ካናዳ ኣሽማት 2,800 ግዳያት ተመሃሮ ህጻናት ወግዓዊ ገይራ

1950: ሰሜን ኣሜሪካ-ህንዲ ኣብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝረነበሩ ተመሃሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1950 ኣብቲ ቤት ትምህርትኢ ዝነበሩ ደቂ ኣባት ተመሃሮ

ንልዕሊ ሓደ ክፍለዘመን፡ ስመ-ስውር ኮይኖም ጸኒሖም።

ሕጂ ግን፡ ልዕሊ 2,800 ደቂ ኣባት ተመሃሮ፡ ኣብ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ሞይቶም ተባሂሉ ኣሽማት ብቕሉዕ ተጸዊዑ።

ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ፡ ኣቤል ኢቫን ፍራንኮይስ ካብ ዝብል ክሳብ ዞቲኩ ካህኪክያስ ዘለው ኩሎም ግዳያት ሽሞም ብዓውታን ብሕራነን ተነቢቡ።

"ናብ ቤቶም ዘይተመልሱ ህጻናት" ተባሂሎም ተሰይሞም።

ተመራመርቲ ጉዳይ እዞም ኣብ መበል 19ን 20ን ክፍለዘመን ብሓይሊ ምስ መናእሰይ ክወሓሓጡ ወይ ክወሃሃዱ ኣብ ምግባር ዝሞቱ 3ሽሕ ዝጽግዑ ደቂ ኣባት ህጻናት ንምጽራይ፡ ልዕሊ 10 ዓመታት [ሓደ ዕቁድ] ወሲዱሎም።

መብዛሕትኦም ስድራ እዚ ህሞት ኣይተነግሮምን፤ እቶም ህጻናት ድማ ኣብ ዘይፍለጡ መቓብራት ተቐቢሮም።

"እዞም ህጻናት ፍቕርን ሓልዮትን ከይረኸቡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ተወሲዶም ተረሲዖም። መብዛሕትኦም ድማ፡ ብምኽንያት ብሕታውነት'ዮም ሞይቶም ኢለ ይሐስብ" ይብል ዳይሬክተር ማእኸል ሃገራዊ ሓቅን ዕርቅን ረይ ሞራን።

ትማሊ ሰኑይ ግን፡ እዚ ማእኸል ምስ ሓደ ቴሌቪዥን ብምትሕብባር ኣሽማቶም ብቕሉዕ ኣንቢቡ ወግዓዊ ገይሩዎ።

"ሎሚ፡ ንኣዕሩኽትና፣ ወዲ ሓውና ወይ ሓፍትና፣ ደቅና ኣፍልጦ ሂብና እነኽብረሉ መዓልቲ ብምዃኑ፡ ንዓይ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብዛ ሃገር ንዘለው ኣሽሓት ስድራ ፍሉይ መዓልቲ'ዩ" ኢሉ ውጻእ መዓት እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ባርነይ ዊልያምስ።

ወለንተኛታት፡ ኣሽማት እቶም 2,800 ግዳያት ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ካናዳ ዝተጽሓፎ 50 ሜትሮ ዝዝርጋሕ ጨርቂ ሒዞም።

ምንጪ ስእሊ, National Centre for Truth and Reconcilliation

መግለጺ ስእሊ, ወለንተኛታት፡ ኣሽማት እቶም 2,800 ግዳያት ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ካናዳ ዝተጽሓፎ 50 ሜትሮ ዝዝርጋሕ ጨርቂ ሒዞም።

"ህዝቢ እዞም ህጻናት ክፈልጦም ኢና ንገብር ዘለና። ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዝኦም ብዛዕባ ዘይተመልሱ ህጻናት ምፍላጥ ማለት፡ ትኽክለኛ ሽም፣ ስድራን ማሕበረሰብን ከም ዝነበሮም ምፍላጥ'ዩ" ኢሉ ሞራን።

ድሕሪ ሕጂ፡ እዚ ማእኸል ሓቅን ዕርቅን ኣብቲ መዝገብ ናይ ዝሰፈሩ ህጻናት ድሕረ ባይታ ክእክብን ክስንድን'ዩ።

እዚ ቤትትምህርቲ እንታይ ነይሩ?

ካብ 1863 ክሳብ 1998፡ ልዕሊ 150,000 ደቂ ኣባት ህጻናት ካብ ስድርኦም ተፈልዮም፡ ናብ ሓደ መንግስታዊ ሓባሪ ቤት ትምህርቲ ተወሲዶም።

እዞም ህጻናት ብቋንቁኦም ክዛረቡ ኾነ ባህሎም ከንጸባርቑ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ፤ መብዛሕትኦም መሰሎም ዝተግሃሱ'ዮም።

ካብ 2007 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ጀሚሩ፡ መንግስቲ ካናዳ ውጻእ መዓት እዚ ምጽናት ንዝኾኑ ልዕሊ 2.3 ቢሊዮን ዶላር ባጀት ሰሊዑ ኣብ ምጥያስ ጸኒሑ።

ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ድማ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ ደቂ ኣባት ዕርቂ ፈጺሙ። እቲ ትማሊ ናብ ገዝኦም ናይ ዘይተመልሱ ተመሃሮ ህጻናት ንምዝካር ዝተዳለወ መደብ፡ ኣካል እቲ መንግስቲ ዝደልዮ ዘሎ ዕርቂ'ዩ።

ኣብ 2016፡ ኣብቲ እዋን ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝጠለቡ ደቂ ኣባት "ተነጽሎ" ክበጽሖም ተገይሩ'ዩ ዝብል በዓል 520 ገጽ ጸብጻብ ወጺኡ ነይሩ።