27 ዓመታት ካብ ዝጸንሐ ድቂ ዝተፈጠረት ህጻን

27 ዓመታት ካብ ዝጸንሐ ድቂ ዝተፈጠረት ህጻን

ምንጪ ስእሊ, COURTESY NATIONAL EMBRYO DONATION CENTER

ሞሊ ጊብሰን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 እያ ተወሊዳ።

ንክትውለድ ዝወሰደላ ጊዜ ግን ከምቲ ዝተለመደ 9 ኣዋርሕ ዘይኮነስ 27 ዓመታት ምዃኑ ፍልይቲ ይገብራ።

እዚ ብደረጃ ክብረወሰን'ውን ተመዝጊቡ'ሎ።

እቲ ታሪኽ ከምዚ ዝስዕብ'ዩ።

እዋኑ 1992 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ እዩ ነይሩ። ሽዑ ዝተፈጠረ ድቂ ክሳብ ለካቲት 2020 ኣብ ውሽጢ ላቦራቶሪ ተዓቂቡ ክጸንሕ ተገይሩ።

ኣብ ቴነሴ ኣሜሪካ ዝነብሩ ቲናን ቤን ጊብሰንን እቲ ድቂ ተወሊዱ ከም ውሉዶን ንከዕብይዎ ክሳብ ዝወሰድዎ ጊዜ እዩ ኣብቲ ቤተ ፈተነ ተዓቂቡ ጸኒሑ።

በዚ ምኽንያት ሞሊ ክሳብ እትውለድ ድቂ ኮይና ን27 ዓመታት ብምጽንሓ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊባ'ላ።

ብርግጽ እቲ ክብረወሰን ኢማ ብዝተባህለት ምዕባይ ሓፍታ ተታሒዙ ዝጸንሐ እዩ።

"ሓጎስና ደረት ኣልቦ እዩ" ትብል ነቲ ድቂ ብምውሳድ ዝወለደት ቲና ጊብሰን።

ቲናን ቤንን ብዝነበሮም ናይ ወሊድ ጸገም (መኻንነት) ንዓመታት ኣብ ሻቕሎት ጸኒሖም እዮም።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ግን ክሳብ'ታ ወለዶም ብዛዕባ ድቂ ወሲድካ ውላድ ናይ ምርካብ ዜና ዝሰምዑላ መዓልቲ እዩ።

"ወለድና ነዚ ዜና ዘይምሰምዑ ነይሮም ናብዚ ደረጃ ኣይምበቓዕናን" ትብል ጓል 29 ዓመት ቲና ጊብሰን።

መምህር ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ዝኾነት ቲና ምስ በዓል ሞያ ትንተና ድሕንነት ሳይበር ወዲ 36 ዓመት ጊብሰን ነቲ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ ናብ ማእኸል ልገሳ ድቂ ክኸዱ'ዮም ወሲኖም።

ኣብ 2017 ናብቲ ማእኸል ብምኻድ ድቂ [ ኢምብሪዮ ዶኔሽን ሰንተር NEDC] ዝወሰዱ እቶም መጻምዲ ኢማ ዝተባህለት ቆልዓ ረኺቦም'ዮም።

ሞሊ ንኻልኣይ ጊዜ ካብ ዝወሰድዎ ድቂ ዝረኸብዋ ካልአይቲ ጓሎም እያ።

እቲ ማእኸል ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ንዘጋጠመ ጥንሲ ክወልድዎ ዘይደለዩን ክልግሱ ዝደልዩን ሰባት ድቂ እናተቐበለ ዝደልዩ ሰባት ክሳብ ዝመጽኡ ዓቂቡ ዘጽንሕ ኣትራፊ ዘይኮነ ትካል እዩ።

ከም በዓል ቲና ዝበሉ ስድራ ድማ ናብቲ ማእኸል ብምኻድ ድቂ ብምውሳድ ክወልዱ ዝኽእሉሉ ዕድል ይረኽቡ።

እቲ ማእከል ከም ዝሕብሮ እንተኾይኑ ኣብ ምሉእ ኣሜሪካ ክሳብ 1 ሚልዮን ድቅታት ኣብ መጽንሒ ተዓቂቦም ይርከቡ።

እቲ ትካል ኣብ ዓመት ክሳብ 200 ድቂታት ይህብ።

እቶም ዝልገሰሎም ሰባት ድማ ምስ ተፈጥሮኣዊ ወለዲ እቲ ድቂ ክራኸቡ ድልየት እንተሃልይዎም ብምሕታት ከራኽቦም ይኽእል።

እዚ ድማ እቶም ህጻናት ኣዝማዶም ንኽፈልጡ ዕድል ይፈጥረሎም።

ቲናን በዓልቤታን ግን "እቲ ህጻን እንታይ ይመስል፤ ካበይከ መጺኡ? ዝብል ነዓና ዘገድሰና ኣይነበረን" ይብሉ።

ካብቲ ማእኸል ብምውሳድ ዝተወለዳ ክልቲኤን ደቆም ብዘርኢ ዝራኸባ ኣሓት እየን።

ክልቲኤን ኣብ 1992 ኣ.ኣ ዝተለገሳን ዝተዓቀባን እየን።

ኤማ ን24 ዓመታት ድቂ ኮይና ኣብ መዕቀቢ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ተወለደት ክብረወሰን ሒዛ ነይራ።

እንተኾነ እታ ካብ እትውለድ ክልተ ወርሒ ዘይመልኣ ሞሊ ብድሕሪ 27 ዓመታት ካብ ድቂ ናብ ህጻን ምስተሰጋገረት ድማ ነቲ ክብረወሰን ክትብሕቶ በቒዓ።