ኮቪድ-19፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ መዓስ ክበጽሕ ይኸውን?

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክታበታት ኮሮናቫይረስ ክርከቡ ምኽኣሎም ኣብ ምሉእ ዓለም ዓብዪ ተስፋ ክፍጠር ገይሮም ኣለዉ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ነቲ ክታበት መዓዝ ክረኽብኦ ይኾና? ንዝብል ሕቶ ዛጊድ ዝተረኸበ መልሲ የለን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ዘዳለዎ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ድልዊ ምስ ኮነ 40 ዝኾና ሃገራት ነቲ ክታበት ክህባ ድልዋት እየን።

እንተኾነ እዘን ሃገራት ተመሳሳሊ ብዝኾነ ደረጃ ምሉእ ብምሉእ ድልዋት ኣይኮናን።

ገሊአን ሃገራት ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ እቲ ክታበት ምስ መጽአ ብኸመይ ክባጻሕ ከም ዘለዎ ዘገንዝብ መርሃ ግብሪ ኣዳልየን ኣለዋ።

ገሊኤን ድማ ነቲ መድሓኒት መኸዘኒ ዝኸውን መሳርሒ ኣብ ምዕዳግ ወይ ነቲ ዝነበረን ኣብ ምድላው ይርከባ።

ብዛዕባ እቲ ክታበት ዝዝርጋሕ ገለ ስኑዕ ሓበሬታታት ድማ ንገለ ሃገራት ፈተና ከም ዝኾነን ይግመት።

ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ከኣ ንሓበሬታታት ዘጻርዪ ትካላት የጣይሻን ነቲ ስኑዕ ሓበሬታ የቃልዓን ዘለዋ ኮይነን ከም ውድብ ጥዕና ዓለምን ሕቡራት ሃገራትን ዝበሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ድማ ነቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ይነጥፉ ኣለዉ።

ፈተነ ክታበት ኣብ ኣፍሪቃ

ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ይካየድ'ዩ ዘሎ።

ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ግብጽን ሞሮኮን እቲ ፈተነታት ዝካየደለን ዘለዋ ሃገራት እየን።

ኣብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝፍተኑ ዘለዉ ድማ ብዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ኣስትራዜኔካን ዝፈረዩ ዓይነታት ክታበት ምዃኖም ይግለጽ።

ግብጺ ብወገና ባዕላ ዘዳለወቶን 'ኮቪድ ቫክ-1' ክትብል ዝሰየመቶን ዓይነት ክታበት ኣብ ምፍታን ትርከብ።

ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየዱ ምርምራት ኮቪድ-19 ኣፍሪቃውያን ክሳተፉ ይግባእ።

እዚ ክኸውን እንተዘይኪአሉ ግን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝፈርዩ ክታበታት ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ከተኣጓጉል ከም ዝኽእል ስግኣቶም ይገልጹ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ክታበት መዓዝ ክረኽባ ይኽእላ?

ክታበት ኮሮናቫይረስ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይክወሃብ ከምዝኽእል ማእኸል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ይገልጽ።

እቲ ማእኸል ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ክጅምር እንተኸኣለ'ኳ፤ ነቲ 60 ሚኢታዊት (700 ሚልዮን) ህዝቢ ጥራይ ንምኽታብ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ፍሉይ ጉባኤ ብምክያድ እቲ ክታበት ናብ ምሉእ ዓለም ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ዝባጽሓሉ ኩነታት ክዝትይ ከምዘለዎ ድማ ይሕብር።

ዳይሬክተር እቲ ማእኸል ዶክተር ጆን ንኬጋሶንጋ፡ ብገንዘባዊ ዓቕመን ድልዱላት ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እታ ኣህጉር ነቲ መድሓኒት ንምርካብ ክትጽገም ከላ ስቕ ኢለን እንተሪኤን ዘሕዝን ከምዝኸውን'ዩ ዝዛረብ።

ሓደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ኣብ ሃብታም ሃገራት ዝረአ ዘሎ ክታበት ናይ ምሽማይ ጸገም ክፍታሕ እንተዘይኪኢሉ፡ እተን ድኻ ዝኾና ሃገራት ካብ 10 ሰባት ንሓደ ጥራይ ክታበት ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ክህልወን።

ኣፍሪቃ ካበየኖት ሃገራት ክታበት ክትረክብ ትተኣማመን?

ኣብ ቀረባ እዋን ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ቻይና-ኣፍሪቃ እቲ ብቻይና ዝዳሎ ዘሎ ክታበት መሊኡ ናብ ረብሓ ኣብ ዝውዕለሉ ደረጃ ምስበጽሐ ብቐዳምነት ንሃገራት ኣፍሪቃ ከምእትህብ እታ ሃገር ተመባጺዓ ነይራ።

ቻይና እቲ ክታበት ከምእትህበን ቃል ካብ ዝኣተወትለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዛምቢያን ቡርኪናፋሶን ይርከብአን።

ኬንያ'ውን ኣብ ቻይና ዝተኣማመነት ኮይና ካብ ሓፈሻዊ ህዝባ ነቲ 20 ሚኢታዊት ከኽትባ ዝኽእል 24 ሚልዮን ክታበት ክፈርየላ ኣዚዛ'ላ።

ገለ ሃገራት እቲ ክታበት ብቐጥታ ንምዕዳግ ምድላው ክገብራ ከለዋ ብዙሓት ድማ ብኮቫክስ ኣቢለን ነቲ ክታበት ክረኽባ ተስፋ ብምግባር ይጽበያ ኣለዋ።

ኮቫክስ እንታይ እዩ?

ኮቫክስ [COVAX] ማለት ኢኮኖሚያዊ ዓቕመን ድኹምን ማእኸለዎትን ንዝኾና ሃገራት ክታበት ንምቕራብ ዓሊሙ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዝተጣየሸ ተበግሶ እዩ።

ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ተበግሶ ከምዝተቐበልኦ ይግለጽ።

እቲ ክታበት በዚ ተበግሶ [ኢንሽየቲቭ'] ፍቓድ እንተረኺቡ ወይ እንተጸዲቑ ኣፍሪቃ 220 ሚልዮን ክታበታት ክትረክብ ትኽእል።

ኮቫክስ ክሳብ መዛዘሚ 2021 ኣብ ዘሎ ጊዜ 2 ቢልዮን ክታበት ንምዕዳግ ትልሚ ሒዙ'ሎ።

ነቲ ክታበት ብቐዳምነት መን'ዩ ክረኽቦ?

ብርግጽ እዚ ክውሰን ዝኽእል እተን ሃገራት ክታበት ኮቪድ-19 ብኸመይ ክባጻሕ ከምዘለዎ ኣብ ዝውስንኦ ውሳነ ዝምርኮዝ'ዩ ክኸውን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን እቶም ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ መሪሕ ግደ ዝፍጽሙ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ብቐዳምነት ነቲ ክታበት ክረኽቡ ከምዝግባእ ይሕብር።

ብድሕሪኡ ድማ ኣብ መእተውን መውጽእን እተን ሃገራት ዝሰርሑ ሰባት፣ ኣረጋውያንን ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሰባትን ነቲ ክታበት ክረኽቡ ከምዝግባእ ይምዕድ።

እቲ ዝተረፈ ህዝቢ እቶም ብቐዳምነት ዝስርዑ ዜጋታት ምስ ተኸተቡ ነቲ ክታበት ክረክብ ከምዝኽእል'ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘረድእ።