ኣብ ቅነ መስቀል ዝዝረቡ፡ ክእረሙ ዘለዎም ኣርባዕተ ግጉይ ኣባህላታት

ኣብ ባህልን ቋንቋን ትግርኛ ብልሙድ ዝዝረቡን ብግጉይ ናብ ወለዶ ዝሰግሩ ዘለዉ ኣበህላታት ኣለዉ። እዚ ንምእራም፡ እኹል መፅናዕትን ምርምርን ምክያድ ይሓትት። ብፍላይ ከዓ ባህሊ ካብ ውሉድ ወለዶ እናተወረሰ ስለዝመፅእ፡ ቅኑዕ ኣባህላ ንምርዳእ ተመሊስካ ንወለዲ ምሕታት ንቡር እዩ። ምስ ቅነ መስቀል ተኣሳሲሩ ድማ ገለ ጌጋታት ይደጋገሙ እዮም።
መስቀል ገዳይ ዶስ መስቀል ግዳይ?
ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ልዑል ፍልጠት ዘለዎም መምህር ገብረኺዳን ደስታ፡ መስቀል ገዳይ፤ ብርሃን ገዳይ ኣይኮነን ዓብይ ጌጋ እዩ ይብሉ። እቲ ቑኑዕ መስቀል ግዳይ ከምዝኮነ እዮም ይዛረቡ። ግዳይ ማለት በረከት ተቐበሉኒ ብርሃን ተቐበሉኒ። መስቀል ኰይኑልኩም'ሎ፤ ብርሃን ኰይኑልኩም'ሎ ተቐበሉኒ ማለት እዩ ብምባል መብርሂ ሂቦምሉ ኣለዉ።
"ባህልና ንሱ እዩ ነይሩ፤ኣጥፊኦምልና። ንሕና እውን ምሕሳብ ምምርማር ኣብዩና፤ ምሁራትና እውን ዝሰምዕዎ ተሸኪሞም ምኻድ እምበር 'ንምንይታ?' ስለዘይብሉ ዝተፈጥረ ፀገም እዩ። እዚ ኣነ ዝነግረካ ዘለኹ፡ባዕለይ ካብ ወለደይ ተመራሚረ፡ሒዘዮ ዝፀናሕኹ እዩ።
ዓኾዓዀዃይ ድዩስ ዓኩኽ ዓኳዃይ?
ብመሰረት መብርሂ መምህር ገብረኺዳን፡ ኣሕፂርና ዓኾዓዀዃይ ብምባል ኢና ኣባላሺናዮ እምበር፡ ዓኩኽ ዓኳዃይ እዩ ዝበሃል። ዓኩዀሉ ማለት ኣባራዓዮ፡ኣቃፅሎ ማለት እዩ። ርእሱ ዝኸኣለ ትርጉምን ታሪኻዊ ኣመፃፅኣን ኣለዎ።
ኣብዚ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ኣለዉ። ገለ ሰባት ምስ ምምፃእ ፖርቱጋላውያን እዩ ተጀሚሩ ይብሉ፤ ካልኦት ድማ ምስ ምምፃእ ቱርኪ እዩ ተጀሚሩ ብምባል የቕርብዎ። እዚ ንቐጻሊ ምምርምር ክፉት እዩ።

