ቫያግራ ዝወሰዳ ኣዴታታት ኔዘርላንድስ ደቀን ስኢነን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ተሳተፍቲ ዝነበራ ነፍሰ ጾር ኣደታት ቫያግራ ክወስዳ ምስተገበረ ዝተወለዱ 11 ህጻናት ሞይቶም። እተን ኣደታት ዕብየት እቲ ዝተጠነሰ ህጻን ስለዝዘንግዐን'ዩ ናብቲ ፈተነ ዝተወሰዳ።
ዕብየት ዑደት ጽንሲ ንምቅልጣፍ ዝዉሰድ ከኒና'ኳ እንተኾነ፡ እቲ መድሓኒት ዝዉዉር ደም ስለዘቀላጥፍ ዝተጠነሱ ህጻናት ሳምቡኦም ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ገይሩ'ዩ።
ሰብ ሞያ እንታይ ከምዘጋጠመ ብዝግባእ ክጻረ ኣለዎ ዝበሉ እንትኾን፡ ንምንታይ እዚ ጸገም ኣጋጢሙ ዝብል ክጽናዕ ኣለዎ ኢሎም።
ቅድም ኢሉ ኣብ ሃገራት ኢንግሊዝ፣ ኣዉስትራሊያን ኒዉዝላንድን ተመሳሳሊ ፈተነ ተኻይዱ'ኳ እንተነበረ ካብቲ ፈተነ ዝሰዓበ ጎናዊ ጸገም ኮነ ረብሓ ኣይተርኣየን።
ተመራመርቲ፡ ኣብ 2010 እቲ መድሓኒት ንፈተነ ጥራሕ ክዉሰድ ከምዘለዎ ገሊጾም ነይሮም።
ጸገም ዕብየት ጽንሲ መዓልቶም ትሕቲ ዓቀን ዝኾኑን ትሑት ናይ ምንባር ዕድል ዘለዎምን ዘይኣከለ ህጻናት ክዉለዱ ይገብር። እዚ ጸገም እዋን ጽንሲ ንምፍታሕ ተባሂሉ'ዩ ቫያግራ ክዉሰድ ዝግበር።
ኣብ 11 ሆስፒታላት ኔዘርላንድስ ዝካየድ ዝነበረ መጽናዕቲ ኣብ 2020 ክዉገን'ዩ ተባሂሉ ነይሩ።
ካብ ሞንጎ እተን ኣብ መጽናዕቲ ዝተካተተታ 93 ኣደታት ሲልደፊል ዝተብሃላ ቫያግራ እንትወስዳ፡ እተን 90 ድማ ተመሳሳሊ ናይ ፈተነ መድሓኒት ወሲደን።
ካብቶም ዝረተወለዱ ህፋናት 20 ናይ ሳምቡእ ጸገም ሒዞም እንትዉለዱ፡ 11 ብሲልደፊል ዝተወለዱ ድማ ብዚ ጸገም ሞይቶም።
ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ሊቨርፑል ዛርክኮ ኣልፋረቪክ እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ዝመርሐ'ዩ።
እቲ ንፈተነ ዝተወሰደ መድሓኒት ዘይተደለ ሞት ህጻናት'ዩ ክብል ገሊጹዎ። "እዚ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተረኸበ ዉጽኢት ትጽቢት ዘይተገበሮ'ዩ። ካልእ ክንረኽቦ እንክእል ነገር ስለዝህሉ ጥንቃቀ ክንገብር ኣሎና' ኢሉ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝዉሰድ እዚ መድሃኒት ንምንታይ ኣብ ኔዘርላንድስ ሞት ከምዘስዓበ ክጽናዕ ከምዘለዎ'ዉን ኣቐሚጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







