"ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ በጻሕቲ ሃገር ካብ ዘይንርኢ 7 ወርሒ ሓሊፉ"

ኣከባብራ በዓል መስቀል

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ክግበረሎም ካብ ዝሕሰብ ዓውዲታት ቱሪዝም ሓደ እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝኸበሩ ሃይማኖታዊ በዓል መስቀልን ናይ ምስጋና በዓል እሬቻን ብዙሓት በጻሕቲ ተረኺቦም ነይሮም።

ካብ ሓምለ 2011 ክሳብ ታሕሳስ 2012 ዓም ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጻሕቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ከምዝነበሩ ይግለጽ።

ተስፋ ረኺቡ ዝነበረ ቱሪዝም ብምኽንያት ኮሮረናቫይረስ ካብ ምንቅስቓስ ወጻኢ ኮይኑ ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ በጺሑ እዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጊዳይ ብቕጥታ ተሳተፍቲ ዝኾኑን ኣብ ህይወቶም ጸቕጢ ካብ ዝበጸሖምን ንገሊኦም ኣዘራሪቡ ኣሎ።

Short presentational grey line

"በጻሕቲ ወጻኢ ሃገር ካብ ዘይንርእይ 7 ወርሒ ሓሊፉ"

ንበጻሕቲ ኣብቅልቲ ብምክራይ ዝናበሩ ቀሺ ኣሰፋ ለጋስ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ላሊበላ እዮም ዝነብሩ። ንማሕበር መካረይቲ ኣብቅልቲ ድማ ንኣስታት 30 ዓመታት መሪሖም።

በቲ ማሕበር ኣቢሎም ብዘካርይወን ክልተ ኣብቅልቲ፡ ናብርኦም ዝመርሑ ቀሺ ኣሰፋ በዚ ስራሕ ንዝወለድዎም ሽዱሽተ ቆልዑ ካብ 8ይ ክፍሊ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ኣብጺሖም እዮም።

ዋሕዚ በጻሕቲ ጽቡቕ ኣብ ዝኾነሉ እዋን በዘን እንስሳት ካብ ላሊበላ ናብ ይምርሃነ ክርስቶስ፣ ገነተ ማርያም፣ ኣሽተንን ጎቦታትን ኣቡነ ዮሴፍ ንዝጓዓዙ በጻሕቲ ዓዲ እናካረዩ ብወርሒ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ይረኽቡ ነይሮም።

ካብ ዝሓለፈ ሽውዓተ ወርሒ ንነጀው ግን እቲ ምንቅስቓስ ክቕጽል ኣይከኣለን።

ዕድመኦም ሙሉእ ኣብዚ ሞያ እንትሰርሑ ሓሓሊፉ ካብ ዝረአ ምንካይ በጻሕቲ ወጻእ ጠቕሊሉ ንስርሖም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ነገር ኣጋጢምዎም ከም ዘይፈልጥ ይዛረቡ።

"እቲ ማሕበር ካብ ወለድና ኢና ወሪስናዮ" ብምባል ድማ ካብ ዘበነ ንጉስ ሃይለስላሰ ጀሚሩ፡ መገዲ መኪና ኣብ ዘይነበረሉ በጻሕቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ናብ ላሊበላ ኣገልግሎት እናሃበ ዝመጽአ ዘይርሳዕ ታሪኽ ዘለዎ ማሕበር ምዃኑ ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን ዝተራእየ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግና ኣብ ስርሖም ኮነ ናብርኦም ሓያል ጸቕጢ ፈጢሩሎም እዩ።

"ከተማና ካብ በጻሕቲ ዓዲ'ያ ዝለዓለ ኣታዊ ትረክብ፤ ሕጂ ግና በጻሕቲ ዓዲ ወጻኢ ካብ ዘይንርእይ ሸውዓተ ወርሒ ኮይኑና" ብምባል ስርሖም ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ከም ዝበለ ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን እተን ኣብቅልቲ ካብ ዘምጽእኦ ኣታዊ እቲ ንቐለበን ዝወጽእ ወጻኢ እዩ በዚሑ።

