ብኮሮናቫይረስ ህይወቱ ዝሓለፈ ኣቦ ሰሓቕ ህጻናት ኪኢላ መጥባሕቲ ደክተር ኣሽራፍ

ምንጪ ስእሊ, KMPDU
ዶክተር ኣሽራፍ ኢማራህ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ።
ኢልዶሬት ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ከተማ ኣብ ዝርከብ፡ ኣብ ኬንያ ካልኣይ ዝዓበየ ሪፈራል ሆስፒታልን መሰልጠንን ሞይ ከገልግል ዝጸንሐ ዶክተር ኢማራህ፡ ክኢላ መጥባሕቲ ፕላስቲክን ዳግመ ህንጸት ሰብነትን ነይሩ።
እዚ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣለው ካብ ዝበሃሉ ላዕለዎት ክኢላታት መጥባሕቲ ፕላስቲክ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ክኢላታት ጥዕና ሓደ'ዩ።
ኣብ ስራሕን ምስልጣን ተመሃሮ ሕክምና እናሃለወ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ዶክተር ኢማራህ፡ ሕጽረት ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ብምንባሩ ግን ኣብቲ ሆስፒታል ዝድቅሰሉ ዓራት'ውን ንምርካብ ዕድለኛ ኣይነበረን።
ብጽኑዕ ኣብ ዝሓመመሉ እዋን መሳርሕቱን ስድርኡን ናብ ናይሮቢ ክዛወር ፈቲኖም፤ ግንከ ንዕኡ ናብ ከተማ ናይሮቢ ንምምጻእ ዋጋ ነፋሪት ኣምቡላንስ "ኣዝዩ ክቡር" ኮይኑ።
እቲ ሕማም ምስ ጸንዖ፡ ዘድልዮ መድሓኒት ምርካብ'ውን ዋግኡ እትቐርቦ ኣይነበረን።

ምንጪ ስእሊ, Smile Train Africa
ካብቲ ዝነበሮ ቓንዛ ንክረጋጋእ፡ "ዶኳትር መድሃኒት መዐደጊ ገንዘብ ኣዋጺኦም'ዮም" ዝበለ ግዚያዊ ጸሓፊ ሰብ ሞያ ሕክምና ኬኒያ ከምኡ'ውን ማሕበር ሰብ ሞያ ሕክምና ስንን ፋርማስን ዶክተር ቺባንዚ ዋቾንዳ'ዩ።
ወሲኹ "ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት እዩ ነይሩ" ይብል ዶኳትር ሕክማዊ ወጻኢታቶም ዝሽፍነሎም መድሕን ጥዕና ከም ዘይብሎም ብምምልኻት።
እቲ ዶክተር፡ ኣብ ሞንጎ ከተማታት ናይሮቢን ኢልዶሬትን ኣብ እትርከብ ናኩሩ ዝተባህለት ከተማ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዱ፡ መደቀሲ ክፍሊ ጽኒዕ ሕክምና ክሳብ ዝረክብ ተጸብዩ'ዩ።
እንተኾነ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብ13 ሕዳር 2020 ሞይቱ።
ሕጽረት ሓካይም
ዶክተር ኢማራህ፡ ኣብታ ሰሙን ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ኣርባዕተ ክኢላታት ሓደ'ዩ።
ኬንያ፡ ን48 ሚሊየን ብዝሒ ህዝባ 7000 ዶኳትር'ዮም ዘለውዋ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን (ቅድሚ ምሟቱ ዘላ ሰሙን)፡ ተመሃርኡ እናምሃረን መጥባሕቲ ንዘድልዮም ድማ እናሓከመን'ዩ ነይሩ።
"ኣብ ስራሕ እንከሎ'ዩ ሞይቱ" ይብል ዓርኩ ዶክተር ኣንቶኒ ኣኮቶ።
"እዛ ሃገር ውሑዳት ክኢላታት መጥባሕቲ ፕላስቲክ'ዮም ዘለውዋ። ብናቱ ደረጃ ንሱ ጥራሕ እዩ ነይሩና" ኢሉ።
ዶክተር ኢማራህ፡ ብትውልዲ ግብጻዊ'ዩ። ቅድሚ 30 ዓመት ድማ ናብ ኬኒያ መጺኡ።
መዓዲ፣ መምህርን ብሉጽ ክኢላ መጥባሕትን እዩ ነይሩ ብምባል ዝገልጹዎ መሳርሕቱ፡ ንክርስዑዎ ከም ዝኸብዶም ይዛረቡ።
ንሱ፡ ኣፍንጭኦምን ከንፈሮምን ተሰንጢቑ ንዝውለዱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ብመጥባሕቲ ብምሕካም፡ ከም ልቦም ንክስሕቑ ዝገበረ ሙኩር ክኢላ እዩ።
ተሞክርኡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሶማሊያ፣ ኡጋንዳን ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ክሰፍሕ ገይሩ'ዩ።
'ስማይል ትሬይን ኣፍሪካ'፡ ዶክተር ኢማራህ ካብ ዝሰርሐሎም ትካላት ገባሪ ሰናይ'ዩ።
"ከምዚ ዝበለ መሓዛን ክኢላን ብምስኣንና ሓዘንና ዓሚቕ'ዩ" ክብል እቲ ትካል ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኬንያ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት'ያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ክትረክብ ጀሚራ።
ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ክሳብ ሕጂ 14 ዶኳትር ሞይቶም ኣለው።
ብሰኑይ፡ ዶክተር ስቴፈን ሞግሱ ዝተባህለ ዶክተር ከም ዝሞተ ተሓቢሩ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣስታት 20 ነርሳትን 10 ሓለፍቲ ክሊኒካትን ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሞይቶም።
