ጣልያን ኣብ ዝተስዓረሉ ኣብ ዓድዋ ንምንታይ ቆንስላ ከፊቱ?

መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ በኣተሓባባርነት ናይቲ ሽዑ እዋን መራሒ ሃገረ ጀርመን ዝነበረ ኦቶ ቮን ቢስማርክ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግዛእ ምስተስማዕምዑ፤ ነተን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግዝኣተን ንምግባር ከምዘይተጸገማ ተመራመርቲ ታሪኽ ይገልጹ።
ብመሰረት ውዕሎም ብጀካ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኩላተን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣውሮጳ ኣትየን።
ኢትዮጵያ ንኽትገዝእ ዝሃቀነት ጣልያን እውን ሰራዊታ ሒዛ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢላ ናብ ዓድዋ ወፊራ። ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓያል ኵናት ዘካየደት ጣልያን ከቢድ ስዕረት ከምዝገጠማ መዛግብቲ ታሪኽ የረድኡ።
ጣልያን ቅድሚ ኵናት ዓድዋ ኣብ ዶግዓሊ ስዕረት ገጢምዋ ነይሩ እዩ። ኵናት ዓድዋ ግን ብዓለም ደረጃ ብሄራዊ ክብሪ ጣልያን ዝተንከፈ ዓውደ ኵናት ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ።
መንግስቲ ጣልያን ኣብ ዓድዋ ምስ ተሳዕረ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ ግዜ ኵናት ገጢሙ ኣብዝተስዓረሉ ዓድዋ ቆንስልኡ ከፊቱ።
ጣልያን ንምንታይ ኣብ ዝተሰዓረትሉ ቦታ ቆንስላ ከፊታ?
ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ እንከላ፡ ጣልያን ቆንስልኡ ኣብ ዓድዋ ምኽፋቱ ንብዙሓት ዘገርም ክስተት'ዩ።
ጣልያን ቆንስልኡ ኣብ ዓድዋ ዝኸፈተሉ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያን ጣልያንን ከም ክልተ ናጻ ሃገራት ፖለቲካውን ንግዳውን ርክባተን ንምሕያል ዓሊሙ ከምዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ መጽሓፍቲ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተጻሒፉ ከምዝርከብ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ሓላፊ ትካል ስነ ኳዕትን ታሪኽን፡ መምህር ተኽለብርሃን ለገሰ ይገልጽ።
"ይኹን እምበር እቶም ዝተጠቐሱ ዕላማታት ንምዕዋት፤ ጣልያን ቆንስልኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገይሩ ክሰርሕ ምኽኣለ ነይሩ" ኢሉ ዝማጎት መምህር ተኽለብርሃን፡ ጣልያን ቆንስልኣ ኣብ ዓድዋ ዝኸፈተትሉ ቀንዲ ምኽንያት ሕነ ንምፍዳይ'ዩ ነይሩ ይብል።

መንግስቲ ጣልያን ድሕሪ ኵናት ዓድዋ፡ ኣብቲ ኵናት ንምንታይ ከምዝተሳዕረ ኣብ ዝገምገመሉ እዋን፡ እቲ ዓውደ ኵናት ዝተኻየደሉ ገጸ ምድሪ ብዝግባእ መጽናዕቲ ስለዘይኣካየደ ከምዝኾነ ገምጊሙ'ዩ ዝብለ ምምህር ተኽለብርሃን፤ ንስዕረተይ ምኽንያት'ዩ ንዝበሎም ጎቦታት ዓድዋ ብቐረባ ከጽንዖም እሞ ሕነ ክፈዲ'ዩ ከፊትዎ ብምባል የብርህ።
ጣልያን ድሕሪ ኵናት ዓድዋ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ኢትዮጵያ ክትወርር እንከላ ብሰሜን ምምጻኣ ድማ ከም መርትዖ የቕርቦ።
ጣልያን ኣብቲ ኻልአዋይ ወራር ንኽትዕወት ግደ እዚ ቆንስላ ልዑል ነይሩ በሃሊ እዩ።
ኣብ ቀጽሪ እቲ ቆንስላ፡ ምስ ጎቦ ሶሎዳ ተመዓዳድዩ ዝተሰርሐ ናይ ባንዲራ መትከሊ ነዊሕ ሓጺን ይርከብ።
ቀንዲ ዝተተኸለሉ ምኽንያት ድማ ጣልያን ኣብ ዝተስዓረሉ ከባቢ ባንዴርኡ ኣብ ነዊሕ ሓጺን ብምንብልባል፡ ንዝበጽሖ ስዕረት ንምክሕሓስ ከምዝኾነ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ክኢላ ቱሪዝም ጽገ ሃይለማርያም ይሕብር።
ካብዚ ብተወሳኺ ጣልያን ፍልፍል ሰዓራይነት ከባቢ እቲ ህዝቢ ንምጽናዕ ዕላማ ገይሩ ቆንስላ ከምዝኸፈተ ንዓበይቲ ዓዲ እታ ከተማ ብምጥቃስ ይገልጽ።
እቲ ቆንስላ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?
ኣብ ዓድዋ ዝርከብ ቆንስላ ጣልያን፡ ብናይ ሮማውያን ኢደ ጥበብ ኪነ ህንጻ ዝወቀበ በዓል ሰለስተ ደብሪ ምዑርግ ህንጻ እዩ። ዛጊድ ብመንግስቲ ጣልያን ይኹን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ሕድሳት ኣይተገበረሉን።
እኳ'ድኣስ መኽዘን ዝተሰባበሩ መናብርን ዝዓነዉ ናውትን ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ይርከብ።
እዚ ታሪኻዊ ስፍራ፡ ብቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝፍለጥ'ዶ ይኸውን ኢልና ንኪኢላ ቱሪዝም ኣይተ ጽገ ሃይለማርያም ሓቲትና ነይርና። ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ንቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ሕቶ ከምዘቕረበን ተረኪቡ ናይ ቱሪዝም መስሕብ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎን ሓቢሩልና።

እዚ ብኪነ ህንጻ ዝዋሕለለ ታሪኻዊ ቆንስላ ጣልያን፡ ንጣልያናውያን በጻሕቲ ዓዲ ጥራይ ቆላሕታ ገይርካ እኳስ ቀንዲ ፍልፍል ቱሪዝም ምግባር ከምዝከኣል መምህር ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ተኽለብርሃን ለገሰ ምዒዱ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