ቅድሚ ሕጂ ብዝሒ ኣብቲ ማሕበር ዝነበራ ኣብቅልቲ 600 በጺሑ ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ቀሺ ኣሰፋ፡ መብዛሕተኦም ኣባላት እቲ ማሕበር ኣብቅልቶም ስለ ዝሸጡ እቲ ቁጽሪ ናብ 106 ወሪዱ ከም ዘሎን እቲ ማሕበር ከይፈርስ ከም ዝሰግኡን ገሊጾም።

ጎንደርን ቱሪዝምን

ንተጻዋቲ ጭራ ወረታው ማለደ ህይወቱን ህይወት ቤተሰቡን ዝሕግዘላ ብሕታዊት መሳርሒት ጭራ እያ።

በዛ ባህላዊት መሳርሒ ሙዚቃ መርዓ የድምቕ፣ ኣጋይሽ ይቕበል፣ ኣብ ናህላዊ እንዳ ተልሂታት እናተዛወረ እናዋዘየ የዛኒ።

ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑት ወረታው፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስርሑን ምንጪ ኣታዊ ስድርኡን እዚ'ዩ።

ክእለተይ ኣዕብየ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ክበጽሕ እምበር፡ ነዛ ስራሕ ዝኾነ ነገር መጺኡ ክምንዝዐኒ እዩ ኢሉ ሓሲቡ ኣይፈልጥን።

"ዋላ ቀዋሚ ደሞዝ ኣይሃልወና፡ ካብ በጻሕቲ ዓድን ካልኦት ምድላዋት ሙዚቃን ብንረኽቦ ገንዘብ ከይተጸገምና ህይወትና ንምርሕ ነይርና" ዝብል ወረታው፡ ወርሓዊ ብማእኸላይ ክሳብ 10 ሽሕ ይረኽቡ ምንባሮም ይገልጽ።

በጻሕቲ ዓዲ ብምትእንጋድ፣ ሓሓሊፉ ካብ ጎርጎራ ክሳብ ባህርዳር ብጀልባ እንተጓዓዙ ብምዝንጋዕን ምስ ጎንደር ምትእስሳር ዘለዎም ቤተ እስራኤላውያን እንትመጽኡን ጽቡቕ ኣታዊ ከም ዝነበሮም እውን ይዛረብ።

ብተወሳኺ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት ተመሳሳሊ ሞያ ዘለዎም 11 ሰባትን ኮይኖም "ኮራሁ በባህሌ'' ዝበሃል ባህላዊ እንዳ ተልሂት ከፊቶም እናሰርሑ እናሃለዉ ኮሮናቫይረስ ስለ ዝተኸሰተ፡ ስርሖም ዓጽዮም ኮፍ ከም ዝበሉ ይዛረብ።

"እቶም ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዋላ ሓደ ኣታዊ ዘይረኸብናሎምን ኣብ ህይወትና ኣጋጢሙና ብዘይፈልጥ ደረጃ ኣብ ሓደጋ ዝወደቕናሉን እዩ" ብምባል ክብደት እቲ ጸገም ዝገልጽ ወረታው ኣብ ዘጨንቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ይዛረብ።

ሓወልቲ ኣኽሱም፡ ኣብ ዩኔስኮ ሰፊሮም ካብ ዝርከቡ ሓድግታት ሓደ እዩ

ኣኽሱም፣ መቐለ፣ ዓድዋን ገርዓልታን ዝዘውር ዝነበረ ጉዕሽ

ካብ እዋን ቁልዕነቱ ጀሚሩ ናብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ከተማ ኣኽሱም ዝመጹ በጻሕቲ እንትርእይ "እንታይ ደልዮም እዮም?" ዝብል ሕቶ ናብ ኣእምሮኡ ይመላለስ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ቀስ ብቀስ ኣብ ታሪክ ዝነበሮ ፍልጠትን ግንዛበን ኣዕቢዩ በጻሕቲ ናብ ምምራሕ ኣትዩ።