ብሓፈሻ፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ጥዕና በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ማሕበር ሓካይም ኬንያ ገሊጹ።
ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ማሕበር ንኤንቲቪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብዚ ዓመት ኣዝዩ ከቢድ እዋን እየ ኣሕሊፈ፤ ኣብ ዝኾነ ግዜ ተስፋ ይቖርጽ" ኢሉ ነይሩ።
ክኢላ ሕርሲ /ጋይናኮሎጂ ዶክተር ዶሬን ሉጋሊኪ፡ ፈላሚት ብኮሮናቫይረስ ዝሞተት ኬኒያዊት ዶክትር እያ።
ጓል 39 ዓመት ዶክተር ዶሬን ብ10 ሓምለ 2020 እያ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሞይታ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሳ ኣብ ዝሞተትሉ ሰሙን፡ ክኢላ መጥባሕቲ ስርዓተ ምሕቓቕ ዶክተር ቭላድሚር ሽቹኪን፣ ክኢላ ጥዕና ሕብረተሰብ ዶክተር ሃድሰን ንያንጋላ፣ ክኢላ ሕክምና ህጻናት ዶክተር ሮበርት ኣይሲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሞይቶም'ዮም።
ማሕበር ሓካይም ኬኒያ፡ "እቲ ኩነታት ውሑስ እንተዘይኮይኑ" ሰራሕተኛታቱ ናብ ስራሕ ከይኸዱ ምዒዱ'ዩ።
ብዙሓት ክኢላታት ብምሟቶምን መንግስቲ ነዚ ዝህቦ ቆላሕታ ዘየዕግብ ብምዃኑን፡ ዶኳትር ኬኒያ ካብ 7 ታሕሳስ ጀሚሩ ኣድማ ስራሕ ።
እዚ ንኽልተ ሰሙን ዝጸውዑዎ ኣድማ ቅድሚ ምጅማሮም ግን ልዝብ ክካየድ ትጽቢት ከም ዝገብሩ ገሊጾም ኣለው።
"ቑጽሪ ወተሃደራትካ እናነከየ እናርኣኻ ብኸመይ ኢካ ኣብ ኲናት ክትቕጽል ዝክኣል? ሓለዋ ክግበረልና ኣለዎ" ክብል ዶክተር ዋቾንዳ ንፓርላማ እታ ሃገር ተዛሪቡ።
ኣድማ ዝገበራ ካልኦት ክልተ ማሕበራት ነርሳትን ሰራሕተኛታት ክሊኒክን ድማ፡ ኣንጻር እቲ ኣሎ ዝበሉዎ ዘይውሑስ ናይ ስራሕ ኩነታትን ድኹም ኣተኣላልያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መንግስትን ተቓውሞ ገይረን።
ማሕበራት ሰብ ሞያ ጥዕና ኬንያ፡ ሆስፒታላት ድኹም ኣቕርቦት፣ ሕጽረት ሰራሕተኛታት፣ ሕጽረት መከላኸሊ ናውታትን መድሕን ጥዕናን ከም ዘጋጠመን ይገልጹ።
"መንግስቲ፡ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ከም ዘጓነዮም ኢና ንኣምን። እኹል መከላኸሊ ኣይነበረናን፣ ሓደ ሰብ ክሓምም እንከሎ ዶኳትር መድሃኒት ንምዕዳግ ገንዘብ ከዋጽኡ ይግደዱ ነይሮም፡ ኢሉ ዶክተር ኣኮቶ።
ስለ ዝኾነ ድማ "መንግስቲ እዚ ጉዳይ ብዝግባእ ይወስዶ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን" ይብል።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ፡ ገለ ካብዞም በቶም ማሕበራት ዝለዓሉ ጸገማት ከም ዘለው ይኣምን። እንተኾነ፡ 'ነቶም ሰራሕተኛታት ዕሽሽ ኢሉዎም'ዩ' ዝብል ክሲ ይነጽጎ።
እቲ ዘቕርቡዎ ጠለብ ድማ ኣብ ቀጻሊ ዘቲኻ ዝፍታሕን ዝማላእን'ዩ ይብል።
"ንወተሃደራትና ዕሽሽ ምባል፡ ንጸላኢ ብዘይተኸላኻሊ ከም ምግጣም'ዩ" ኢላ ጸሓፊት ምምሕዳር ካቢኔ ጥዕና ሜርሲ ምዋንጋንጊ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ገሊኦም እቶም ኣብ ቀረብ ጥዕና ኬንያ ኣለው ዝበሃሉ ጸገማት፡ ምስ ብልሽውና ዝተኣሳሰሩ'ዮም።
ኣብ ዙርያ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ዝተረኽበ ሓገዝ ዝተፈጸመ ብልሽውና'ውን ከም ዝነበረ ተገሊጹ'ዩ።
ብመስከረም፡ ኣብ ኬንያ ናውቲ ሕክምና ኮቪድ-19 ንምዕዳግ ዝተሰልዐ ብሚልዮን ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ብምጥፍኡ፡ መርመርቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ 15 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ነጋዶን ክሲ ክምስርቱ መምርሒ ተዋሂቡ ምንባሩ ይዝከር።
ካብ ቀረባ ሰሙናት ንነጀው፡ ኣብ ኬንያ ቑጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ይውስኽ ኣሎ።
እቲ ለበዳ ኣብ ኬንያ ካብ ዝርአ ንድሓር፡ ወርሒ ሕዳር መዓልታዊ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍትን ሞትን ዝተመዝገበሉ ኮይኑ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 88 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ ልዕሊ 1500 ሞት ተመዝጊቡ'ዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







