ኮቪድ-19፡ ኣፍሪቃ 270 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ረኺባ

ኣብ ፈተነ ክታበት ዝሳተፍ ወለንተኛ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሶዌቶ - 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝኸውን 270 ሚልዮን ክታበት ኮቪድ-19 ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ። እቲ ክታበት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝባጻሕ ድማ ሓቢሩ።

እቲ ክታበት ኣብዚ ዓመት ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ ተዛሪቡ።

ቅድሚ'ዚ 600 ሚልዮን ክታበት ንኣፍሪቃ ከምዝቐርብ ቃል ዝተኣተወ ኮይኑ፡ እዚ ተረኺቡ ዘሎ 270 ሚልዮን ድማ ተወሳኺ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ'ውን ንኹለን ሃገራት ኣፍሪቃ እኹል ኣይኮነን።

ሃብታማት ሃገራት ንዜጋታተን ከቲበን ክሳብ ዝውድኣ ድኻታት ሃገራት ዓለም ንነዊሕ እዋን ክጽበያ ከምዝግደዳ ስግኣታት ኣሎ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ መልከፍትን ሞትን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ገለ ሃገራት ግን ኣብ ቁጽሪ መልከፍቲ እናወሰኸ ይኸይድ ምህለው ይግለጽ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከኣ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ስግኣት ኮይኑ'ሎ። እቲ ቫይረስ ካብ ዝርከቦም ሰባት እቶም ዝበዝሑ በቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ምዃኖም ይግለጽ።

"ብዝገበርናዮ ጻዕሪ ዛጊድ 270 ሚልዮን ክታበት ክነቕርብ በቒዕናለና" ዝበለ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ እቶም ክታበታት ካብ ፋይዘር፣ ኣስተራዜኔካን ጆሰን ኤንድ ጆሰንን ከምዝተዓደጉ ሓቢሩ።

እንተውሓደ 50 ሚልዮን ክታበት "ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ ጊዜ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ 2021" ክቐርብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ኣፍሪቃ አስታት 600 ሚልዮን ክታበት ብዓለማዊ መስርሕ ኮቫክስ [ድኻታት ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ንኽበጽሐን ዝተወደበ ስምረት] ኣቢሉ ክበጽሓ ትጽቢት ይግበር።

እተን ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኣሰራርሓ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ምጽባይ ዝርከባ ኮይነን ሎሚ ከኣ "ኣማራጺ ፍታሕ ምርካብና ዘሕጉስ'ዩ" ይብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ ኒካያስ ደምቢ ንወኪል ዜና ኤፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ሰብመዚን፡ እቲ ብኮቫክስ ኣቢሉ ክሳብ ቀዳማይ መፋርቕ 2021 ዝቐርብ ክታበት ንሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ ዝበጽሕ ምዃኑ ስክፍትኦም ይገልጹ።

እታ 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ብነብሲ ወከፍ ዜጋ ክልተ ብልቃጥ ክታበት የድልያ። ስለዚ ንኹሉ ክትኸትብ እንተኾይና ብድምር ዘድልያ ብዝሒ ክታበት 2.6 ቢልዮን ይበጽሕ ኣሎ።

ዘድሊ መጠን ክታበት ብዝቐልጠፈ ኩነታት ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ክቕጽል ምዃኑ ሲሪል ራማፎዛ ገሊጹ።

ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ እንከለው ኣስታት 75,000 ድማ ሞይቶም ኣለው።

እዚ ኣሃዝ ምስታ 23 ሚልዮን መልከፍትን ልዕሊ 383,000 ሞትን ዘመዝገበት ኣመሪካ ክነጻጸር እንከሎ ትሑት ምኳኑ እዩ ዝግለጽ።

ኮሮና