ካብ ኣክሱም ክሳብ መቐለ፣ ዓድዋን ገርዓልታን በጻሕቲ ሒዙ ዝዘውር ጉዕሽ፡ ህይወቱ ካብቲ ስራሕ ብዝረኽቦ ኣታዊ እዩ ዝመርሕ ነይሩ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ግን ቁጽሪ ናብቲ ከባቢ ዝመጹ በጻሕቲ ከም ዝነከየን ንዓይኑ'ኳ ሕለው ዝብሎ በጻሒ ዓዲ ወጻኢ ካብ ዘይርእይ ነዊሕ ከም ዝኾኖን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"በዚ ምኽንያት ኣብዚ እዋን ዝኾነ ኣታዊ የብለይን። ኮቪድ-19 ኣብ ህይወትና ዘሕደሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን" ኢሉ።

ምስ መሓዙቱ ኣጣይሶምዎ ዝነበሩ ማሕበር እውን ዓቕሚ ውሒድዎ፡ ኣባላቱ እውን ተስፋ ብምቑራጽ ናብ ዘይምርድዳእ ከም ዝበጽሑ ይገልጽ።

'ዝኣከብኩዎ ገንዘብ ወዲአ'

ነባሪ ከተማ ዲንሾ ኣወል ሱልጣን'ውን በጻሕቲ ብምምራሕ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ሰሪሑ።

ኣብ ሃረር፣ ቦረና፣ ኣብጃታ፣ ሻላ፣ ላንጋኖን ካልኦት መስሕባትን በጻሕቲ ሒዙ ይዘውር ነይሩ።

ኮሮናቫይረስ ካብ ዝመጽእ ናብዚ ግን ንሱን መሓዙቱን ከም ዝተጎድኡ ተዛሪቡ።

"ህይወቶም ኣብ ቱሩዝም ዝተደረኸ ሰባት ኣብዚ እዋን በቲ ቅድም ኢሎም ዝኣከብዎ ገንዘብ እዮም ዝናበሩ ዘለዉ። ገሊኦም ዝነበሮም ገንዘብ ወዲኦም ንጸገም ተቓሊዖም እዮም። ንኣብነት ኣነ ዝነበረኒ ገንዘብ ስለ ዝተወደአ ስራሕ ክቕይር ተገዲደ ኣለኹ" ኢሉ።

ኢሬቻ

ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተሳኢኑ

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ በጻሕቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ እውን ተጎዲኡ እዩ ዝብል ዋና ዳይሬክተር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣቶ ስለሺ ግርማ እዩ።

ብሄራዊ ሙዝየም፣ ፓርክ ኣንድነትን ካልኦት ቦታታትን ብሰንኪ እቲ ለበዳ ስለ ዝተዓጸዉ ንትምህርትን ንምዝንጋዕን ዝመጽኡ ዝነበሩ በጻሕቲ ዓዲ ወጻኢ ከም ዝተረፋ ይገልጽ።

ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ስራሕቲ ከም ዝተጸለው እቲ ዳይሬክተር ኣብ ሆቴላት፣ ባህላዊ ቤት ብልዕን ተልሂትን ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዝተጎድአ ተዛሪቡ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ኢትዮጵያ ማእከል በጻሕቲ ንምግባር ተሊምዎ ዝነበረ "ብራንድ ቱሪዝም ኩነት"ን ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ንምፍላጥ ሒዝዎ ዝነበረ መደብ ከምዝሰረዘን ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ዓለምለኻዊ ምርኢታትን ንምክያድ ምስ ካልኦት ትካላት ሒዞምዎ ዝነበሩ መደባትን በቢ ክልሉ እናተንቀሳቐሱ ዝህብዎ ስልጠናታት ከም ዝተቛረጸን ኣቶ ስለሺ ግርማ ሓቢሩ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣቡነ ይምኣታ፡ ህያው ምስክር ጥበብ ቀዳሞት ተጋሩ