ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ዓድግራትን መቐለን

ምንጪ ስእሊ, DANIEL TIKABO
መስቀል ኣብ ዝተፈላለዩ ኸባብታት በብዓመቱ ብድምቀት ዝኽበር ዓብይ ሃይማኖታዊ በዓል እዩ።
ሰባት፡ መስቀል ንምኽባር ከካብ ዘለውዎ ናብ ከባቢኦም ዝተኣኻኸብሉ በዓል 'ውን እዩ።
ኣብ ትግራይ፡ ሎሚ ዘበን ኣብ ከተማ ዓድግራት ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽበር ኣሎ።
ኣብ ከተማ መቐለ እውን፡ መስቀል ብፍሉይ 'ጎቦ ጮምዓ' ን 'እንዳ ፀባን' ኣብ ዝበሃሉ ቦታታት ብድሙቕ እዩ ዝኽበር።
መስቀል ንምንታይ ይኽበር?
"መስቀል ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዝወፃእናሉ፤ ካብ ማእሰርቲ ዲያብሎስ ዝተናገፍናሉ መድሕን እዩ" ይብል ድያቆን ሃብታሙ ፀጋይ።
ድምር ትርጉም መስቀል ድማ ኣብ ኣርብዓተ ተመዲቦም ከምዝግለፁ የስተምህር።

መስቀል ፅንእነ (ፅንዓትና)፣ መስቀል በይዛነ (በይዛና)፣ መስቀል ሃይልነ(ሓይልና)፣ መስቀል መድሃኒት ነብስነ መድሓኒት ነብስና ዝብል ጥማርን ዘይፈላለን መልእኽቲ ከምዝሓዘ ድያቆን ሃብታሙ የረድእ።
ኢየሱስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ብዙሕ ተኣምር ይፍፅም ነይሩ። ኣይሁዳውያን ቀቢሮም ኣብ ልዕሊኡ ን 260 ዓማውቲ ጓሓፍ የፍስስሉ ከምዝነበሩ ኣስተምህሮ እቲ ድያቆን ይትንትን።
"ቅድስቲ ኢለኒ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢሩዋ፡ መስከረም 17 ኳዕታ ተጀሚሩ፤ መጋቢት 10 መስቀል ካብቲ ዝተቐበረሉ ስፍራ ወፂኡ፤ ነዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዓመታዊ ይዝክሮ" ክብል ድያቆን ሃብታሙ ፀጋይ ኣብ 2010 ኣከባብራ በዓል መስቀል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ደመራ ጮምዓ
ራእሲ መንገሻ ስዩም ድልየት ህዝቢ ኣብ ግምት ኣእትዮም ፅርግያ ካብ ዝሃንፅሉ ካብ 1964 ዓ.ም ኣትሒዙ፡ መስቀል ኣብ ጎቦ ጮምዓ ከምዝኽበር ይግለፅ።
ብሃፀይ ዘርኣያእቆብ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ዝእመነሉ ግማደ-መስቀል ቅድሚ ናብ እምባ-ግሸን ማርያም ምድያቡ ኣብ እግሪ ጎቦ ጮምዓ ን45 መዓልታት ከምዝፀነሐ ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን የዘንትዉ።
ኣብቲ ዝፀነሐሉ እዋን ዓበይቲ እንደርታ መዓልታዊ ስብሕቲ እናሓረዱ፣ ጮማ እናቐለዉ፣ ከምዘድመቕዎ ይዝረብ።
ብድሕሪኡ እቲ ከባቢ ጮምዓ ተባሂሉ ከምዝተሰየመ ይግለፅ።

ምንጪ ስእሊ, DANIEL TIKABO
ዘርኣያእቆብ ነቲ ግማደ-መስቀል ዓሪፍሉ ዝነበረ እግሪ ጮምዓ ድማ እንዳ መስቀል ኢሎም ስለዝፀወዕዎ ክሳብ ሎሚ ነቲ ስያመ ሒዙ ይርከብ።
ኣብ ጎቦ ጮምዓ በዓል መስቀል ንምብዓል በብዓመቱ ብርክት ዝበለ ህዝቢ እዩ ዝርከብ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ጎቦ ጮምዓ መቐለ ዝተተኸለ 52 ሜትሮ ዝንውሓቱ 53 ቶን ክብደት ዘለዎ መስቀል ኣብታ ከተማ ንዝኽበር በዓል መስቀል ፍሉይ ግርማ እዩ ሂብዎም።
38 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ሽግ ዓድግራት
በዓል መስቀል ኣብ ዓድግራት ዓመታዊ ብድሙቕ እዩ ዝኽበር።
ሎሚ ዓመት ድማ፡ ተወሳኺ ድምቀት ክፈጥር እዩ ዝበልዎ 38 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሽግ ከምዝሰርሑ ሓደ ካብ ኣወሃሀድቲ ናይቲ ስነ-ስርዓት፡ መምህር ሓጎስ ገብረማርያም ይዛረብ።
'ሽግ ሰላምን ሕውነትን' ዝብል ስም ድማ ኣጠሚቖምዎ። መምህር ሓጎስ ምኽንያት ናይዚ ስያመ ክገልፅ እንከሎ፡ መግለፂ ናይቲ "ኣብ ፅባሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ዝኽበር ዘሎ በዓል" ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, DEHAY AGAME
እዚ ሽግ ተሰሪሑ ክሳብ ዝውዳእ ክልተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ወሲዱ።
"ዝደረቐ ዕንፀይቲ ካብ በረኻ ተኣርዩ ብልሕፂ ክሳብ ዝእሰር እዩ መዓልቲ ወሲዱ" ይብል ኣብ ዩንቨርሲቲ ዓዲግራት መምህር መፅናዕትታት ማሕበረሰብ ሓጎስ ገብረማርያም።
ዓዲ ግራት፡ ቅድም ክብል'ውን ኣብ ጎቦ ቃንዳዕሮ ኣስታት 18 ሜትሮ ንውሓትን 8 ቶን ክብደትን ዘለዎ ናይ ሓፂን መስቀል ብምትካል ኣቓልቦ ስሒባ ነይራ እያ።

ምንጪ ስእሊ, DEHAY AGAME
ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ዓድግራት ይኽበር ኣብ ዘሎ በዓል መስቀል እውን ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሰበ-መዚን ተረኺቦም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