መምህር ገብረኺዳን ደስታ ግን ከምዚ በሉ።
"ቱርኪ ክሳብ ዓድዋ መፂኡ፤ ኣብያተ ክርስትያን ኣቃፂሉ፤ ህዝበ ክርስትያን ኣስላም ኩኑ እናበለ ንገዳም ደብረ ዳሞ ኣቃፂልዎ። ብቱርኪ እዩ ንመጀመርታ እዋን ተቓፂሉ። እምበኣርከስ ዓኩኽ ማለት በሎ ኣባራዓዮ ማለት እዩ። ዓኩኽ ዓኳዃይ ብርሃን ግዳይ መስቀል ግዳይ፤ 'ንዕኡ ዓኵዀ መስቀልን ብርሃንን ኣምፂአልኩም ኣለኹ ተቐበሉኒ' ዝብል ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ኣለዎ" ኢሎም።
ብምኽንያት እዚ ትርጉም'ዚ እዩ ሽግ ኣቃፂልካ ኣብ ትሕቲ ዓራት ከይቀረየ ተሓቢኡ ከይህልው ኢኻ ትዕኩኽ፤ ኣብ ውሻጠ እውን ከይድካ ትዕኩኽ።
ትዃን ውፃእ ቁንጪ እተው
ኣብዚ ኣየናይ እተው ኣየናይ ከ ውፃእ እዩ ዝበሃል? ስለምንታይ? እንታይ ትርጉምን ታሪኻዊ ኣመፃፅኣንከ ኣለዎ? ኣብ ገለ እዋን ትዃንን ቁንጭን ኣገላቢጦም ዝጥቀምሉ ሰባት ኣለዉ። ንኽልቲኦም እተዉ ወይክዓ ውፅኡ ዝብሉ እውን ኣለዉ።
መምህር ገብረኺዳን መብርሂ ኣለዎ።
"ትዃን ውፃእ ቁንጪ እተው እዩ ዝበሃል። ትዃን ፀላኢ እዩ፤ ቱርኪ። ዓዲ ከጥፍእ ዝመፅአ ወራሪ። ቁንጪ ሓበሻ እዩ። ዓኵኽካ ኣውፃኣዮ ማለት እዩ። ህዝቢ ብኸምዚ ይረዳኣዮ" ብምባል የስተምህሩ።
ዳመራ መስከረም 16 ዶስ 17 እዩ ዝትኰስ?
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ኣብ ኣደባባይ መስከረም 16 እዩ ዳመራ ዝትኰስ። ኣብ ትግራይ እውን "ብዘብን ራእሲ ስዩም 'ከምኡ ይግበር ነይሩ' ይበሃል" ይብሉ መምህር ገብረኺዳን።
ኣብ መቐለ ዝባን ጮምዓ እውን መስከረም 16 ይትኰስ። "እዚ ንምንታይ ከምኡ ኰይኑ ኣይርዳአንን" እውን ይብሉ። "ሃይማኖታዊ መሰረት የብሉን" ብምባል ድማ ይነቕፉ። "መስከረም 16 ሽግ ወሊዕኻ ሆየ ሆየ ይበሃል እሞ መስከረም 17 ዳሜራ ይትኰስ" ድማ ይብሉ።

ብመሰረት መምህር ገብረኺዳን፡ መስቀል ሃይማኖታዊ በዓል እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ መስቀል ምስተሰቐለ፡ድሕሪ ነዊሕ ዓመት ንግስቲ ኢለኒ፡ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቀቢሮምዎ ስለዘለዉ፡ኣብ ልዕሊኡ ጓሓፍ እናደርበዩ ናብ እምባ ተቐይሩ ስለዘሎ፡ ኣበይ ኰን እረኽቦ? ነዚ እንተዝረክብስ ንዓለም መበርከትኩ ንርእሰይ እውን ምጸድቕኩ" ኢላ መስቀል ምእላሽ ጀሚራ ።
ኣብቲ ትእልሸሉ እዋን እግዝኣብሔር ብሓይሉ ምልክት ዶኽን ይህበኒ ብምባል ዳሜራ ወሊዓ። ዳሜራ ተባሪዑ ኣብ መወዳእታ እታ መስቀል ናብ ዝወደቐትላ ኣንፈት ብምርኣይ "ምበኣር እታ መስቀል ናብዚ ገፅ ኢያ ዘላ" ብምባል ኳዕቲ ጀሚራ። ብድሕሪኡ እታ መስቀል ተረኺባ።
እቶም ሽግ ወሊዖም ሆየ ሆየ ዝብሉ ኣለሻ መስቀል እዩ ዘመላኽት ዝብል መበገሲ ሓሳብ የቕርቡ።
በዓለ መስቀል ኣብ ምሉእ ትግራይ እዩ ዝኽበር። ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ድማ ሚድያታት የድምቐኦ።
ኣብዚ ዓመት እዚ፡ "መስቀል ትግራይ ኣብ ዓጋመ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ኮሚቴ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ዓጋመ ብዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ደሚቑ ክበዓል ይመርሕ'ሎ።
ካብ መስከረም 4 ኣትሒዙ ንመስቀል ምኽንያት ብምግባር ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክካየዱ ከምዝቐነዩ እቲ ኰሚቴ ይገልፅ።
መስከረም 16 ኣብ ከተማ ዓዲግራት ካብ ፒያሳ ናብ እምባ ቃንዳዕሮ ደይብካ ምውራድ ጉያ ተኻይዱ። ድሕሪ ቐትሪ ድማ ባህላዊ ምርኢት ትግራይ፣ኩናማን ሳሆን ቀሪቡ። ምሽት ድማ ስነ ስርዓት ምውላዕ ሽግ ተፈፂሙ።
መናእሰይ ናብ ዝባን እምባ ቃንዳዕሮ ብምድያብ ሽግ ወሊዖም "ሆይ ሆያየ" እናበሉ ናብ ከተማ ወሪዶም።
መዛዘሚ እቲ በዓል ሎምዓልቲ መስከረም 17 ኣብ ሜዳ ዓጋመ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ምስ ተኻየደ ዓብዪ ዳሜራ ይትኰስ።
ከተማ ዓዲግራት ብበዝሒ ኣጋይሽ ዓብለቕለቕ ኢላ ከምዘላ ሪፖርተርና ካብታ ከተማ ገሊጹልና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







