እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ጌጋ ኣተዓዳድላ ኣፋውስ ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ዶ ትፈልጡ?
ኣብ ኣጠቓቕማ ኣፋውስ ኣብ ዓመት ብዝግበር ሚልዮናት ጌጋታት ዝስዕብ ዘሎ ሃስያን ሞትን ኣብ ዘሰንብድ ደረጃ ከምዝበጽሐ ናይ እንግሊዝ ናይ ጥዕና ምኒስተር ጀረሚ ሃንት ገሊጹ።
ሓካይም ፋርማሲታት ሆስፒታላትን ንኣረጋውያን ዝኣልያ ኣባይትን ኣብ ዓመት 237 ሚልዮን ጌጋታት ይፍጽማ ከምዘለዋ ይግመት። እዚ ድማ ካብ ሓሙሽተ ዝተዓደለ ኣፋውስ ዳርጋ ሓደ ጌጋ ይፍጸድም ከምዘሎ ይግመት።
እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ መብዛሕትኡ ዝተገብረ ጌጋታት ጸገም ኣየስዓበን፡ እንተኾነ ዳርጋ ርብዒ ናይቲ ዝተገብረ ጌጋታት ሃስያ ኣስዒቡ ኢዩ።
እቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት ድማ ጠንቂ ናይ ልዕሊ 22,000 ሞት ኮይኑ ኢዩ።
ገለ ካብቲ ዝፍጸም ጌጋታት፦
- ጌጋ ኣተዓዳድላ ኣፋውስ
- ዘይቅኑዕ ዓቐን ፈውሲ ምሃብን
- ምድንጓይ ኣብ ኣጠቓቕማ ኣፋውስን የጠቓልል።
እቲ ካልእ ጌጋ ድማ ኣብ ሆስፒታላት ብፍላይ ሓካይም ቅድሚ መጥባሕቲ ምግባሮም መደንዘዚ ኣብ ዝጥቀምሉ እዋን ዝፍጸም ጌጋ ኢዩ።
እቲ ካልእ ጌጋታት ዝፍጸም ኣብ መንጎ ሓካይምን ኣባላት ፋርማሲታትን ከምኡ'ውን ኣብ ኣረጋውያን ዝእለይሉ ኣባይትን ዝግበር ናይ ኣፋውስ ኣተዓዳድላ ጌጋታት ኢዩ።
ሓንቲ ካብቶም ብናይ ኣፋውስ ኣተዓዳድላ ዝተሳቐየት ናይ ካትሪን ያንግ ኣደ ኢሬና ኢያ።
እታ ጓል 92 ዓመት ኣደ ኣብ ኣረጋውያን ዝእለይሉ ቤት ኢያ ትነብር። ኣብቲ ቤት ድማ እቲ ንዕኣ ዝተኣዘዘ ኣፋውስ ምስ ናይ ካልእ ሕሙም ኣፋውስ ብምትሕውዋሱ ንሳምንታት ጌጋ ኣፋውስ ተዋሂብዋ። እዚ ድማ ኣብ ጥዕንኣ ሃስያ ኣውሪዱላ።
ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ክንጽዕት ኢና ኢሉ - ናይ ጥዕና ምኒስተር ጀረሚ ሃንት
እቲ ምኒስተር ከምዝበሎ እቲ ኩነታት ከምዘሻቕሎ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ኩነታት ዓለማዊ ሽግር እምበር ናይ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
"እቲ ሽግር ካብቲ ንግምቶ ንላዕሊ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ። እቲ ዘስዕቦ ዘሎ ሃስያን ሞትን ድማ ጨሪሱ ክውገድ ዝኽእል ኢዩ" ድማ ኢሉ እቲ ምኒስተር።