ብሰንኪ ጌጋ ኣተዓዳድላ ኣፋውስ ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ዶ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣጠቓቕማ ኣፋውስ ኣብ ዓመት ብዝግበር ሚልዮናት ጌጋታት ዝስዕብ ዘሎ ሃስያን ሞትን ኣብ ዘሰንብድ ደረጃ ከምዝበጽሐ ናይ እንግሊዝ ናይ ጥዕና ምኒስተር ጀረሚ ሃንት ገሊጹ።
ሓካይም ፋርማሲታት ሆስፒታላትን ንኣረጋውያን ዝኣልያ ኣባይትን ኣብ ዓመት 237 ሚልዮን ጌጋታት ይፍጽማ ከምዘለዋ ይግመት። እዚ ድማ ካብ ሓሙሽተ ዝተዓደለ ኣፋውስ ዳርጋ ሓደ ጌጋ ይፍጸድም ከምዘሎ ይግመት።
እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ መብዛሕትኡ ዝተገብረ ጌጋታት ጸገም ኣየስዓበን፡ እንተኾነ ዳርጋ ርብዒ ናይቲ ዝተገብረ ጌጋታት ሃስያ ኣስዒቡ ኢዩ።
እቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት ድማ ጠንቂ ናይ ልዕሊ 22,000 ሞት ኮይኑ ኢዩ።
ገለ ካብቲ ዝፍጸም ጌጋታት፦
- ጌጋ ኣተዓዳድላ ኣፋውስ
- ዘይቅኑዕ ዓቐን ፈውሲ ምሃብን
- ምድንጓይ ኣብ ኣጠቓቕማ ኣፋውስን የጠቓልል።

ምንጪ ስእሊ, Other
እቲ ካልእ ጌጋ ድማ ኣብ ሆስፒታላት ብፍላይ ሓካይም ቅድሚ መጥባሕቲ ምግባሮም መደንዘዚ ኣብ ዝጥቀምሉ እዋን ዝፍጸም ጌጋ ኢዩ።
እቲ ካልእ ጌጋታት ዝፍጸም ኣብ መንጎ ሓካይምን ኣባላት ፋርማሲታትን ከምኡ'ውን ኣብ ኣረጋውያን ዝእለይሉ ኣባይትን ዝግበር ናይ ኣፋውስ ኣተዓዳድላ ጌጋታት ኢዩ።
ሓንቲ ካብቶም ብናይ ኣፋውስ ኣተዓዳድላ ዝተሳቐየት ናይ ካትሪን ያንግ ኣደ ኢሬና ኢያ።
እታ ጓል 92 ዓመት ኣደ ኣብ ኣረጋውያን ዝእለይሉ ቤት ኢያ ትነብር። ኣብቲ ቤት ድማ እቲ ንዕኣ ዝተኣዘዘ ኣፋውስ ምስ ናይ ካልእ ሕሙም ኣፋውስ ብምትሕውዋሱ ንሳምንታት ጌጋ ኣፋውስ ተዋሂብዋ። እዚ ድማ ኣብ ጥዕንኣ ሃስያ ኣውሪዱላ።
ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ክንጽዕት ኢና ኢሉ - ናይ ጥዕና ምኒስተር ጀረሚ ሃንት

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
እቲ ምኒስተር ከምዝበሎ እቲ ኩነታት ከምዘሻቕሎ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ኩነታት ዓለማዊ ሽግር እምበር ናይ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
"እቲ ሽግር ካብቲ ንግምቶ ንላዕሊ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ። እቲ ዘስዕቦ ዘሎ ሃስያን ሞትን ድማ ጨሪሱ ክውገድ ዝኽእል ኢዩ" ድማ ኢሉ እቲ ምኒስተር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







