካ ካላዛን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክኽተብዶ?

ዛጊት፡ ዜጋታታ፡ ናይ ግድን ክታበት ኮቪድ ንክወስዱ እተገድድ ሃገር የላን። እንተኾነ ብዘይካ ሕክምናዊ ብዝኾነ ምኽንያት ክታበት ከይወስዱ ዝንገሩ ውሑዳት ሰባት፡ መብዛሕተኦም ዓበይቲ ክታበት ክወስዱ እዩ ዝምከር።

እቲ ክታበት ንባዕልኻ ብኮሮናቫይረስ ከይትተሓዝን ንኻልኦት ሰባት ከይትልክምን ከምዝሕግዝ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (ሲዲሲ) ይገልጽ።

ካብቲ ለበዳ ንምውጻእ እውን እቲ ኣዝዩ ጠቓሚ መገዲ ከምዝኾነ ይገልጽ።

እቲ ለበዳ ጠጠው ክብል ካብ 65 ክሳብ 70 ምኢታዊት ህዝቢ ክኽተብ ከምዘለዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ይግምት።

ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝማዕበለሉ ፍጥነት ንብዙሓት ሰባት ከምዝጠራጠሩ ገይሩዎም እዩ።

ተመራመርቲ፡ ክታበት ከማዕብሉ ዝወስደሎም ግዜ ነዊሕ እኳ ይኹን እምበር፡ ዓለማዊ ጠለብን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝወሰዶ ተበግሶን፡ ናይ ትካላት ጥዕናን ነጋዶን ናይ ምትሕብባር ተበግሶን ነቲ ግዜ ከምዝሓጽር ገይሩዎ ኣሎ።

ብሓጺሩ፡ ክታበት፡ ቢልዮናት ሰባት ብምኽታብ ንዝርገሐ ምትሕልላፍ ኮሮናቫይረስ ደው ክብልን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክዕብን መገዲ ዝጸርግ እዩ።

ከምኡ ክግበር እንተተኻኢሉ ህዝቢ ዓለም ናብ ስሩዕ ምንቅስቓስ ህይወቱ ክምለስ ተስፋ ኣሎ